ሓይሊ ሞት ተሳዕረ!

Posted on 2012-04-07 · 1257 · 0 · 1

35 resources uploaded

“ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ። ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።” (1ቈረ.15.55-57)

ቀደም ቆልዓ ከለኹ ይዝከረኒ ዓርቢ ስቕለት ክኸውን እንከሎ፣ ኣዴና ናብ እንዳ መድሃኔኣለም ቤተክርስትያን ሒዛትና ትኸይድ ኔራ። ቆልዑት ስለ ዝነበርና ማይ ክንሰቲ ወይ’ውን ገለ ነገር ክንበልዕ ይፍቀደልና እኳ እንተነበረ፣ እቲ ዓላማ ጾምካ ምውዓል እዩ ኔሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝዓበየ ሕቶ ዝኾነኒ ዝነበረ “ስለምንታይ እዮም ንየሱስ ቀቲሎሞ፣ ገባሪ ጽቡቕዶ ኣይነበረን?” ዝብል እዩ ኔሩ። ንቐተልቱ ድማ እጸልኦም ኔረ። ዓርቢ ስቕለት ከም ናይ ጓሂ መዓልቲ ኮይና እያ ትስምዓኒ ኔራ። ከመይሲ እቲ ሕያዋይ የሱስ ስለ እተሰቕለን ዝሞተን። ንዕኡ ክሓስብ እንከለኹ ድማ ጓሂ ይስምዓኒ ስለ ዝነበረ ብዝተኻእለኒ መጠን ጾመይ ክውዕል እየ ዝፍትን ኔረ። ሰንበት፣ ትንሳኤ ወይ ፋሲካ ምስ ኮነ ግና እቲ ናይ ዓርቢ ስምዒታት ኩሉ ይጠፍእ።

ምልስ ኢልና ደቀ-መዛሙርቲ የሱስ ኣብ እዋን ስቕለቱ፣ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ከምዝነበሩ እስከ ንሕሰብ። ተስፋ ጌሮምዎ ዝነበሩ፣ ብዙሕ ድንቅን ተኣምራትን ዝገበረ መራሒኦም እዩ ናብ ኢድ ሮማውያን ኣሕሊፉ እተዋህበ። ከም ናብ ማሕረዲ እትኹብከብ በጊዕ ስቕ በለ እንበር ንርእሱ ክከላኸል ኣይፈተነን። ጴጥሮስ እኳ ኣይሰለጦን እንበር ክከላኸለሉ ፈቲኑ ኔሩ። ምስ ሞተን ምስ ተቐብረን ድማ ነገራቶም ኩሉ ምስኡ እዩ ተቐቢሩ ነይሩ። ትንሳኤ ይርኣዮም ኣይነበረን። ድሕሪ ደጊም እንታይ እዮም ክገብሩ፣ ናበይ እዮም ክኸዱ፣ ኣይፈልጡን ነበሩ። ኩሉ ነገራቶም ሓዲጎም እዮም ስዒቦሞ ኔሮም። ድሕሪ‘ዚ ግና ንቕድሚት ከኺዶም ዝኽእል ተስፋ ኣነበረን። ስለዚ ድማ ኩሎም ናብቲ ናይ ቀደም ተግባራቶም ክምለሱ ጀመሩ። ተስፋ ሃዋርያት ግና ጸልሚቱ ኣይተረፈን። እቲ ተስፋ ጌሮምዎ ዝነበሩ የሱስ ሞት ኣጽኒዑ ክሕዞ ኣይከኣለን። ንሞት ስዒሩ ተስኤ። ተስፋኦም ድማ ተሓደሰ።

ዓለም ብብዙሕ ነገራት ትናወጽ ኣላ። ምንቅጥቅጥ መሬት፣ ምዕልቕላቕ፣ ህቦብላ፣ ውግእን ናዕብን... ወዘተ መኽፈቲ ናይ ነፍሲወከፍ ዜና ዓለም እዩ ኮይኑ ዘሎ። ብዙሓት ጠፊኦም፣ ብዙሓት ዝነበሮም ስኢኖም፣ ብዙሓት ፈተውቶም ሓሊፎም። ህዝብና‘ውን ካብዚ ኣደዳ መዓት ኣየምለጠን። ኣብ ፍቖዶ ባሕርን ምድረበዳን ይጠፍእ ኣሎ፣ ገለ ድማ ከርተት ይብል ኣሎ። ሞትን ስቓይን ዝነገሰ ዀይኑ እዩ ዝስምዓካ። ኣብዚ እዋን እዚ እቲ እንኮ ተስፋ ክኾነና ዝኽእል እቲ ንሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ እዩ። ጸላኢ ክሓርድን ከጥፍእን እዩ ዝመጽእ፣ ክርስቶስ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ክህብ እዩ ዝመጽእ። ከመይሲ ንሱ ንኹሉ ሓይሊ ሞት ስዒሩ እዩ።

ሓደ ታሪኽ ክነግረኩም። ሓደ ቆልዓ ምስ ኣቦኡ ይጓዕዝ ነበረ። ብድንገት ሓደ ንህቢ ናብታ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ መኪና ኣተወ። እቲ ቆልዓ ኣለርጂ ናይ ሕንዚ ንህቢ ስለዝነበሮ ክመጾ ዝኽእል ስቓይ ተረዲኡ ብራዕዲ ኣንቀጥቀጠ። ኣቡኡ ግና ኢዱ ዘርጊሑ ነቲ ንህቢ ቆለቦ። ንቕሩብ ደቓይቕ ድሕሪ ምዕሟኹ እንደገና ፈነዎ። ቁሩብ ሃዲኡ ዝነበረ ቆልዓ እንደገና እቲ ንህቢ ክበርር ምስ ረኣዮ ክርዕድ ጀመረ። ኣብኡ ግና “ኣጆኻ ወደይ ኣይትፍራህ፣ ርኤ እቲ ሕንዚ ኣብ ኢደይ ኣትዩ እዩ፣ ደጊም ክጎድኣካ ኣይክእልን እዩ።” ብምባል ኢዱ ዘርጊሑ ኣርኣዮ።

ክርስቶስ ብመስማር ክሽንከር እንከሎ እንበኣር ንሓይሊ እቲ ብሰንኪ ሓጥያትና ዝመጸ ሞት እዩ ካባና ዝወሰዶ። ነዚ እተረድኤ ጳውሎስ ከምዚ ይብል፣ “ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ። ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።” (1ቈረ.15.55-57) እንብእርከስ ንዘክር፣ ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘሎና ነቲ ምእንታና ዝሞተን ዝተንስኤን እንበር ንርእስና ምእንቲ ከይንነብር ኢሉ እዩ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ዝሞተ እሞ ብኹሉ ናብራና ንዕኡ ብምኽባር ንንበር (2ቈረ.5.15)።

1 comments

ኣምላክ ይባርካ እርሚ ሓወይ.