እቲ ዝመረረ ፍረ

Posted on 2012-03-29 · 1792 · 0 · 0

32 resources uploaded

ኣብዚ ዘሎናዮ ናይ መወዳእታ ዘመን፣ ኩነታት ሓዳርን መርዓን ኣንፍቱ እናሰሓተ ኣብ ኣዚዩ ሓደገኛ ዝዀነ ጐደና ይርከብ። ሎሚ ዘበን ዳርጋ እቲ ትርጉም ሓዳር ዝተረሰዓሉን ሸለል ዝተባህለሉን ኣዋን እዩ ዘሎ። እቲ ኣዚዩ ዝተሓሳስብ ጉዳይ ድማ እዚ ጸገም እዚ ኣብተን ዝማዕበላ ዝብሃላ ዘለዋ ሃገራት ጥራይ ጐሊሑ ዝረኣ ዘይኰነስ ኣብ ከምኒ ሃገርናን ሕብረተሰብናን ከይተረፈ እቲ ሽግር ከስፋሕፍሕ ምጅማሩ እዩ። ሎሚ ኣብ ሞንጎ ወግዓዊ ሓዳር ምግባርን ቕድሚ ሓዳር ብሓንሳብ ምንባርን ፍልልይ ዳርጋ የልቦን ኣብ ዝብሃለሉ ግዜ ኣሎና። ነቲ ኣምላኽ ኣኽቢሩን ኣወቂቡን ዝፈጠሮ ሓዳር ኣብ ክንደይ ንሕና ደቂ ሰባት ኣብ ኣዚዩ ሑሱር ዝኰነ ኣእምሮን ቦታን የእቲናዮ ከምዘሎና እንሆ እዚ ኣብ ዘመና ዘሎ ቑጽሪ ኣሃዛት ፍትሕ ዓቢ ምልክት እዩ።

ከምቲ ንመርዓ ዘሎ ዓቢ ህንጡይነት ከምኡ ድማ ንፍትሒ ዘሎ ድሌትን ባህግን ኣዚዩ ዓቢ ኰይኑ ኣሎ። ክብሪ ቤተሰባዊ ህይወት ኣብ ዝትንከፈሉ እዋን ካብቲ ኣብ ህይወትና ዝትንክፎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ተወሳኺ ነቲ መስራቲ ሓዳር ዝዀነ ኣምላኽ ምትንካፍ ምኻኑ ክንፈልጥ ይግብኣና። ወትሩ ክንርስዖ ዘይብልና ነገር እንተ ሃልዩ ሳዕቤን ፍትሕ ውጽኢት ሕጊ ኣምላኽ ምጥሓ ምዃኑ ምርዳእ እዩ። ሕጊ ኣምላኽ ምፍራስ ማለት ድማ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ከቢድ መርገም ምምጻእ ማለት እዩ። ሕጊ ኣምላኽ ምፍራስ ሳዕቤኑ ነቲ መፍረሲ ሕጊ ጥራይ ዘይኰነ ንዝወጽእ ወለዶ ዘመሓላልፎ ሳዕቤን ኣዚዩ መዘና ዘይብሉ ሰፊሕ እዩ።

ብመሰረቱ ፍትሕ ውጽኢት ናይ ሕጊ ኣምላኽ ምስዓርን ትሪ ልቢ ምኻኑን መድሓኒና ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገሊጽዎ እዩ። ነዚ ድማ እዩ ንፈርሳውያን ብዛዕባ ፍትሕ ምስሓተትዎ "መሊሱ በሎም፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ገጠሮም፡ ድማ ፡ ምእንቲዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን ? ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር ፡ ክልተ ኣይኰኑን ። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ። ንሳቶም፡ ስለምንታይ ድኣ ሙሴ። ጽሕፈት መፍትሒኣ ሂቦም ፡ ኪፈትሕዋ አዘዘ ? በልዎ። ንሱ፡ ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም ምፍታሕ ኣንስትኹም ፈቐደልኩም፡ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን፡” ማቴ 19፣5-8 እምብኣር ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ሓዳርና ከምቲ ኣምላኽ መጀመርታ ዝነበረ ፍቓዱ ምኻኑ ክንዝንግዖ ኣይግብኣናን። ጠንቅታት ፍትሕ ብዙሓት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ግና እቲ ዘገርም እቶም ሳዕቤናት ካብቶም ጠንቕታት እንብሎም ዝያዳ ከቢድ ጠንቅታት ኣለዎም። እቲ ዝበለጸ ድማ ነቶም ጠንቅታት ኢልና እንኣምነሎም መፍቲሒ ምንዳይ እምበር ካብኦም ንምህዳም ናብቲ ዘፍ ዘይብል ሓደጋ ዘልዎ ኣዕቤን ክንኣቱ ኣይግብኣናን።

