ክሕባእ ነይርዎ

Posted on 2014-06-07 · 1412 · 0 · 0

37 resources uploaded

ዘጸ 2, እብ11፣23-27


ከም ዝጠነሰት ካብ ትፈልጥ ኣትሒዛ ዕረፍቲ ዝበሃል ኣይነበራን። ወዲ’ዶ ወይ ጓል ይኸውን እናበለት መዓልትታታ ኩለን ብሻቅሎትን ብጭንቀትን እየን ሓሊፈን። ለይቲ ኰነ መዓልቲ ዕረፍቲ ካብኣ ረሓቀ። ብዘይካ እቲ ጥንሲ ዘምጸኦ ጾር፣ መጻኢ እቲ ኣብ ወሽጣ ዝነበረ ድቂ ኣዝዩ ከቢድ ነበረ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ “ዝተወልዱ ደቂ ተባዕትዮ ዘበሉ ይቀተሉ” ዝብል ጭካነ ዝመልኦ ኣዋጅ ካብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ወጺኡ ስለ ዝነበረ እዩ። ብፍላይ እኳ ካብታ ዝተወለደላ፣ ወዲ ሙዃኑ ዝፈለጡላ መዓልቲ ዝነበሮም ጭንቀት ታእላው ኣይነበሮን። እንታይ ከም ዝገብሩ ጸበቦም፣ ምድሪ ብቀትሪ ጽልምት በሎም። ኣየናይ ወላዲ እዩ ንውሉዱ ንሞት የሕሊፉ ዝህብ? ብሰላም ንኸዓቢ ኣብ ክንዳኡ ነፍሶም ኣኽሊፎም ክህቡ ድልዋት ነበሩ። እታ ሓንቲ ክገብርዋ ዝነበሮም ኣምራጺ ድማ፣ ኣዋጅ ንጉስ ከይፈርሁ “ምሕባእ” እዩ ነይሩ። ኣብ ቅድሚ የዒንቶም ኰነ ኣብ የዒንቲ እ/ሔር “ጽቡቅ” ስለ ዝነበረ ድማ “ብእምነት” ክሓብእዎ ምኽሮም ቆረጹ።


ንኣስታት 3 ወርሒ ዝኣክል ድማ ሓብእዎ። ዝሰምዕዎ ድሃይ እናኣሰንብዶም ኣዝዮም ተሸቅሮሩ። ክምግብዎ ከለዉ ኰነ ከጽርዮዎ፣ ኩሉ ብፍርሃትን ብጥንቃቀን ነበረ። ቆልዓ ዓቅሉ ጸቢብዎ እንክበኪ ልቦም እናተዘብሐ ብፍርሓት ተዋሒጦም ነበሩ። እንተተረኺቡ ዝጽበዮም ዝነበረ ፍርዲ ክሓስቡ ከለው ኣምዑቶም እናተናወጸ ጭዋዳድ ገጾም ይግተር ነበረ። ብፍላይ ከኣ ኣዲኡ ንብዓት እናቀደማ ድቃስ ዘበለ ካብ የዒንታ በረረ። ከም ኩለን ኣዴታት፣ ወዳ ዓቢዩ ክስሕቅ፣ ክጻወት ተመነየት። ከብዲ ወላዲ ኰይንዋ፣ ሓቦጭቦጭ እናበላ፣ ሕማቅ ውላዳ ከይትሪኢ ምምህላል ኣቋሪጻ ኣይትፈሊጥን። ክትምግቦ ከላ ድማ ፍሽኽታን ንብዓትትን እናተፈራረቃ፣ ዓይኑ ዓይኑ እናጠመተት ብሓሳብ ኣርሒቃ ትገይሽ ነበረት። እቲ ኣብቶም ካልኦት ቆልዑ ዝወረደ ርሕራሔ ዘይብልዩ መቅዘፍቲ እናሓሰበት፣ የዒንታ ንብዓት ይዙቆቃ ነበራ። ናይቶም ኣብ ኢድ ልኡኻት ፈረኦን ዝወደቁ ቆልዑ ብኽያት እናተዘከራ፣ ነብሳ ብጓሂ ይዝባሕ ነበረ። ዳርጋ ምሉእ መዓልቲ ትበኪ ስለ ዝነበረት ድማ ደመት ትርኢታ ተደዊኑ፣ የዒንታ ብንብዓት ተበራሽየን ነበራ። ወዳ ኣብ ኢድ እዞም ጨካናት ዓሻክር እንተወዲቁ፣ መስበርታ ዓብዩ ክም ዝኸውን ዝስሕቶ ዘሎ ኣይመስለንን። ግን ከኣ “እምነት” ስዒሩ። “እመኑ እምበር ኣይትፍርሁ” ከም ዝተባሃህሉ፣ ኣንጻር ኩሉ ብድሆታት ንኣምላዀም ኣሚኖም ደው በሉ። ስልዚ ድማ ክሓብእዎ ሓይልን ትብዓትን ረኸቡ።


