ክርስትያናዊ ሕብረት ምዕባይን ምኹስካስን

Posted on 2014-04-18 · 1703 · 0 · 0

3 resources uploaded

ኣብዚ ዘመንና ዘለዉ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያናት ዓቢ ብድሆ ኮይንዎም ዘሎ ፡ሕብረት ከም ቃል እግዝኣብሄር ምዕባይ እዩ። ኣብ ፖለቲካ ዓለም ብፍላይ ናይ ጥሩፋነት ምንቅስቓስ ምስ እንርኢ፡ ሕብረቱ ንምዕባይ ዝገብሮ ምንቅስቓስ፡ ብሴል[ንኣሽቱ ጉጅለታት]እናገበረ ዕላማታቱ ይምህር፡ እምነቱ የስፋሕፍሕ ካብ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ንዝደልዮም ሰባት ዕቤት ይህብን ናብ ዝለዓለ ጽፍሒ የብጽሖምን። ተሓቢኡ ንጥፈታቱ ዘካይድ ጉጅለ ስለ ዝኾነ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኣይፈልጦን።

ሕብረት ኣምላኽ ዝዓብየሉ መንገዲ ተመሳሳሊ’ካ እንተኾነ፡ ብዕላምኡን ኣሰራርሕኡን ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ። ሕብረት እግዝኣብሄር ብብቕዓትን ብዝሕን ክዓቢ ዝኽእል ኣብቲ ብትኽክል ዝተመስረቶ ብናእሽቱ ሕብረታት[ሴላት] ክምደብ እንከሎ እዩ። ናይ እግዝኣብሄር ህዝቢ ሴል ወይ ጉጅለ ዝፈጥር መንፈስ ቅዱስ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ግና ሕብረት ዝፈጥር ናትና ምርጫን ትግሃትን ተጠቒሙ እዩ። ዘይተወሃበካን ትግሃት ዘይብሉን ሰብ መንፈስ ቅዱስ ብኢዱ ስሒቡ ኣብ ሕብረት ኣየእትዎን። ምንፈስ ቅዱስ ናትና ምርጫን ምሃብን ይሓትት። ኣቶም ናይ መጀመርያ ክርስትያናት ብትምህርቲ ብጸሎትን ብምቑራስ እንጌራን ሓቢሮም ይነብሩ ከም ዝነበሩ ግብሪ ሃዋርያት 2:42 ነንብብ። ኣብ ሕብረት ትግሃት የድሊ። ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣብ ኤፌሶን 4:3 "ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልዉዎ ተጋደሉ" ይብል። ብኻኣልነት መንፈስ ቅዱስ ንሓድሕድና ብሰላም እንተተሓሒዝና እዚ ምትሕሓዝ እቲ ጥዕና ሕብረት ንምሕላዉ ምትጋህ ከም ዘለና ቃል እግዝኣብሄር ይምህረና። ሃዋርያ ያቆብ 3:18 "ነቶም ሰላም ዝገብሩዉን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ ይብል"። ስለዚ ንዕቤት ማሕበር ሰላም ኣድላዩ ከም ዝኾነ ኢና እንርኢ። ሰላም እንታይ እዩ? ቃሉ ዝተለምደ ይመስል። ስድራቤት እንዳእከለ ሰላም የልቦን፣ ኣብዚ ቤተክርስትያን ሰላም የልቦን፣ ኣብዛ ከተማ ሰላም የልቦን፣ ንብል። ሰላም የልቦን ክንብል እንከለና እንታይ ማለትና እዩ? ሰላም ማለት ተጸዋዊርካን ተኽባቢርካን ተቐባቢልካን ምንባር ማለት እዩ። ሰላም ዝጠፍእ ምጽዉዋርን ምክብባርን ምቅብባልን ምስዘይህሉ እዩ። ብሰላም ንሓድሕድና ክንትሕሓዝ ዝገበረ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ንምሕላዉ ግና ናትና ትግሃት ይሓትት።ስለዚ ሰላም ፍቕሪን ዘለዎ ክርስትያናዊ ሕብረት ንምምስራት ናይ እግዝኣብሄር ሓይልን ናትና ትግሃትን የድሊ ማለት እዩ።