ሎሚ ክንዮ ኣብ ደገ ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ማሕበር ክርስቶስ እዚ መንፈስ ፍትሕ የንጸላሉው ብምህላው ኣዚና ክንሓዝን ይግባኣና እዩ። እዚ ናብ መርገም ዝመርሕ ኣበሳን ሓጥያትን ብዝዀነ ዓይነት ምኽንያት ንኸነጽድቖ ኢልና እንወስዶ ምኽንያትን ምስምስን ኩሉ ናብ ኣዚዩ ሓደገኛ ዝዀነ ኩነታት ከምርሕ ስለ ዝኽእል ኣዚና ክንጥንቀቕ ይግባኣና። ሎሚ ፍትሕ ይፍቀድ ድዩ ኣይፍቀድን ዝብል ዓቢ ስነ-መገጐታዊ ክትዕ ከም ዘሎ ርድኡ ኰይኑ፣ ብዝዀነ መንገዲ ዝፍጸም ፍትሕ ግና ሳዕቤን ከም ዘለዎ በሰላኡ ድማ ከም ዘይሃስስ ምርዳኣ ግና ዓቢ ምስትውዓል እዩ። ሎሚ ኣብቲ ቐንዲ ሳዕቤን ከነተኩር ኢና። ብፍላይ ድማ ነቶም ሓዳር ዘይገብሩ እሞ ኣብ ምድላው ዘለዉን ነቶም ድሮ ኣብ ሓዳር ዘለዉ ሰባት ክፍለጥዎ ዘለዎም ዓቢ ቁምነገር ሓዳር ሚዛን ክብረቱ ዓቢ ስለ ዝዀነ ንዕኡ ንምሕላው እትኸፍሎ ዋጋ ድማ መዘንኡ ኩቡር ዋጋ ከም ዘድልዮ ዘይምዝንጋዕ እዩ። ብጸጋ ኣምላኽ ድማ ኩሉ ይከኣል እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ሓዳርና ንዝምልከት ኣምላኽ ብቐንዱን ብዓብኡን ሓላፍነት ክወስድ እንዳሃብና ንሕና ድማ እቲ ኣብ ሓዳርና ዝግባኣና ግቡኡ ንምፍጻም ድልዋት ክንከውን ይግብኣና። ሎሚ እቲ ዘሕዝን ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ ኣብ መንጐ ሰብ ሓዳርን ፍቱሓትን ዘሎ ቑጽሪ እናተቐራረበ ምካዱ እዩ። እምብኣር ሳዕቤን ፍትሕ እንታይ እዩ? እቲ ቐዳማይ ሳዕቤን ፍትሕ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ኣምላኽ ዓመጽ ምፍጻም እዩ። ኣምላኽ ካብቲ ቐዳማይ ዝመስረቶን ብቓል ኪዳን ድማ ዘጽንዖን መርዓ ወይ ሓዳር እዩ። ነዚ ድማ እዩ እቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞ ሰብ ኣይፍለዮ ዝበለ። ስለዚ እዚ ምግጣም ኣምላኽ ዘለዎ ሓዳር ምፍራስ ማለት ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ምልዓል ማለት እዩ። ኣብ ፍርድ ኣምላኽ ምውዳቕ ማለት ድማ ቀሊል ከምዘይኰነ እዩ ቓሉ ዝነግረና። ነዚ እዩ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ምውዳቕ ክሳብ ክንደይ ዘሰክሕ ምኻኑ ዝነግረና። ኣምብኣር ሓዳር ምስ ኣምላኽ ዝተተሓሓዘ ነገር እዩ። ኣምላኽ ንፍትሕ ምስ ዝሙት እዩ ዘተሓሕዞ። ነዚ ድማ እዩ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴዎስ 5፣31-32 ክዛረብ ከሎ "ንሰበይቱ ዚፈትሓ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣ ይሀባ፡ ተባህለ። ኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዂሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ዘመወ፡ እብለኩም ኣሎኹ።" ዝበለ።

