1. መጽሓፍ ወለዶ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊትወዲ ኣብርሃም

2. ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደይስሃቅ ንያእቆብ ወለደያእቆብ ንይሁዳን ንሕዋቱን ወለደ

3. ይሁዳ ኸኣ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደፋሬስ ንኤስሮም ወለደኤስሮም ንኣራም ወለደ

4. ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደነኣሶን ንሰልሞን ወለደ

5. ሰልሞን ካብ ራኬብ ንቦኣዝ ወለደቦኣዝ ካብ ሩት ንእዮቤድ ወለደእዮቤድ ንእሴይ ወለደ

6. እሴይ ንንጉስ ዳዊት ወለደንጉስ ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኡርያ ንሰሎሞን ወለደ

7. ሰሎሞን ንሮብኣም ወለደሮብኣም ንኣብያ ወለደኣብያ ንኣሳ ወለደ

8. ኣሳ ንእዮሳፋጥ ወለደእዮሳፋጥ ንእዮራም ወለደእዮራም ንኦዝያ ወለደ

9. ኦዝያ ንእዮኣታም ወለደእዮኣታም ንኣካዝ ወለደኣካዝ ንህዝቅያስ ወለደ

10. ህዝቅያስ ንምናሴ ወለደምናሴ ንኣሞን ወለደኣሞን ንእዮስያስ ወለደ

11. እዮስያስ ከኣ ብዘመን ምርኮ ባቢሎን ንኢኮንያን ነሕዋቱን ወለደ

12. ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ ኢኮንያ ንሰላትኤል ወለደሰላትኤል ንዘሩባቤል ወለደ

13. ዘርባቤል ንኣብዩድ ወለደኣብዩድ ንኤልያቄም ወለደኢልያቄም ንኣዛር ወለደ

14. ኣዛር ንሳዶቅ ወለደሳዶቅ ንኣኪም ወለደኣኪም ንኤልዩድ ወለደ

15. ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደኣልኣዛር ንማታን ወለደማታን ንያእቆብ ወለደ

16. ያእቆብ ንዮሴፍ ሕጹይ ማርያም ወለደ፡ ካብኣ ድማ እቲ ክርስቶስ ዚበሀል ዘሎ የሱስ ተወለደ

17. እምበኣርሲ ዅሉ ወለዶ ኻብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን ዓሰርተ ኣርባዕተ ወለዶካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ድማ ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ እዩ።

18. ልደት የሱስ ክርስቶስ ከምዚ እዩኣዲኡ ማርያምን ዮሴፍ ተሐጽያ ኸላከይተራኸቡብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት

19. ዮሴፍ ሕጹያ፡ ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ እሞ፡ ብሕቡእ ኪሐድጋ ሓሰበ እምበር፡ ኪገልጻ ኣይፈተወን

20. ንሱ እዚ ኺሐስብ ከሎ፡ እንሆመልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተራእዮከምዚ ኢሉዮሴፍ ወዲ ዳዊትእቲ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ

21. ወዲ ኽትወልድ እያ፡ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ፡ ስሙ የሱስ ክትሰምዮ ኢኻ።

22. እዚ ዅሉ እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ እተዛረቦ ኺፍጸም ኰነ፡ ከምዚ ዚብል

23. እንሆድንግል ክትጸንስ ወዲውን ክትወልድ እያ፡ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም፡ ትርጉሙኣምላኽ ምሳና እዩ።

24. ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ተንሲኡመልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዞ ገበረ፡ ንማርያም ሕጽይቱ ወሰዳ

25. በዅሪ ወዳ ኽሳዕ እትወልድ ከኣ ኣይፈለጣንስሙ ድማ የሱስ ሰመዮ