ኣብዛ ዓለም ክንነብር እንኮለና ገና ካብ ህጻንነትና ጥዕና ዘይብሉ ማለት፣ ፍቕሪ ዝጎደሎ፣ ጸርፊ፣ በትሪ፣ ጽልኢ፣ ቅንኢ ወዘተ ኣብ ዘለዎ ቤተስብን ሕብረተሰብን ንዓቢ እሞ። ብድሕርዚ ተኻኣኢልካን ተደጋጊፍካን ተፋቒርካን ንምንባር ዓቕሚ ይሓጽረና። ነፍሲ ወከፍና ኣብ ሕብረት እግዝኣብሄር ተደጋጊፍናን ተኸኣኢልናን ተፋቒርናን ጥዑይ ዝኾነ ሕብረት ንኽህልወና ምምሃር የድልየና። ሓደ ሓደ ሕብረት ዝብተንን ዝፈርስን ሰኣን ኣፍልጦና ክኸዉን ይኽእል።መጽሓፍ ቅዱስና ብፍላይ ሓድሽ ኪዳን፡ ብሕብረት ተፋቒርካ ሂወት ሕድሕድካ እናተኻፈልካ ምንባር ዝምህረና ብዙሕ ትምህርቲ ኣሎ።
1ጢሜ 3.14-15 "ናባኻ ቀልጢፈ ከም ዝመጽእ ተስፋ እናገበርኩ እዚ እጽሕፈልካ ኣለኹ እንተ ደንገኹ ግና ኣብታ ቤት ኣምላኽ ማለት፡ ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝኾነት ማሕበር ህያዉ ኣምላኽ ከመይ ክትገብር ከም ዝግብኣካ ክትፈልጥ እፈቱ ኣለኹ"። ናይ እግዝኣብሄር ቤተክርስትያን ናይ ሓቂ ዓንዲ እያ፡ ናይ ሓቂ መሰረት እያ። ክርስትያናዊ ሕብረት ኣብ ሓቂ ዝተመስረተ ክኸዉን ኣለዎ። ናይ ሓሶት ሕብረት ዝጸልእ[ዝመሮሮ]ሰብ ናይ እግዝኣብሄር ዝኾነ ሕብረት ንምዕባይ፡ ናይ ፍቕሪ ሕብረት ንምምስራት ቆራጽ ስጉምቲ ክወስድ ይግብኦ። ሓደ ሓደ ዉሳነታት ሓደጋ ክህልዉዎም ይኽእሉ እዮም። ነዚ ንምብዳህ ግና ጸኒዕካ ምቓም፡ ትግሃትን ጻዕርን ይሓትት። ፍቕሪ ክንዘርእ እንከለና ጸላኢ ስቕ ኢሉ ኣይርእን እዩ።መጥቃዕቲ ይገብር እዩ። ሰላምና ክህዉኽ ይፍትን። ነቒሕናን ጸኒዕናን ክንቃወሞ እንከለና ግና እግዝኣብሄር ድማ ሓይሊ የዕጥቐና እዩ።

