1. ናብ ጃልባ አትዩ ተሳገረ፡ ናብ ዓዱውን መጸ

2. እንሆ ኸኣ፡ መጻጕዕ ሰብኣይ ብዓራት ጾይሮም ናብኡ ኣምጽእዎየሱስ እምነቶም ርእዩነቲ መጻጕዕ፡ ወደየ ኣጆኻሓጢኣትካ ተሐዲጉልካበሎ

3. እንሆ ኸኣ፡ ሓያሎ ኻብቶም ጸሓፍቲ ብልቦም፡ እዚ ይጻረፍ አሎ፡ በሉ

4. የሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ በለ፡ ንምንታይ ብልብኹም ክፉእ ትሐስቡ አሎኹም፧

5. ኣየናይ ይቐልልሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ምባልዶወይስ ተንስእ እሞ ኪድ ምባል

6. ንወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ኪሐድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ሽዑ ነቲ መጻጕዕተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድበሎ

7. ተንሲኡ ናብ ቤቱ ኸደ

8. እቶም ህዝቢ እዚ ርእዮም ፈርሁንኣምላኽ ድማ ከምዚ ዝበለ ስልጣን ንሰብ ብምሃቡ ኣመስገንዎ

9. የሱስ ካብኡ ምስ ሐለፈማቴዎስ ዚብልዎ ሰብኣይ ኣብቲ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረአየ እሞ፡ ስዐበኒ፡ በሎተንሲኡ ኸኣ ሰዐቦ

10. ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ቤቱ ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠእንሆብዙሓት ተገውትን ሓጥኣንን ምስ የሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ

11. ፈሪሳውያን ከኣ ርእዮም ንደቀ መዛሙርቱመምህርኩምሲ ስለምንታይ እዩ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ዚበልዕበልዎም

12. የሱስ ግና ሰሚዑንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን።

13. ኣነ ሓጥኣን እምበር፡ ጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ምሕረት እፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ዚብል እንታይ ምዃኑኪዱ ተምሀሩ፡ በሎም።

14. ሽዑ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስስለምንታይ ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንጸውምደቀ መዛሙርትኻ ግና ኣይጸሙን፧ ኢሎም ናብኡ መጹ

15. የሱስ ከኣ በሎምነዕሩኽ መርዓዊኸመርዓዊ ምሳታቶም ኽሳዕ ዘሎ፡ ከመይ ኢሎም ኪጕህዩ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ግና ክትመጽእ እያ፡ ሽዑ ኸኣ ይጾሙ

16. ቍራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን፡ እንተ ዘይኰነስ ነቲ ጥዑይ ይልክሞ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ ይኸውን።

17. ንሓድሽ ወይኒ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ኣየዕርቕዎንእንተ ዘይኰነስ እቲ ኣሕርብቲ ይቕደድ፡ እቲ ወይኒውን ይፈስስኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎክልቲኦም ድማ ይእርነቡ

18. እዚ ኺብሎም ከሎእንሆመራሕ ቤት ጸሎት መጾጓለይ ሕጂ ሕጂ ሞተት፡ ግናኸ ንዓ ኢድካ ኣንብረላ እሞ ክትሐዊ፡ እናበለ ሰገደሉ

19. የሱስ ድማ ተንሲኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ሰዐቦ

20-21. እንሆ ኸኣ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ብልባ፡ ዘፈር ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬኹክሐዊ እየኢላ አላ እሞ፡ ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት

22. የሱስ ግልጽ ኢሉ ረኣያ እሞ፡ ኣጆኺ ጓለይእምነትኪ ኣሕወየትኪበላ። እታ ሰበይቲ ኻብታ ሰዓት እቲኣ ሒዛ ሐወየት

23. የሱስ ናብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት ምስ መጸነፋሕቲ እምብልታን ዋይዋይ ዚብሉ ሰብን ረአየ

24. እዛ ጓል ደቂሳ አላ እምበር፡ ኣይሞተትን እሞ ኣግልሱበሎም። ንሳቶም ድማ ሰሐቕዎ

25. እቶም ሰብ ምስ ወጹአትዩ ኢዳ ሐዛእታ ጓል ከኣ ተንስኤት

26. ኣብ ኵላ እታ ሃገርውን ወሪኡ ወጸ

27. የሱስ ካብኡ ምስ ሐለፈክልተ ዕዉራት ዓው ኢሎም፡ ወዲ ዳዊትምሐረናእናበሉ ሰዐብዎ

28. ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ዕዉራት ናብኡ መጹየሱስ ድማ፡ እዚ ምግባር ከም ዚከኣለኒዶ ትኣምኑ ኢኹም፧ በሎም። ንሳቶም፡ እወ ጐይታይበልዎ

29. ሽዑ፡ ከም እምነትኩም ይኹነልኩም፡ ኢሉ ኣዒንቶም ተንከየ

30. ኣዒንቶምውን ተኸፍታየሱስ ድማ፡ ሓደ እኳ ኸይፈልጥ ተጠንቀቑ፡ ኢሉ ኣሕሚሙ ተዛረቦም።

31. ንሳቶም ግና ወጺኦም ኣብ ኵላ እታ ሃገር ኣውረዩ

32. ንሳቶም ምስ ወጹእንሆጋኔን ዝሐደሮ ዓባስ ሰብኣይ ናብኡ ኣምጽኡ

33. እቲ ጋኔን ምስ ወጸሉ፡ እቲ ዓባስ ተዛረበ። እቶም ህዝቢ ድማ፡ ከምዚ ዝበለስ ኣብ እስራኤል ከቶ ኣይተራእየን፡ ኢሎም ተገረሙ

34. ፈሪሳውያን ግና፡ ነጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ የውጽኦም አሎ፡ በሉ

35. የሱስ ኣብ ኵሉ ኸተማታትን ኣብ ኵሉ ዓድታትን ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሃረወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ።

36. ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረአየሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎም

37. ሽዑ ንደቀ መዛሙርቱእቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም።

38. ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ፡ በሎም።