ኣምላኻዊ ሓዳር፣ ገነት ኤድን (2)

Posted on 2013-06-25 · 1677 · 0 · 0

30 resources uploaded

ኣዳም፡ ሄዋን

ኣምላኻዊ ሓዳር፣ ኣምላኽ ነቶም ብመንፈስ ካብኡ ዝተወልዱ፣ ኣምላኻውን ገነታውን ሓዳር ክህልዎም እዩ ዝደሊ። ገነታዊ ሓዳር፣ ንኹነታት ገነት ኤድን፣ ቅድሚ ውድቀት ዝነበረ ህይወት ኣዳምን ሄዋንን ዘመልክት እዩ። ገነት ኤደናዊ ሓዳር እምበኣር፣ ኣምላኽ ብምልኣት ዝገዝኣሉን ህላውነት ኣምላኽ ዝመልኦን ኣምላኽ ዘማእከሎን ሓዳር እዩ። ገነት ኤድን (1) ኣብነት ዮሴፍን ማርያምን ካብ ሓድሽ ኪዳን ወሲድና ርኢና ኔርና። ኣብዛ ናይ ሎሚ ሓሳብና ከኣ ንኣዳምን ሄዋንን ኣብነት ብምውሳድ፤ ንሓዳር ዝኸውን ጠቓሚ መምርሒታት ክንርኢ ኢና።

ነዚ ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ሓዳር፣ መሰረት ብምግባር፣ ካብ መጽሓፍ ቅዱስና ዝተፈላለዩ ሰብ ሓዳር ኣብነት ብምውሳድ፣ ካብኦም ማለት ካብቲ ዝነበሮም ሓዳር፣ ዝጠቅም ምህሮ ክንቀስም ንኽእል ኢና። ምኽንያቱ፣ እዞም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ዘለዉ ሰብ ሓዳር ሰባት መንፈስ ቅዱስ ንዓና ኣብነት ክኾኑና ኢሉ ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘእተዎም ዘካትዕ ኣይኮነን።

‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ኣብ ኤደን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ተኸለ። ነቲ ዝገብሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ፣ … እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱ ከዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤደን ኣቐመጦ’ ዘፍ2፣8,15።

ካብዛ ጥቕሲ ንመሃሮ ነገር ብዙሕ እዩ። ገለ ካብኡ ከኣ

1.‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ኣብ ኤደን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ተኸለ።ተኸለ። ነቲ ዝገብሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ፣’ ዘፍ2.8። ኣምላኽ መጀመርታ ገነት እዩ ተኺሉ። ገነት ንመንግስቲ ኣምላኽ ክውክል ከሎ፤ ኤድን ከኣ ንህላውነት ኣምላኽ ኣብታ ምንግስቲ ይውክል። ስለዚ እግዚኣብሄር ቅድሚ ንሰብ ናብ ሓዳር ምእታዉ፤ መጀመርታ ንሰብ ዘድልዮ ነገራት እዩ ኣጣጢሕሉ። እዚ ማለት ከኣ መጀመርታ መንግስቲ ኣምላኽ እያ ተዳልያ/ተተኺላ። ብድሕሪኡ እዩ ኣምላኽ ነቲ ሰብ ናብታ መንግስቲ ኣምጺእዎ። ስለዚ መሰረት ጥዑይን ኣምላኻውን ሓዳር ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ምድላይ እዩ። እዚ ማለት ቅድሚ ሓዳር ምግባርካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ኣለካ። ቅድም ናብቲ ገነት ኤድን እቶ፤ ብድሕሪኡ ኢኻ ብዛዕባ ሓዳር ክትሓስብ ዘለካ። ሓዳር ዝገብርና እንተኾንና’ውን እዚ መስርዕ’ዚ ንዓና ይምልከት እዩ። ማለት ኩሉ ግዜ ኣብ ሓዳርና ንመንግስቲ ኣምላኽ ከነቐድምን ክንሰርዕን ይግብኣና እዩ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘየቐድመ ሰብ ጥዑይ ሓዳር ክህልዎ ዘለዎ ተኽእሎ ዉሑድ እዩ። ወላ ጥዑይ ሓዳር እንተ መስረተ’ውን ኣምላኽ ዘይብሉ ሓዳር ብምዃኑ ቀጻልነቱ ኣይተኣማምንን እዩ። ጠንቂ ጸገማት ኣብ ሓዳር ናይ ኣመንቲ፤ ናይ ቀዳምነታት ምዝንባዕ እዩ። ቀዳምነታትካ ቅኑዕ እንተ ኴይኑ ኩሉ ነገራትካ ነናብ መስርዑን ቦትኡን ክሰኻኻዕ ከሎ ክትርኢ ኢኻ።

መምርሒ (Principle) #1 ኣብ ህይወትካ/ኪ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለ።