እንበኣርከስ ክርስትያናዊ ሕብረት ንምኹስካስ ኣድለይቲ እዮም ዝብሃሉ ሓሙሽተ ነጥብታት ክንርኢ ኢና።

1. ክርስትያናዊ ሕብረት ንምኹስካስ ተኣማንነት [ቅኑዕ ምኻን ሓቀኛነት]የድሊ።/courtesy/

መዓልታዊ ምስ ዝሕሱ ሰብ ፡ሓቢርካ ሕብረት ክትፈጥር ኣይኮነን ምስኡ ሓቢርካ ክትርአ ከማን የሕፍር። ነቲ ጸገም ስቕ ኢልካ ካብ ምሕላፉ ተጠንቂቕካ ብፍቕሪ እቲ ሓቂ ምንጋር ንሕብረትካ ጥዕና ዘለዎ ይገብሮ። ሰባት ሓጢኣት ልምዲ ኮይንዎም ደጋጊሞም ክገብርዎ ክትርኢ እንከለኻ ስቕ ምባል ቀሊል እዩ። ሰባት ገዛእ ርእሶም እንጎድኡ ስቕ ኢልና ንርኢ እንተኾንና ፍቕሪ የብልናን ማለት እዩ። ኣይንፈትዎምን ማለት እዩ። ንብዙሓት ሰባት ጉድለቶም ዝነገሮም የልቦን ዋላ ኣብ ጎድኖም እናተቐመጡ። ስለዚ ንገዛእ ርእሶም ምጉዳእ ይቕጽሉ። ሰራቒ ብስርቁ ሓሳዊ ብሓሶቱ ይቕጽል ዝዛረብ የልቦን። ብዙሕ ግዜ እንታይ ክንብል ከም ዝግብኣና ንፈልጥ ኢና። ግና "እንታይ ክብለኒ ይቕየመኒ’ዶ ይኸዉን" ብምባል ትም ንመርጽ። ብዙሓት ሕብረታት ብፍርሒ ዝኣክል ተባላሽዮም እዮም።ናይ ሓደ ሓዉ ወይ ሓብቲ ሂወት እናተባላሸወ ደፊሩ ዝዛረብ የልቦን።መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኤፌሶን 4.15 "ብፍቕሪ ንሓቂ ሰዓብዋ" ይብል። ኣብ ሕብረት ብፍቕሪ ንሓቂ ብግልጺ ምዝራብ እንተዘየልቦ እቲ ሕብረት ናይ ሓሶት ሕብረት ማለት እዩ። እቲ ጥበበኛ ሰለሙን ኣብ ምሳሌ 24.26 "ቅኑዕ ምላሽ ዝህብ ከናፍር ይስዕም" ይብለና። እዚ ማለት እንበኣር ኣሕዋትና ሓጢኣት ክገብሩ ወይ ሓጢኣት ክገብሩ ክሓስቡ ኣብ ፈተና ከም ዘለዉ ክንፈልጥ እንከለና፡ ብፍቕሪ ክንእርሞምን ክንመልሶምን ብፍቕሪ ክንዛረቦምን ይግባእ ማለት እዩ። ሃዋርያ ጳዉሎስ ናብ ሰብ ገላትያ 6.1 "ኣሕዋተየ ሰብ ብሓደ በደል እንተተታሕዘ ነዚ ከምዚ ዝበለ ንስኻትኩም መንፈሳዉያን ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ፡ ንስኻዉን ከይትፍተን ንርእስኻ ተጠንቀቕ" ይብል። ብዙሓት ሕብረታት ተሸፊኖምን ተጎልቢቦምን እዮም ዘለዉ። ስለምንታይ? እንተበልና ሓቂ እንተተዛሪብና ሽግር ክፍጠር እዩ ዝብል ፍርሒ ስለ ዘለዎም እዮም። ሰባት ሓደ ሓደ ሕቶ ዝፈጥር ኣርእስቲ የልዕሉ እሞ ተቐላጢፍካ ናይ ሓሶት ሰላም ትፈጥር "ጃልባ ኣይተናዉጽ" ዝዓይነቱ ስብከት ይወሃብ። መዝሙር ይምረጽ "ዓይነይ ካብ ሰብ ኣግሊለ ናባኻ እጥምት" እዝየም። ናይ ሓሶት ምርግጋእ እፍጥር እሞ ነፍሲ ወክፍ ኣባል ብዉሽጡ ይሓርር። "ድጉል ሓዊ" ይኸውን። እቲ ጸገም ገና ኣጠፍአን ግዚኡ ሓልዩ ይወጽእ። ኩሉ ሰብ ብዛዕባ ዘለዎ ሽግር ይፈልጥ እዩ። ብግልጺ ዝዛረብ ግና የልቦን። እዚ ድማ ሕሙም ሕብረት ይፈጥር። ንሕድሕዱ ብዉሽጡ ይትሓማመ፡ ሕሹኽሹኽ ይበዝሕ ግልጽነት የልቦን። ነዚ ከምዚ ዝመሰል ኣካይዳ ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣብ ኤፌሶን 4.25 ከምዚ ይብሎ "ስለዚ ከኣ ንሓሶት ንየዉ በልዎ ኣካል ሕድሕድ ኢና እሞ ነፍሲ ወክፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ" ይብለና።

ሓቀኛ ሕብረት ኣብ ሓዳር ይኹን ዕርክነት ከምኡዉን ቤተክርስትያን እቲ ሕብረት ዝጸንዕ ግልጽነት ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ። ኣብ ሕብረት ዝፍጥር ሓደ ሓደ ሽግራት ንምቅርራብ ይጠቅም እዩ ።ኣብቲ ሕብረት ዝፍጥር ሽግራት ተሰማሚዕና ንምፍታሕ ጻዕሪ ተዘይ ጌርና ምቅርራባት ኣይመጽእን እዩ። ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ዝግበር ዝርርብ ነንሕድሕድና ከምንፈላለጥን ክንቀራረብን የኽእለና። እቲ ሽግር ብትኽክል ምስ ተፈትሐ ምቅርራብ ይመጽእ ፍልልይካ ፊት ንፊት ትገጥም። ብፍቕሪ ፍልልይካ ክፍታሕ እንከሎ ምትሕቑቓፍ ይመጽእ። ምሳ 28.23 "ካብቲ ብልዙብ ልሳን ዘቀባጥር’ሲ እቲ ንሰብ ዝግስጾ ዝበለጸ ሞጎስ ይረክብ" ይብለና። ካብ ምሸት ምሽት ንሰባት ዝሓባብል ባህሪ ሓቂ ዝዛረብ ይድነቕ። ሓቂ ክትነግር እንከለኻ ንግዚኡ ትጽላእ ትኸዉን፡ ግና ኣብ መወዳእታ ሰባት ከኽብሩኻ እዮም።