ምንዝርና እምብኣር ካብ ሓዳርካ ወጻኢ እትፍጽሞ ጥራይ ዘይኰነስ ንሓዳርካ የሕሊፍካ ብምሃብካ እውን እትለማመዶ ኩነት እዩ። ካልእ ድማ ምንዝርና ካብቲ ኣብ ኣምላኽ ፉንፉን ዝዀነ ሓጥያት እዩ። ዓቢ ሓጥያት ድማ ሞት እዩ። ካልእ ጥቕሲ እንተ ኣምጺና ድማ "ስለምንታይ እዩ፡ ከኣ ትብሉ ኣሎኹም። እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ብጸይትኻን ብዓልቲ ቓል ኪዳንካን ክነሳ ዝጠለምካያ ሰበይቲ ንእስነትካን ምስክር ስለ ዝኾነ እዩ። ሓደዶ ኣይኮነን ነዚ ዝገበረ፡ ንሱውን ዕዙዝ መንፈስ ነበሮ። እቲ ሓድሽ ስለምንታይ እዩ ነዚ ዝገበሮ፡ ዘርኢ ኣምላኽ ስለ ዝደለየ እዩ። እምበኣርሲ መንፈስኩም ሐልው፡ ነታ ሰበይቲ ንእስነቱ ኸአ ሓደ እኳ ኣይጥለም። ምፍታሕን ንኽዳኑ ብዓመጽ ዚኸድኖን እጸልእ አሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል። ስለዚ ኸይትጠልሙ መንፈስኩም ሐልው፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።” ሚልክያስ 2፣14-16። ካብዚ ንምልከቶ ነገር ኣንተ ሃልዩ ድማ ፍትሕ ብቐጥታ ንኣምላኽ ዝጻረር ምዃኑ እዩ።

ንሕሰብ እስከ ምስ መንፈስ ኣምላኽ ተጻሪሩ ዝሰለጠሉ መን ኣሎ? ምስ ኣምላኽ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣትዩኸ በረኸት ዝኰነሉ ኣሎ ድዩ? ክንዮ ኣምላኽ ዝሓጐጎ ምኻድ እምብኣር ሳዕቤን ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምኻኑ ኣይንዘንግዕ። ንኣብነት ሃዋራያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ሰብኣይን ሰበይትን ክዛረብ ከሎ ንሰብኡት ጸሎቶም መታን ከይዕገት ነንስቶም ብከመይ ክብሪ ክሕዝዎን ከምዘለዎም ይዛረቦም። ነስተውዕል ኣብ ልዕሊ ኣንስቶም ብዝገብርዎ ዝዀነ ይኹን ኣሉታዊ ነገር ኣብ ኣምላኽ ንዘቕርብዎ ጸሎት ይዓግቶ። እሞ ድኣ ኣብ ውሽጢ ሓዳር እኳ ብሰንኪ ጉቡእ ዝኸነ ኣተሓሕዛ ዘይምህላዉ ጸሎት ከይምለስ ካብ ዓገተ ሓዳር ምፍራስ ደኣ እሞ እንታይ ዓይነት መርገም ከምጽእ እዩ? ብስርዓትን ሕግን ኣምላኽ ጸወታ የልቦን። እምብኣር ፍትሕ ሳዕቤኑ ምስ ኣምላኽ ዘይምስምማዕ እንተዀይኑ ውጺቱ ድማ ኣብ ህይወትና መንፈሳዊ ድኻምን ዘይምዕጋብን የምጽእ ማለት እዩ። ስለዚ እቲ ዝበለጸ ጸገም ሓዳርና ምስ ኣምላኽ ኰይና ንምፍታሕ ደኣ ዝድለ መስዋትነት ክንወስድ ኣሎና እምበር ዘሊልና ናብ ዓዘቕቲ ከይንወድቕ እሞ ድማ ኣባና መርገም ከይስዕብ ንጠንቀቕ።