ገነት ኤድን’ውን ንሓዳር ተመልክት እያ። ምኽንያቱ ኣብ ዘፍ ምዕራፍ 2፤ ብቐጥታ ድሕሪ ምትካል ገነት ኤድን ኣምላኽ ንሰብ ናብታ ኤድን ከምጽኦ ከሎ ንርኢ፤ ቀጺሉ ከኣ ትእዛዝ ድሕሪ ምሃቡ ንሄዋን ሰሪሑ ናብ ኣዳም ኣምጽኡ ነታ ቀዳመይቲ ኣምላኻዊት ቤት ክምስርታ ከሎ ንዕዘብ። ስለዚ …

መምርሒ # 2 ሓዳር ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ክስራዕ ይግብኦ።

2.‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱ ከዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤደን ኣቐመጦ’ ዘፍ2፣15። እ/ር ነታ መንግስቲ ምስ ተኸላ፤ ብቐጥታ ንሰብ ናብኣ ከእትዎ ከሎ ኢና ንዕዘብ። ናብኣ ምስ ኣምጽኦ ከኣ ሓደ ኣገዳሲ መምርሒ-ትእዛዝ ይህቦ። ንሳተን ከኣ ቀንዲ ምኽንያት ናይ ሰብ ናብታ ገነት ምምጻእ እየን። ብመሰረቱ ሰብ ናብ ገነት ኢዴን ዝመጸ ንኽልተ ዕላማ እዩ። ሀ) ንኤድን ኪዓያ ለ) ንኤድን ኪሕልዋ። ስለዚ ቀዳምነታትና ብንጹር ምስራዕ ምኽንያት ክርድኣና ኣለዎ። ኣምላኽ ነቲ ብክርስቶስ የሱስ ዝረኸብናዮ ምድሓን፣ ብእኡ ጌርና ናብ ገነት ኤድን ናብ ህላውነት ኣምላኽ ምእታው ዝረኸብናሉ፤ ነዚ ናይ መንፈስ ህይወት ክንዕቅቦን ክነዕብዮን ናብ ፍረ ከነብጽሖን ይደልየና። እዚ ማለት ምዕያይ - ነቲ ብክርስቶስ ዝረኸብካዮ ህይወት ብፍልጠትን ጥበብን እናዓቤና ናብ ምልኣት የሱስ ክርስቶስ ክንከይድ እዩ ዝምህረና። እዚ ሓቂ’ዚ ምስ ትምህርቲ ሓድሽ ኪዳን ብምልኣት ዝሰማማዕ እዩ። ከምቲ ኣዳም ነታ ገነት ናብ ፍረ ከብጽሓ ዝተኣዘዘ ንሕና’ውን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ፍረ መንፈስ ቅዱስ ክንፈሪ ተኣዚዝና ኢና። ምሕላው ከኣ ነቲ ዝተዋህበካ ሕድሪ ክትሕልዎ ኣለካ። ስለምንታይ ምሕላው ኣድለየ፧ ምኽንያቱ ቅድሜኻ ዝወደቐ ተጻራርን ጸላእን ስለዘሎ እዩ። ስለዚ ኩሉ ግዜ ነቲ ብእምነት ዝረኸብናዮ ህይወት ብጥንቃቐ ክንሕልዎ ይግባእ እዩ።

ናብ ሓሳብ ሓዳር ክንትርጉሞ ከለና ከኣ፤ ገነት ኤድን እታ ትምስርታ ሓዳር ኴይና፤ ኣምላኽ ከኣ ነዛ ሓዳስ ቤት ልክዕ ከም ገነት ኤድን ከትከናኸናን ከትሕልዋን ይደለየካ። ስለምንታይ ምሕላውን ምዕያይን ኣድለየ፧ 1. ሓዳር ቀንዲ መንገዲ ኣምላኽ ክብሩ ዝገልጸላ ስለዝኾነት- ኣብ ኤፌሶን ሓምሳይ ምዕራፍ ብክርስቶስን ማሕበሩን ተገልጻ ኣላ፤ ስለዚ ሰይጣን ንሓዳር ቀንዲ ዕላምኡ ገይሩ እዩ ዝጻረር። ኣብ ገነት ኤድን ሰይጣን ብመንግዲ ሄዋን ነታ ሓዳስ ሓዳር እዩ ኣጥቂዑ። ስለዚ ሓዳር ተኣፋፍን ኣገዳስን ስለዝኾነ፤ ኩሉ ግዜ ክንነቅሕን ክንሕልዎን ይግብኣና እዩ። 2. ኣምላኽ ኣብ ሰበይትኻ/ሰብኣኪ/ዉሉድ ዘቐመጦ ክቡር ነገር ስለዘሎ፤ ነዚ ንኽገሃድን ናብ ፍረ ክብጽሑን ኣምላኽ ብእኦም ንኽኸብርን ክንዓይን ክንተግሃሉን ኣገዳሲ እዩ።

መምርሒ # 3 ንሓዳርና (ሰበይቲ/ሰብኣይ/ዉሉድ) ክንሕልዎን ክንዓየሉን ናብ ፍረ ከነብጽሖን ኣለና።

... ይቕጽል

0 comments
Other Article