1. በቲ ጊዜ እቲ ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመትወረ የሱስ ሰምዔ

2. ንገላዉኡ ድማ፡ እዚ ዮሃንስ መጥምቕ እዩ። ንሱ ኻብ ምዉታት ተንሲኡ አሎ፡ ስለዚ ኸኣ እዚ ሓይልታትዚ ብእኡ ይግበር አሎ፡ በሎም

3-4. ዮሃንስ ንሄሮድስ ብዛዕባ እታ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ፡ ንሳ ንኣኻ ኽትከውን ኣይተፈቕደልካን፡ ኢልዎ ነበረ እሞ፡ ሄሮድስ ንዮሃንስ ብሰራ ሒዙ ኣሲሩ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትይዎ ነበረ።

5. ኪቐትሎ ውን ይደሊ ነበረ፡ ግናኸ እቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ይርእይዎ ነበሩ እሞ፡ ፈርሆም

6. ሄሮድስ እተወለደላ መዓልቲ ምስ ኣብዐሉጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእከል ኰይና ሳዕስዔት፡ ንሄሮድስ ከኣ ኣሐጐሰቶ

7. ሽዑ ዝደለየቶ ኺህባ ብማሕላ ኣተስፈዋ

8. ንሳ ኸምቲ ኣዲኣ ቕድም ዝመኸረታርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኣብዚ ሀበኒበለቶ

9. እቲ ንጉስ ጐሀየስለቲ ማሕላኡን ስለቶም ኣብ መኣዲ መቓምጡን ግና ኪሀብዋ ኣዘዘ

10. ልኢኹ ድማ ርእሲ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰሪ ኣሰየፈ

11. እታ ርእሱ ኣብ ሒላብ ገይሮም ከኣ ነታ ጓል ሀብዋ። ንሳ ድማ ናብ ኣዲኣ ወሰደታ

12. ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ መጺኦምሬሳኡ ኣልዒሎም ቀበሩከይዶም ከኣ ንየሱስ ነገርዎ

13. የሱስ እዚ ምስ ሰምዔካብኣ ብጃልባ ኣግሊሱ ናብ ጽምዊ በረኻ ኸደ። እቶም እኩባት ህዝቢ ሰሚዖም ከኣ፡ ካብ ከተማታት ብእግሪ ሰዐብዎ

14. የሱስ ናብ ምድሪ ምስ ወጸብዙሕ ህዝቢ ረአየ እሞ ደንገጸሎምሕሙማቶምውን ኣሕወየ

15. ምስ መሰየደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም፡ እዛ ቦታ እዚኣ በረኻ እያ፡ ምድሪ ኸኣ መስዩ እዩ። እምብኣርሲ እዞም ሰብ ናብ ዓድታት እትዮም፡ ንርእሶም እንጌራ ኺዕድጉ ኣሳናብቶምበልዎ

16. የሱስ ግና፡ ምኻድ ኣየድልዮምን፡ ኪበልዑ ንስኻትኩም ሀብዎምበሎም

17. ንሳቶም ከኣ፡ ኣብዚ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ገለ የብልናን፡ በልዎ

18. ንሱ ግና፡ ናባይ ኣምጽእዎበለ

19. እቶም ሰብውን ኣብ ሳዕሪ ኪቕመጡ ኣዘዘ። ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፡ ናብ ሰማይ ገጹ ቝሊሕ በለ፡ ባሪኹቈሪሱ ንደቀ መዛሙርቱ ሀቦም። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ሰብ ሀብዎም።

20. ኵሎም በሊዖም ጸገቡ። እቲ ዝተረፈ ቘረርስ ድማ ዓሰርተው ክልተ መሶብ መሊኦም ኣልዐሉ

21. እቶም ዝበልዑብዘይ ኣንስትን ቈልዑንኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ ነበሩ

22. ሽዑ ንሱ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኺኣትዉ እሞ፡ ነቶም ሰብ ክሳዕ ዜሳናብቶም፡ ናብ ማዕዶ ኪቕድምዎብግዲ በሎም።

23. ነቶም ሰብ ኣሳናቢቱኪጽሊ ናብ ብሕት ዝበለ ኸረን ደየበ። ምድሪ ምስ መሰየ ኸኣ፡ ኣብኡ በይኑ ነበረ።

24. እታ ጃልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ምስ በጽሔት ግና፡ ንፋስ ብቕድሚኣ ነበረ እሞ፡ ብማዕበል ትጭነቕ ነበረት።

25. የሱስ ባሕረ ባሕሪ እናኸደብራብዓይ ምቃል ለይቲ መጾም

26. እቶም ደቀ መዛሙርቲባሕረ ባሕሪ ኪኸይድ ምስ ረአይዎምትሃት እዩ፡ ኢሎም ሰምበዱፈሪሆም ከኣ ጨርሑ

27. ግናኸ የሱስ ብኡብኡ፡ ኣጆኹም፡ ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሁ፡ ኢሉ ተዛረቦም

28. ጴጥሮስ መሊሱጐይታይ፡ ንስኻ እንተ ዄንካስብማየ ማይ ናባኻ ኸመጽእ አዝዘኒበሎ

29. ንሱ ኸኣ፡ ንዓ፡ በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ካብ ጃልባ ወሪዱብማየ ማይ እናኸደ፡ ናብ የሱስ መጸ

30. ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረአየ ግና፡ ፈርሄኪጥሕል ምስ ጀመረ ድማ፡ ጐይታይኣድሕነኒኢሉ ኣእወየ

31. ሽዑ የሱስ ኢዱ ዘርጊሑ ሐዞ እሞ፡ ኣታ ጕዱል እምነትስለምንታይከ ተዋላወልካበሎ

32. ናብ ጃልባ ምስ ኣተወ፡ እቲ ንፋስ ዝግ በለ

33. እቶም ኣብ ጃልባ ዝነበሩ ኸኣንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ እናበሉ ሰገዱሉ

34. ተሳጊሮም ከኣ ናብ ምድሪ ጌንሳሪጥ መጹ

35. እቶም ሰብ ምስ ኣለለይዎ፡ ኣብ ጐደቦኦም ናብ ዘለዋ ዅለን ዓድታት ለአኹኵሎም ሕሙማት ድማ ኣምጽኡሉ

36. ዘፈር ክዳኑ ኺትንክዩ ጥራይ ለመንዎዝተንከዮ ዘበለ ኸኣ ሐወየ