1. ድሕሪ ሹዱሽተ መዓልቲ ድማ የሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስ ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም

2. ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠገጹ ኸም ጸሓይ ኣብርሄክዳኑውን ከም ብርሃን ጸዕደወ

3. እንሆ ኸኣ፡ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዛራረቡ ተራእይዎም

4. ጴጥሮስ መሊሱ ንየሱስ በሎ፡ ጐይታይ፡ ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተ ዄንካስ፡ ኣብዚ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕሓደ ንኣኻሓደ ንሙሴ ሓደውን ንኤልያስ

5. ገና ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆብሩህ ደበና ኣጐልበቦም። እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ደበናዝፈትዎ ወደይ፡ ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎዚብል ድምጺ መጸ።

6. ደቀ መዛሙርቱ እዚ ሰሚዖም ብግንባሮም ተደፍኡብዙሕ ድማ ፈርሁ

7. የሱስ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም፡ ተንስኡ ኣይትፍርሁውን፡ በሎም

8. ንላዕሊ ገጾም ቍሊሕ እንተ በሉ፡ ብዘይ የሱስ በይኑ ሓደ እኳ ኣይረኣዩን።

9. ካብ ከረን ኪወርዱ ኸለዉየሱስ ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ክሳዕ ዚትንስእ፡ እዚ ዝርኤኹምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ፡ ኢሉ ኣዘዞም

10. ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ንምንታይ ደኣ ጸሓፍቲቅድም ኤልያስ ኪመጽእ ይግባእዚብሉኢሎም ሐተትዎ

11. ንሱ ኸኣ መሊሱ በሎም፡ ብሓቂ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ፡ ንዅሉ ድማ የቕንዕ

12. ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ ኤልያስ ቅድሚ ሕጂ መጺኡ፡ ከም ዝደለዩ ገበርዎ እምበር፡ ኣየለልይዎን። ንወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ንሳቶም ሓሳረ መከራ ኼጽግብዎ እዮም።

13. ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ዮሃንስ መጥምቕ ከም ዝበሎም ኣስተውዐሉ

14. ናብቲ እኩብ ህዝቢ ምስ በጽሑሓደ ሰብኣይ ናብኡ ቐሪቡ ኢድ ነስኣሉ

15. በሎውን፡ ጐይታይንወደይ ምሐረለይሕማም ባርያ በብወርሒ ይለዐሎ፡ ሓሳር ድማ የጽግቦ። ንሱ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓዊብዙሕ ሳዕ ድማ ኣብ ማይ ይወድቕ እሞ፡

16. ናብ ደቀ መዛሙርትኻ ኣምጺኤዮስምሕዋዩ ሰኣኑ።

17. የሱስ ግና መለሰ በለውንኣታ ዘይእሙንን ቄናንን ወለዶክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ፧ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ፧ ናብዚ ናባይ ኣምጽእዎ

18. የሱስ ገንሖእቲ ጋኔን ከኣ ካብኡ ወጸእቲ ቘልዓ ድማ ካብታ ሰዓት እቲኣ ሒዙ ሐወየ

19. ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም ናብ የሱስ መጺኦምስለምንታይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና፧ በልዎ

20. የሱስ ከኣ፡ እምነትኩም ስለ ዝጎደለትብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን ድማ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስትብልዎ፡ ንሱ ኸኣ የግልስዚሰኣነኩም ውን የልቦን

21. እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ግና ብዘይ ብጾምን ብጸሎትን ኣይወጽእን እዩ፡ በሎም።

22. ኣብ ገሊላ ኺመላለሱ ኸለዉየሱስ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪትሐዝ አለዎ።

23. ኪቐትልዎብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ኪትንስእ እዩ፡ በሎም። ብዙሕ ከኣ ጐሀዩ

24. ናብ ቅፍርናሆም ምስ መጹግብሪ ዜውጽኡ ናብ ጴጥሮስ መጺኦም፡ መምህርኩምሲ እቲ ኽልተ ድሪም ግብሪዶ ኣይፈድን እዩ፧ በልዎ

25. ንሱ፡ ይፈዲባ ኢሉ መለሰ። ናብ ቤት ምስ ኣተወየሱስ ቀዲሙስምኦን፡ ነገስታት ምድርስ ግብርን ተጎን ካብ መን ይወስዱ፧ ካብ ደቆምዶ ወይስ ካብ ካልኦት፧ እንታይ ይመስለካበሎ

26. ጴጥሮስ፡ ካብ ካልኦትባበለየሱስ ከኣ፡ ደቆምስኸ ናጻ እዮም።

27. ከይንዕንቕፎም ግና፡ ናብ ባሕሪ ኼድካ መቓጥን ደርቢነቲ ቕድም እትሕዞ ዓሳ ውሰድኣፉ ምስ ከፈትካ፡ ኣብኡ ሓደ እስታቴር ክትረክብ ኢኻ። ንእኡ ወሲድካ፡ ኣብ ክንዳይን ኣብ ክንዳኻን ሀቦም፡ በሎ።