2. ክርስትያናዊ ሕብረት ንምኹስካስ ትሕትና ይሓትት/Humility/

ገዛእ ርእስኻ ዓቢ ጌርካ ምቑጻር ንሕብረትና ዘዕንዉን ዘበላሽዉን እዩ ፡ናተይ ሓሳብ ጥራይ ይሰማዕ ዝብሉ ደረቕ ኣበሃህላታት ትዕቢትን ኩርዓትን እዮም። ኩርዓት ኣብ ሰባት መንደቕ[ሓጹር] ይሰርሕ ትሕትና ግና ድልድል ብሙኻን የራኽበና። ኣብ ሕብረት ከም ቅብኣት ጌሩ ዘለስልሰና ትሕትና እዩ። ኣብ 1ጴጥ 5.5 "ኣቱም መንእሰይ ከምኡ ነቶም ዝዓብዩኹም ተገዝእዎም። ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓቶም ንትሑታት ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኩላትኩም ንሓደሕድኩም መታን ክትገዛዝኡ ትሕትና ተዓጥቑ" ይብል። ስለዚ ንሕብረት እቲ ትኽክለኛ ልብሲ ትሕትና እዩ። ትሑታት ንኸዉን ትዕቢት ኣብ ሂወትና ናይ እግዝኣብሔር ጸጋ ስለ ዝዓጹ እዩ።ንትሑታት ግና እግዝኣብሄር ጸጋ ይህብ። ናይ እግዝኣብሄር ጸጋ ንምዕባይ፡ ንምቕያር፡ ንምፍዋስ፡ ንኻልኦት ክንረድእን ይሕግዘና፡ ናይ እግዝኣብሄር ጸጋ እንቕበሎ ብትሕትና "የድልየና" ኢልና ብምእማን ንእግዝኣብሄር ብምጽባይ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህረና ሰብ ኣብ ኩርዓት[ትዕቢት] ክኸዉን እንከሎ ምስ እግዝኣብሄር ብኣንጻር[ተቓራኒ] ኣሎ ማለት እዩ።እዚ ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ።

ትሕትና እብ ሂወትና እነእንግደሎም መንገድታት፦
ሀ. ድኹም ጎንኻ ፈሊጥካ ድኻምካ ምቕባል።
ለ. ድኻም ካልኦት ምዕጋስ።
ሐ. ክትእርምን ክትእረምን ድልዉ ምኻን ።

ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣብ ሮሜ 12.16 "ንሕድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ፡ ምስቶም ትሑታት ትሕት በሉ እንበር ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተዉድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይትሕሰቡ" ይብል። ኣብ ፊሊጲ 2፡3-4 "ሓንቲ እካ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንዉዳሴ ከንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ" ይብለና። ትሕትና ንገዛእ ርእስኻ ኣትሒትካ ምርኣይ ኣይኮነን። ትሕትና ብዛዕባ ነብስኻ ብዙሕ ዘይምሕሳብ ኢዩ። ትሕትና ንኻልኦት ብዙሕ ምሕሳብ ኢዩ። ትሑታት ሰባት ኣተኩርኦም ንኻልኦት ምግልጋል ኢዩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ኣይጭነቑን ኢዮም (ብዙሕ ኣይሓስቡን)።

3. ክርስትያናዊ ሕብረት ንምኹስካስ ንኻልኦት ኣሕዋት ምኽባር ይሓትት /courtesy/

ኣብ ሓደ ሕብረት ንዘሎ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ክነኽብሮ ይግብኣና። ናይ ካልኦት ስምዒት ክንሕሉ ግድን ኢዩ ።ንዕቤት ማሕበርና ገለ ዘዕገርግሩና ሰባት ክንዕገሶም ይግብእና። "እምብኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንና፡ ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር፡ ንርእስናውን ባህ ከይነብል፡ ይግብኣና እዩ። ከምቲ ጽሑፍ፡ ጸርፊ እቶም ዝጸረፉኻ ኣባይ ወደቐ፡ ዚብል፡ ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብል ኣይደለየን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ንብጻዩ ምእንቲ ኽሃንጾ፡ ብሰናይ ነገር ባህ የብሎ።"