ሙሴ ድሕሪ ምውላዱ፣ ኣብ መጀመርያ፣ “ኽሕባእ” ነይርዎ። ካብ ዓመጻ ግብጺ፣ ካብ ኣጋፈርቲን ዓሻኽርን ፈረኦን፣ ካብ ኣዋጅን ፈኸራን ፈርኦን “ክሕባእ” ነይርዎ። ወለዲ ሙሴ ነዚ እንተዘይገይሮሞ፣ ጎረባብቲ ኰነ መቅርቦም ክገብርዎ ኣይክእሉን እዮም። ብዘይ ግዚኡ እንተተጋሊጹን እንተተረኺቡን ድማ ከም ኣዋጅን ሰራሕን ግብጺ ክመውት እዩ። ብዛዕባ መጻኢኡ ምንም ዝፈልጥዎ ኣንፈት’ኳ እንተዘይነበሮም፣ እንተ ንጽቡቅ ወይስ ንሕማቅ፣ ከም ወለዲ ፍቅርን ሓልዮትን ክልግስሉ ሓላፍነቶም እዮ። ዋላ እኳ ዝገበርዎ ዋጋ ዘኽፍል እንተነበረ፣ ከም ወለዲ ግና ውልዶም ክሓብኡን ክከላኸሉን ነይርዎም። እዚ ስለ ዝተረድኡ ድማ፣ ካብ ጭካነ ግብጺ “ሓብእዎ”። እቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ንኽፍጸም፣ ሙሴ “ክሕባእ” ነይርዎ። ኣብ ግብጺ ኣጋይሽን ወጻእተኛታትን እዮም። እ/ሔር ንኣብርሃም ዝሃቦ ተስፋን ዘቆሞ ኪዳንን፣ ክሉ ግዜ ኣብ ሓሳባት ብዙሓት ተሳኢሉ ነበረ። ስለዚ ከም ግብጻውያን ክነብሩ ኣይነበሮምን። ካብ ስርዓቶምን ኣካይዳኦም ክሕለዉ ነይርዎም። ገዛኢ ግብጺ ምቅታል ቆልዑ ስርሑ እዩ። ገና ከይዓበዩ፣ መገድን ስርዓትን ስድራኦምን ህዝቦም ከይተማህሩ፣ ማንነቶም ከይፈለጡ ክቀትሎም ስርሑ እዩ። ንንጉስ ግብጺ ከም ሕጉን ስርዓቱን ክመቱ ምንም ኣይኰነን። እኳ ደኣ እንተሞይቶም ንዕኡ ሓጎስን ዕረፍትን እዩ።