ካልእ ኣብ መንጐ እቶም ፍትሕ ዝፍጽሙ ዘለዉ ሰብኣይን ሰበይትን ዘምጾ መዝዝ ኣዚዩ ከቢድ እዩ። ብሰንኪ እዚ ኣብ ህይወቶም መንፈሳዊ፣ ስነ ኣእምራዊ፣ ስጋዊ፣ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ ሳዕቤን ከም ዝመጽእ ብመጽናዕቲ ከይተረፈ ተረጋጊጹ እዮም። ኣብ ዝሓልፈ እዋን ሓደ ብዛዕባ ፍትሕ ዝገልጽ መጽናዕቲ ከንብብ ከለኹ መብዛሕቶም ሓዳሮም ብፍትሕ ዝውድኡ ሰባት ጥዕናውን ስነ ኣእምራውን ጸገማት ከም ዘስዕበሎም፣ ከምኡ ድማ ብተወሳኺ ኣብቲ ማሕበራዊ ናብራ ካብቲ ቕድሚ ሓዳር ንላዕሊ ዝነብሮም ቅልውላው ከም ዘጋጥሞም፣ ዋላ እውን ብኢኮኒዮማዊ መንገዲ ውድቀት ከም ዘጋጥሞም ይዝርዝር። ብዛዕባ ዘለዎም ዕግበትን ሓጐስን ድማ ኣዚዩ ንድሕሪት ከም ዘንቀልቁል ይዛረብ። ካብቲ ኣብ ሓዳር ከለዉ ዝነበሮም ሓጐስ ብብዙሕ ሸነኻቱ ከም ዝጐድል ይዛረብ። እዚ ኩውንነት ኣብቶም ሓዳሮም ብፍትሕ ዝዛዘም ሰባት ከም ዘጋጥም ርድኡ ነገር እዩ።

ኣብ ውሽጢ ሓዳር ብድሆታትን ጸገማትን ከም ዘሎ ዘይክሓድ ሓቂ እዩ። ግናኸ ብዓቕልን ትሕትናን ተጻዋርነትን ምሕረትን ክንፈትሖም እንተ ፈቲና ውጺቶም ድሕሪ ግዜ ሙቁራት እዮም ዝዀኑ። ኣብ ፍርቂ መንገዲ ተሓሊልና ካብኡ ንምህዳም እንወስዶ ስጉምቲ ግና ፍሪኡ መሪር እዩ። ብፍላይ ሕጊ ሓዳር ካብ ገዛእ ርአይ ንብጻየይ ይጥዓሞ ከም ዝዀነ ኣይንረስዕ ኢና። ብፍላይ ከም ወለዲ ኣብቲ ዝመጽእ ወለዶ እነመሓላልፎ ጽልዋ ቀሊል ከም ዘይኰነ ነስተውዕል።

ሓዳር ዕላማ ኣምላኽ ዝፍጸመሉ ቦታ ካብ ኰነ ሰብኣይን ሰበይትን ነዚ ሸለል ኢሎም ናብ ፍትሕ ንምጐዓዝ እንተወሲኖም፣ ብኣእቶም እቢሉ ኣብ ገዛእ ርእሶምን ቤተሰቦምን ካሎኣትን ክግለጽ ዝግብኦ ጸጋ ኣይግለጽን ብኣንጻሩ ደኣ መጋበርያ እቲ ኩፉእ እኩይ ሰይጣን ይዀኑ። ሰይጣን ካብቲ ሓደ ኣብ ጨመትኡ ዘእትዎ ዝዓበየ ነገር ድማ ሓዳር እዩ። በዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ውድቀት ኣፍደገ እንተ ረኺቡ ድማ ዘውርዶ እኩይ ግብሪ ብዙሕ እዩ። ሰይጣን ንስርዓት ኣምላኽ ከፍርስ ከሎ ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ እዩ ፈሊምዎ። እምብኣር ብዙሓት ኣብ ፍትሕ ዝወደቑ ሰባት ዝምስክርዎ ሓቂ እንተ ሃልዩ ጣዕሳን ምረትን እዩ። ስለዚ ኩሉ ግዜ ሓዳርና ናብ ምፍራስ ገጹ ዝወስድ ዘበለ ኩነት ንምስትብሃል ክንክእል ኣምላኽ የዒንትና ይኽፈት።