ሮሜ 15፡1-3 "ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ክዀኑ ኣዘክሮም" ይብለና። ቲቶስ 3:2 ለውሃት ማለት ዕሽነት ኣይኮነን። ኩሉ ከም ዝደለዮ ዝገለባብጦ ኣይኮነን። ለውሃት ብትዕግስቲ ብፍቕሪ ምዝራብ፡ ዝተሸገረ ምርዳእን ግርህነትን እዩ ዘመልክት። ኣብ ዝኾነ ሕብረት ወይ ቤተክርስትያን ኩሉ ግዜ ውሑዳት ኣሸገርቲ ሰባት ክነብሩ ይኽእሉ ኢዮም። ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ዝኾነ ሽግር ክህልዎም ይኽእል እዩ። ዘፍርሖም ነገር ክህልዎም ይክእል እዩ። ቀልጢፍካ ናይ ምሕራቕ [ምብስጫዉ] ባህሪ ኣለዎም። ምስ ሰብ ሓቢሮም ናይ ምንባር ክእለት ይጎድሎም ይኸውን። ምስ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ንክትረዳዳእ ጸጋ የድሊ። እግዚኣብሄር ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ኣብ መንጎና ዝገብሮም ንኣናን ንዕኦምን ጥቕሚ ኢዩ። ንምዕባይ (ንዕኦም ኮነ ንዓና) ጽቡቕ እዩ። ንሕብረት ድማ መፈተኒ እዮም። ስለዚ ከምዚኦም ዓይነት ኣሕዋትን ኣሓትን ብፍቕርን ብኽብርን ክንሕዞም ይግብኣና። ኣብ ሓደ ስድራ ቤት ምቅብባል ዝህሉ ጎበዝ ወይ መልክዓኛ ጓል ስለ ዝኾኑ ኣይኮነን። ከምኡውን ፍሉይ ክእለት ስለዘለዎም ጥራይ ኣይኮነን። ናይቲ ስድራ ቤት ኣካል ብምኳኖም ጥራይ ይፋተዉ ይተሓቛቐፉ ንክፉእ ድማ ሓቢሮም ይከላኸሉ። ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ ይብል። ሮሜ 12:10 ካብቲ ዘሕዝን ግና ከምዚ ኣብ ብዙሕ ሕብረታት ስለ ዘይርከብ እዩ። ብንጻሩ ፍልይ ዝበለ ብህሪ ንዘለዎም ሰባት ምግላል ይርአ። ኣብ ሕብረት ግድን ኩሉ ተመሳሳሊ ይኹን ኣይበሃልን እዩ። ሕብረትና ምስ እግዚኣብሄር ብዘለና ርክብ ስለ ዝኾነ ሓደ ቤተ ሰብ ኢና።

ንምክብባር ሓደ መንገዲ ሰባት ካበይ ከም ዝመጹ ክንፈልጥ ይግባኣና። ምስክርነት ሂወት ብዝግባእ ክንፈልጥ ኣለና ።ዝሓለፎ ሂወት ምስ እንፈልጥ ርህሩሃት ክንከዉን የኽእለና። ጾሩ ክንስከምውን ንኽእል። ካልእ ንምክብባር ቁልፊ ዝኾነ ድማ ጥንካረ ሰባትን ፍርሆምን ዘይምርኣይ። ንስኻ ስለ ዘይፈራሕካ ናይ ካልኦት ስሚዒት ሓሶት ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ትኽክለኛ ሕብረት ዝህሉ እቶም ኣባላት ጥርጣረኦምን ፍርሖምን ሰብ ከይብለኒ ከይበሉ ክገልጹ እንከለው ኢዩ።

4. ክርስትያናዊ ሕብረት ንምኹስካስ ናይ ካልኦት ምስጢር ምዕቃብ ይሓትት (confidentiality)