ሙሴ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዓቢ ቦታ ሒዙ ኣሎ። ደቂ እስራኤል ካብ ባርነት ሓራ ክወጹ፣ ካብ ኣምላኽ ሕግን ስርዓትን ክቅበሉ፣ ከም ህዝቢ ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝገብሮም ማንነት ክለብሱ፣ ሙሴ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ። እ/ሔር ብሰብ ስለ ዝጥቀም፣ ሙሴ ነዚ ዓቢ ታሪኽ ብኣምላኽ ተሓርዩ። ንሓደ ፍሉይን ዓብን ዕላማ፣ ብኣምላኽ ዝተፈለየን ዝተጸውዐን እዩ። ገና ብወለዱ ከይትሓስበ፣ ኣብ ሓሳብን መደብን ኣምላኽ ነይሩ። ክኸዶን ክጐየሉን ዝነብሮ ናይ ህይወት ሕንጻጽ ነይርዎ። ታሪኹ እንተነቢብና ከኣ ብሓቂ ጉያ ኣምላኽ ዝነበሮ፣ ከም ዳዊት ድማ ብዘመኑ ንፍቃድ ኣምላኽ ኣገልጊሉ ሓሊፉ። ኣምላኽ ዝረኣየሉን ዝመደበሉን ፈጺሙ ድማ ንኣምላኽ ኣኽቢርዎ። እዚ ክኸውን ግና ወለዱ ዓቢ ተራ ነርዎም። ኣዋጅ ንጉስ ከፈርሁ ን 3 ወርሒ ዝኣክል “ሓብእዎ”። ናይ ንጉስ ምግቡዕባዕን ፈኸራን ብዘየገድስ፣ ንዉሉዶም ኣብ ሕልፍኚ ክኽውልዎ ነይርዎም። እዚ ድማ “ብእምነት” ስለ ዝበርትዑ እዩ። ስርዓትን ኣካይዳን ግብጺ እኳ ካብቲ ናታቶም ልምዲ ዝተፈለየ እንተነበረ፣ ንዕኡ እምቢ ብምባል ንውልዶም ኽሓብእዎ ተገዲዶም። እዚ ድማ ካብ ፈጣሪኦም ዝተርድእዎ ነገር ስለ ነበረ እዩ። ስለዚ ድማ “ብእምነት” ገበርዎ ይብል። መቸም እምንት ብሃውሪ ዝመጽእ ኣይኰነን። ሓሳብ ኣምላኽ ካብ ብምርዳእ፣ ኣብ ውሽጢ ዝፍጠር ርጉጹነት እዩ። “እምነት” ጥራይ ከኣ እዩ ኣኣዋጅ ንጉስ ክትስዕር ዝገብር።


ወለዲ ሙሴ ብሓቂ ናይ እምነት ጀጋኑ እዮም። ንውሉዶም ከትርፉ፣ ከም ስርዓት ግብጺ ከይከውን ዝክናኸኑን ዝሓብኡን፣ ዋጋ ዝኸፍሉ፣ መፍቀርቲ ወለዲ ነበሩ። ናይ ምሕባእ ግዚኡ ምስ ኣብቅዔ፣ ካብ ገዛ ከውጽእዎ ስለ ዝነበሮም፣ ሕጂውን ኣዲኡ “ንምክልካሉ” ዝኸውን ኣዳለወት። ብሻምብቆ ሳጹን ሰሪሓ ብቅጥራን ለቅሊቃ፣ ነቲ ቆልዓ ኣብኡ ኣእቲያ ኣብ ሰልሰላ ይኺድ ሓዲጋቶ። “ሰልሰላ” ጽሩይ ወይ ምቹእ ቦታ ኣይኰነን። ንኽትርዮ ኰነ ንኽትኸደሎ ዘተምኒ ጥጡሕ ስፍራ የብሉን። ዝተፈላለዩ ሓደገኛታት እንስሳ ዝራብሕሉ ቦታ እዩ። ኣደ ሙሴ’ውን ወዳ ክጉድኣ ስለ ዘይደለየት፣ ሕጂውን ተጠንቂቃትሉ። ምንም ከም ዘይረኽቦ ገራ ንወዳ ሸፊናቶ። ከዊላቶ። እንሳሳ ኰነ ማይ ዘየሕልፍ “ቅጥራን” ገራትሉ። እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነብረ ርስሓት ንወዳ ክትንክዮ ኣይደለየትን። ወዳ ከይበላሾ፣ ኣብ ዘይተደለየ ሓደጋ ክይወድቅ ብምሕሳብ፣ ንወዳ ተጠንቂቃትሉ። ይኺድ ይውጻእ ሓዲግቶ፣ ግን ከኣ ብሸለልትነት ኣይነብረን። ኩሉ ግዜ ኣብ ሕልፍኚ ክትሓብኦ፣ ካብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ሓደጋ ክትክውሎ ምደለየት። ግና ንኹሉ ገግዚኡ ስለ ዘለዎ፣ ይውጻእ፣ ይጋለጽ ኢላ፣ ግና ክኣ ኣብ ሳጹን የእትያ፣ ቅጥራን ለቅሊቃ፣ ናይቲ ከባቢ ርስሓት ክም ዘይኣትዎ ርግጸኛ ኰይና እያ ሰዲዳቶ። ከመይ ዝበለት ጥበበኛ ኣደ። ነዚኣስ ደቃ “ካብ ክሉ ዝበለጽኪ ኢኺ” እንትበልዋ ይበዝሓዶ?


ነቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ሓደጋ ፈሊጣ ከም ዘይፈለጠት ኣይኰነትን። ዝዀነ ይኹን፣ ከም ዕድሉ ዝገጠሞ ይግጠሞ ኢላ ብሃውሪ ኣይክደትን። ከም ምዕባዩ ይዕበ ኢላ ምርዳእ ዝግደሎ ሓጺር ውሳኔ ኣይወሰደትን። ኣምላኽ ኣሎ፣ ንሱ ጽቡቅ ኰይኑ እተራእዮ ይግበር፣ ብምባል ንድኻማ ንምሽፋን፣ ንሳ ክትገብሮ ዝግብኣ ዘታርፍ ሓሳብ ኣይሓሰበትን። ዋላ ድኣ ሽዑ ኣይጸሓፍ እምበር፣ ከይተፈለጣ “ብፍቅርንን ብንጽህና እንተተሓልያ፣ ብምውላድ ቆልዑ ክትድሕን እያ” ዝብል ኣምላኻዊ ሓሳብ ዝተርድኣ ትመስል። ከምተን ብግዜ ጸበባ ምስ ጠመያ፣ ነፍሰን መታን ከድሕና፣ ክሳብ ስጋ ደቀን ንምብላዕ ዝጨከና ኣዴታት ኣይዓሸወትን። ስለ ርእሳ ጥራይ ብምሕሳብ፣ ገዛእ ርእሳ ካብ ሓደጋ ከተድሕን ኣይፈተነትን። ወይ’ውን ብኻልእ ዋኒና ስለ ዝተተታሕዘት ወዳ ዝስበረሉ መገዲ ኣይከደትን። ብሓቂ ተጠንቂቃትሉ።


ስለምንታይ ምሕባኡ ስኢኖም ዝተገልጸ ነገር የለን። የግዳስ ካብቲ ቀዳማይ ዝኸበደ ውሳኔ ክውስኑ ግና ነይርዎም። እዚ ድማ ካብቲ ቀዳማይ ዝዓበየ “እምነት” ዝሓትት እዩ ነይሩ። እብ11 ከም ዝብለና “ትእዛዝ ንጉስ ከይፍርሁ” ስጉምቲ ወሲዶም። ካብ ሰብ ምፍራህ ንኣምላኽ ዝያዳ ይፈርሁ ስለ ዝነበሩ እዩ። ካብ ኣዋጅ ንጉስ ንልዓሊ ስርዓትን ኪዳንን ኣምላኽ ዓዕዚዞም ከም ክቡር ዕንቂ ዝሓዙ ወለዲ ነይሮም። ምናልባት’ውን ሙሴ ስድራኡ ዝኸድዎ ናይ እምነት መገዲ ስለ ዝፈለጠ ይኸውን፣ ድሓር “ምስ ዓበየ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ መከራ መታን ክጸግብ ንግብጺ ብእምነተ ዝሓድጋ”። ወለዲ ንውልዶም ካብ ዘውርስዎ ዝዓበየ ርስቲ “እምነት” ክኸውን ኣለዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ዘመን ንሙሴ ረኺቡ ክምዕዶ እንተዝደሊ፣ “ከምቲ ምስ ኣቦኻን ኣዴኻን ዝነበረት እምነት ኣባኻ ድማ ትኹን ምበሎ” ይመስለኒ። ኣብዚ ህዝቢ እስራኤል ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም ደድሕሪ ስርዓት ግብጻውያን ንምኻድ ልቦም ሸፊቱሉ ኣብ ዝነብረ ግዜ (እያ24)፣ ወልዲ ሙሴ ግና ርእሶም ካብ ኣምልዀ ጣኦት ብምሕላው፣ ብፍርሓት ኣምላኽ ተደሪዀም ርእሶም ካብ ርኽሰት ግብጻውያን ፈልዮም። ካብ ኣምላኽ ዝተረድእዎ ስለ ዝነበረ ድማ፣ ብእምነት ተመላሊሶም። ሙሴ ምስ ዓበየ፣ ካብዚ ዝበልጸ ታሪኽ ወለዱ ክሰምዕ ዝኽእል ኣይመስለንን።

0 comments
Other Article