ካልእ ሳዕቤን ፍትሕ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝውለዱ ዘምጽኦ ሳዕቤን እዩ። ኣብ ፍትሒ ሃዋህው ዘለዉ ዉሉድ ዘለዎም መንፈሳውን ስነ ኣእምራውን ጸቕጢ ብቓላት ክግለጽ ዘይክእል ዓቢ እዩ። ሓደ መጽናዕቲ ዘርጋገጾ ሓቂ እንተ ሃልዩ ካብ ሓሙሽተ ደቂ ፉቱሓት ቆልዑ እቶም ሰለስተ ንጹላትን ርእሰ ተኣማንነት ዘይብሎምን እዮም። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ፍትሕ ናይ ስድርኦም ኣብ ትምህርቲ ዘለዎም ተገዳስነትን ውጺትን እምብዛ ትሑት ይኸውን። መብዛሕቶኦም ድማ ኩትሩ ጽምኣት ናይ ወለዲ ፍቕሪ ስለ ዘለዎም፣ ነቲ ዘለዎም ሃጓፍ ንምምላእ ኣብ ዘይተደልየ ወልፍን ካልእ ነገርን ይኣትዉ። ኣብ ከቢድ ሞራላዊ ውድቀት ድማ ይሽመሙ። ብፍላይ ምስ ዓበዩ ኣብ ሓዳሮም ተመሳሳሊ ውጺት ናይ ስድርኦም ዘጋጥሞም እምብዛ ብዙሓት እዮም። መብዛሕቶም ኣብ ገበንን ካልእ ኢሞራላዊ ህይወት ዝሳተፉ ድማ ንሳቶም እዮም። ኣዚዩ ሓደገኛ ዝኰነ ሳዕቤን እዩ ዘጋጥሞም ማለት እዩ። ስለዚ ወለዲ ክንዮ ዘጋጥሞም ናይ ሓዳር ብድሆታት ክርእዩ ይግባእ። ነቶም ውህበት ኣምላኽ ዝዀኑ ዉሉድ ኣብዚ ከምዚ ታኼላ ክሸምዎም ከለዉ ብኣምላኽን በቶምን ፍርዲ ከም ዘለዎም ክግንዘቡ ይግባእ። ሓንቲ ኣብ ዕስራታት ዘላ ስድርኣ ዝተፋትሑ መንእሰይ ክትዛረብ ከላ ተመሪራ "እንተ ዘይውለድ ምሓሸኒ ኔሩ፣ ዝገብሮ ጠፊኡኒ ኣብ መንጐ ክልተ ተቐቒረ" ኢላ ብንብዓት ተዛሪባ።

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ሕብረተሰብን ዘምጾ መዘዝ ክንድምንታይ ዓቢ ምኻኑ ዘይዝንጋዕ ሓቂ እዩ። ሎሚ ኣብ ሃገር ውድቅትን ረሲእንትን ዝበዝሕ ዘሎ ካብቲ ቡዙሕ ሳዕቤናት ሓደ እዚ ናይ ፍትሕ ጠንቂ እዩ። ንሕሰብ እንዶ ኣብ ፍትሕ ዘለዎ ዝዓበየ ህጻን ናብ መሪሒነት ምስ መጸ ኣብ ቤተሰብ ዘለዎ ክብሪ ክንድምንታይ ክኸውን ኢልና ንግምት? መሰረት ምዕባለ ሕብረተሰብ ቤተሰብ እንተ ዀይኑ እዕኑድ ናይ ገዛ ድማ እንተ ፈሪሱ ሃገር ናበይ ገጻ ከምተምርሕ ርዱኡ እዩ። ስለዚ እቲ ውድቀት ካባና ሓሊፉ ናብ ዉሉድና ካብኡ ቀጺሉ ድማ ናብ መሪሒነት ካብ ሓሊፉድማ ናብ ኩሉ ሕብረተሰብ ዝልሕም መርገም እዩ። ስለዚ በዚ መንፈስ ከይንውቃዕ መንፈስና ንሓሉ።

0 comments
Other Article