ሰባት ውሽጦም ገሊጾም ጉድኣቶም፡ ድሌቶም፡ ጌግኦም፡ ንሕብረት ከካፍሉ ዝኽእሉ ሽግረይ ከካፍሎም እንከለኹ፡ ይቕበሉኒ፡ ይርድኡለይ፡ ምስጢረይ ይዕቅቡለይ እዮም ኢሎም እምነት ክህልዎም እንከሎ ጥራይ እዩ። ምስጢር ምዕቃብ ማለት ሓንቲ ካብ ሓብቲ ወይ ሓው ሓጥያት ክሰርሑ እንከለው ስቕ ኢልካ ምርኣይ ኣይኮነን። ኣብ ሕብረት ዝተነግረ ምስጢር ካብቲ ሕብረት ከይወጽእ ምጥንቃቕ የድሊ። እቲ ሕብረት ነቲ ሽግር ክፈትሖ ኣለዎ እንበር ንወረን ንሕሜትን ክኸውን የብሉን። እግዚኣብሄር ሕሜት ይጸልእ እዩ። ብፍላይ ብጸሎት ኣምሲልካ ዝቐርብ ሕሜት እግዚኣብሄር ይጽየፎ እዩ። "እስኪ ብዛዕባ ኩስቶ ንጸሊ ድኻም ኣለዎ" ተባሂሉ ዝውረ ሕሜት እግዚኣብሄር ይጽየፎ እዩ። ጠዋይ ሰብ ቔየቛ ይዝርግሕ ሓማዪ ኸኣ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም ይብል። ምሳሌ 16:28 ሕሜት ይጎድእ እዩ ምፍልላይ የምጽእ። ሕብረት የበላሹ። ቃል እግዚኣብሄር ንሕብረት ብሕሜት ዝፈላልዩ ፊት ንፊት ክዛረቦም እንከሎ ነቲ ሻረኛ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ጥፉእ ምዃኑ ባዕሉ ንርእሱ ዀኒኑውን ሓጢኣት ምግባሩ ፈሊጥካ፡ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ምስ መዓድካዮ፡ ኣርሕቆ ይብል። ቲቶስ 3:10-11 ሓደ ሓደ ሰባት ተንኮሎም ክትነግሮም እንከለኻ ካብቲ ሕብረት ክኸዱ ይክእሉ እዮም። ግናኸ ናይ ሕብረት ጥዕና ካብቲ ግለ ሰብ ስለ ዝበልጽ ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ብፍቕሪ ምምዓድ የድሊ።

5. ክርስትያናዊ ሕብረት ንምኹስካስ በብግዚኡ ከየቓረጽካ ሕብረት ምግባር የድሊ (frequency)

ሕብረት ንምጥንካር ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ከየቛረጽካ ድጋጊምካ ምእካብ የድሊ ።ናይ ሕብረት ኣኼባ ግዜ ይወስድ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እብራውያን 10:25 እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ፡ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዓድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ ይብለና። ናይ ምእካብ ልምዲ ክህልወና ኣለዎ። ልምዲ ማለት ቀጻሊ ዝግበር እንበር ሓደ ሓደ ግዜ ጥራይ ዝግበር ኣይኮነን። ምስ ሰባት ግዜ ክንወስድ ኣለና። ሕብረት ንምህናጽ ብዙሕ ግዜ ክነጥፍእ ኣለና። ኣብ ብዙሕ ቤተክርስትያን ሕብረት ውሱንን ፍረ ዘይብሉን ዝኸውን ብዙሕ ግዜ ነቲ ሕብረት ስለዘይነጥፍእ እዩ። ኣብ እንእከበሉ እዋን ሓደ ሰብ ክዛረብ እንከሎ ምስማዕ እንበር ምዕላልን ካልእ ክንገብር የብልናን። እንተጢዒሙኒ ክመጽእ እየ ኢልካ ሕብረት ኣይህነጽን እዩ። ሕብረት ግዜ ምውሳድ ይሓትት። ንመንፈሳዊ ጥዕናና ንጥንቀቕ እንተ ኾይና ንሕብረት ግዜ ክንህብን ክንጥንቅቕን ኣለና። ሕብረትና ንምኹስካስ ውሽጥና ክእከብ ኣብ ዘይደልየሉ ግዜ ከይተረፈ ጠቓሚ ስለ ዝኾነ በብግዚኡ ክንእከብ ኣለና። እቶም ናይ መጀመርታ ክርስትያናት በብግዚኡ ይእከቡ ነይሮም። ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ፡ ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱ፡ ብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳእ ኰይኖም ይበልዑ ነበሩ ይብለና። ግብ 2 ፥46

እንበኣርከስ ሕብረት ንምኹስካስ እዞም ልዒልና ዝጠቀስናዮም ኣለዉና ናይዞም ሓሳባት ሓቅነት ንምፍላጥ ግና ሎሚ ክንፍትኖም ኣሎና።

0 comments
Other Article