1. ካብ ከረን ኪወርድ ከሎ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ።
2. እንሆ፡ ለምጻም መጺኡ፡ ጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ሰገደሉ።
3. ኢዱ ዘርጊሑ፡ ፈትየ አሎኹ ንጻህ፡ ኢሉ ተንከዮ። ብኡብኡ ኻብ ለምጹ ነጽሄ።
4. የሱስ ድማ ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ። ኪድ ደኣ፡ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ናኣታትቶም ንምስክር ድማ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ፡ በሎ።
5-6. ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፡ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ መጺኡ፡ ጐይታይ ቈልዓይ መጽጕዑ ኣብ ገዛይ ወዲቑ፡ ብዙሕ ከኣ ይቕንዞ አሎ፡ እናበለ ለመኖ።
7. የሱስ ድማ፡ እኔኹ፡ መጺኤ ኽሕውዮ እየ፡ በሎ።
8. እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ጐይታይ፡ ኣነ፡ ንስካ ናብ ቤተይ ክትኣቱ፡ ኣይበቕዕን፡ ኣየ እሞ፡ ሓንቲ ቓል ጥራይ ደኣ በል፡ ቈልዓይ ድማ ይሐዊ።
9. ኣነ ኸኣ ኣብ ትሕቲ መላኺ ዝግዛእ፡ ብትሕተይውን ጭፍራ ዘሎኒ ሰብ እየ እሞ፡ ነዚ ኺድ እብሎ፡ ይኸይድ፡ ንሓደ ኻልእ ከኣ ንዓ፡ ይመጽእ። ንባርያይውን እዚ ግበር፡ ይገብር ከኣ።
10. የሱስ ሰሚዑ ኣስተንከረ፡ ነቶም ዚስዕብዎ ዘለዉ ድማ በሎም፡ ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኸም ዘይረኸብኩ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
11. ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ብዙሓት ኪመጹ እዮም፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃም ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም።
12. ደቂ መንግስቲ ግና ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ኪድርበዩ እዩም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።
13. የሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ኪድ ከም ዝኣመንካዮ ይኹነልካ፡ በሎ። እቲ ቘልዓ ከኣ በታ ሰዓት እቲኣ ሐወየ።
14. የሱስ ናብ ቤት ጴጥሮስ ምስ ኣተወ፡ ንሓማት ጴጥሮስ ብዓሶ ተትሒዛ ደቂሳ ረኣያ።
15. ኢዳ ተንከያ፡ ዓሶኣውን ሐደገታ። ተንሲኣ ኸኣ ኣገልገለቶ።
16-17. ምሸት ምስ ኰነ፡ ኣጋንንቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምናውን ጾረ፡ እተበሀለ ምእንቲ ኽፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽኤ፡ ሕማም ንዘለዎም ኵሎም ድማ ኣሕወዮም።
18. የሱስ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎ ምስ ረአየ፡ ንማዕዶ ኺሳገሩ ኣዘዘ።
19. ሓደ ጸሐፊ መጺኡ፡ መምህር፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ዅሉ ኽስዕበካ፡ በሎ።
20. የሱስ ድማ፡ ንወኻሩ ጕድጓድ ኣለወን ነዕዋፍ ሰማይ ድማ ዜጽልላሉ። ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን፡ በሎ።
21. ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ።
22. የሱስ ግና፡ ስዐበኒ ደኣ፡ ንምዉታትሲ ምዉታቶም ይቕበርዎም ሕደጎም፡ በሎ።
23. ናብ ጃልባ ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ሰዐብዎ።
24. እንሆ ኸኣ፡ ማዕበል ነታ ጃልባ ኽሳዕ ዜጐልብባ፡ ኣብቲ ባሕሪ ዓብዪ ምንዋጽ ኰነ። ንሱ ግና ደቂሱ ነበረ።
25. ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና፡ እናበሉ ኣተንስእዎ።
26. ንሱ ኸኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ከመይከ እትፈርሁ፧ በሎም። ሽዑ ተንሲኡ ንንፋስ ንባሕርን ገንሖም። ዓብዪ ህድኣት ከኣ ዀነ።
27. እቶም ሰብ ከኣ፡ እዚ፡ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዙሉስ፡ መን ኰን ይኸውን፧ ኢሎም ኣስተንከሩ።
28. ናብ ምድሪ ጌርጌሴኖን ምስ ተሳገሩ፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ኽልተ ሰብ ካብ መቓብር ወጺኦም ተጓነፍዎ። ንሳቶም፡ ሓደ እኳ በታ መገዲ እቲኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዚስእን፡ ኣዝዮም ክፉኣት ነበሩ።
29. እንሆ ኸኣ፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ እሞ እንታይ አሎና፧ ቅድሚ ጊዜኡ ኽትሳቕየናዶ ናብዚ መጻእካ፧ እናበሉ ጨርሑ።
30. ካባታቶም ርሕቕ ኢሉ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ይበልዕ ነበረ።
31. እቶም ኣጋንንቲ ድማ፡ እተውጻኣና እንተ ዄንካስ፡ ናብዚ መጓሰ ሓሰማታት ክንኣቱ ፍቐደልና፡ ኢሎም ለመንዎ።
32. ንሱ ኸኣ፥ ኪዱ፡ በሎም። ወጺኦም ድማ ናብተን ሓሰማታት አተዉ። እንሆ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ መጓሰ ኻብ ጸድፊ ነፊጹ ናብ ባሕሪ አተወ፡ ኣብቲ ማይ ከኣ ኵምም በለ።
33. እቶም ጓሶት ሀዲሞም፡ ናብ ዓዲ አተዉ፡ በቲ ዝዀነ ዅሉን ብናይቶም ኣጋንንቲ ዝነበርዋምን ከኣ አውረዩ።
34. እንሆ ድማ፡ ብዘላ እታ ዓዲ ንየሱስ ክትራኸቦ ወጸት። ምስ ረአይዎ ኸኣ፡ ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልስ ለመንዎ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...