1. ካብ ከረን ኪወርድ ከሎ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ

2. እንሆለምጻም መጺኡጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ሰገደሉ

3. ኢዱ ዘርጊሑ፡ ፈትየ አሎኹ ንጻህኢሉ ተንከዮብኡብኡ ኻብ ለምጹ ነጽሄ

4. የሱስ ድማ ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ። ኪድ ደኣ፡ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ናኣታትቶም ንምስክር ድማ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብበሎ

5-6. ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወሓለቓ ሚእቲ ናብኡ መጺኡጐይታይ ቈልዓይ መጽጕዑ ኣብ ገዛይ ወዲቑብዙሕ ከኣ ይቕንዞ አሎ፡ እናበለ ለመኖ

7. የሱስ ድማ፡ እኔኹ፡ መጺኤ ኽሕውዮ እየ፡ በሎ

8. እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉጐይታይ፡ ኣነ፡ ንስካ ናብ ቤተይ ክትኣቱ፡ ኣይበቕዕን፡ ኣየ እሞ፡ ሓንቲ ቓል ጥራይ ደኣ በልቈልዓይ ድማ ይሐዊ

9. ኣነ ኸኣ ኣብ ትሕቲ መላኺ ዝግዛእ፡ ብትሕተይውን ጭፍራ ዘሎኒ ሰብ እየ እሞ፡ ነዚ ኺድ እብሎይኸይድ፡ ንሓደ ኻልእ ከኣ ንዓይመጽእንባርያይውን እዚ ግበርይገብር ከኣ።

10. የሱስ ሰሚዑ ኣስተንከረ፡ ነቶም ዚስዕብዎ ዘለዉ ድማ በሎም፡ ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኸም ዘይረኸብኩ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

11. ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ብዙሓት ኪመጹ እዮም፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃም ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም።

12. ደቂ መንግስቲ ግና ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ኪድርበዩ እዩም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

13. የሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ኪድ ከም ዝኣመንካዮ ይኹነልካበሎ። እቲ ቘልዓ ከኣ በታ ሰዓት እቲኣ ሐወየ

14. የሱስ ናብ ቤት ጴጥሮስ ምስ ኣተወንሓማት ጴጥሮስ ብዓሶ ተትሒዛ ደቂሳ ረኣያ

15. ኢዳ ተንከያዓሶኣውን ሐደገታተንሲኣ ኸኣ ኣገልገለቶ

16-17. ምሸት ምስ ኰነኣጋንንቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ንሱ ድኻምና ወሰደሕማምናውን ጾረእተበሀለ ምእንቲ ኽፍጸምብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽኤሕማም ንዘለዎም ኵሎም ድማ ኣሕወዮም

18. የሱስ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎ ምስ ረአየንማዕዶ ኺሳገሩ ኣዘዘ

19. ሓደ ጸሐፊ መጺኡመምህር፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ዅሉ ኽስዕበካበሎ

20. የሱስ ድማ፡ ንወኻሩ ጕድጓድ ኣለወን ነዕዋፍ ሰማይ ድማ ዜጽልላሉንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን፡ በሎ

21. ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ጐይታይከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይበሎ

22. የሱስ ግና፡ ስዐበኒ ደኣ፡ ንምዉታትሲ ምዉታቶም ይቕበርዎም ሕደጎም፡ በሎ

23. ናብ ጃልባ ምስ ኣተወደቀ መዛሙርቱ ሰዐብዎ

24. እንሆ ኸኣ፡ ማዕበል ነታ ጃልባ ኽሳዕ ዜጐልብባ፡ ኣብቲ ባሕሪ ዓብዪ ምንዋጽ ኰነ። ንሱ ግና ደቂሱ ነበረ።

25. ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦምጐይታይጠፋእናኣድሕነናእናበሉ ኣተንስእዎ

26. ንሱ ኸኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነትከመይከ እትፈርሁበሎም። ሽዑ ተንሲኡ ንንፋስ ንባሕርን ገንሖምዓብዪ ህድኣት ከኣ ዀነ

27. እቶም ሰብ ከኣ፡ እዚ፡ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዙሉስመን ኰን ይኸውንኢሎም ኣስተንከሩ

28. ናብ ምድሪ ጌርጌሴኖን ምስ ተሳገሩኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ኽልተ ሰብ ካብ መቓብር ወጺኦም ተጓነፍዎ። ንሳቶም፡ ሓደ እኳ በታ መገዲ እቲኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዚስእን፡ ኣዝዮም ክፉኣት ነበሩ።

29. እንሆ ኸኣ፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ እሞ እንታይ አሎናቅድሚ ጊዜኡ ኽትሳቕየናዶ ናብዚ መጻእካ፧ እናበሉ ጨርሑ

30. ካባታቶም ርሕቕ ኢሉ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ይበልዕ ነበረ

31. እቶም ኣጋንንቲ ድማ፡ እተውጻኣና እንተ ዄንካስ፡ ናብዚ መጓሰ ሓሰማታት ክንኣቱ ፍቐደልናኢሎም ለመንዎ

32. ንሱ ኸኣ፥ ኪዱ፡ በሎምወጺኦም ድማ ናብተን ሓሰማታት አተዉእንሆ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ መጓሰ ኻብ ጸድፊ ነፊጹ ናብ ባሕሪ አተወ፡ ኣብቲ ማይ ከኣ ኵምም በለ።

33. እቶም ጓሶት ሀዲሞም፡ ናብ ዓዲ አተዉ፡ በቲ ዝዀነ ዅሉን ብናይቶም ኣጋንንቲ ዝነበርዋምን ከኣ አውረዩ

34. እንሆ ድማ፡ ብዘላ እታ ዓዲ ንየሱስ ክትራኸቦ ወጸትምስ ረአይዎ ኸኣ፡ ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልስ ለመንዎ