1. ሽዑ መንፈስ ንየሱስብድያብሎስ ኪፍተን፡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ።

2. ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመድሕርዚ ጠመየ

3. እቲ ፈታኒ ድማ መጺኡወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስእዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በልበሎ

4. የሱስ ግናሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርንጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ

5. ሽዑ ድያብሎስ ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ወሲዱ፡ ኣብ ገምገም ቤት መቕደስ ደው ኣበሎ።

6. እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍበእዳዎም ኬልዕሉኻንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዝጽሑፍ አሎ እሞወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስንታሕቲ ገጽካ ጽደፍበሎ

7. የሱስንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ድማ ጽሑፍ አሎ፡ በሎ

8. ድያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዪ ነዊሕ ከረን ወሲዱመንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣርአዩ እሞ፡

9. ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይእዚ ዅሉ ኽህበካ እየ፡ በሎ

10. ሽዑ የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእጽሑፍ አሎ እሞ ኪድ ርሐቕሰይጣንበሎ

11. ድሕርዚ ድያብሎስ ሐደጎእንሆ ድማ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልግልዎ

12. የሱስማእሰርቲ ዮሃንስ ሰሚዑ። ናብ ገሊላ ድሕር በለ።

13. ናዝሬት ሐዲጉ ድማ፡ ኣብ ወሰን ዛብሎንን ንፍታሌምንኣብ ጥቓ ባሕሪ ናብ ዘላ ቅፍርናሆም መጺኡ ተቐመጠ

14. እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተበህለ ኺፍጸም፡ ከምዚ ዚብል

15. ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምንመገዲ ባሕሪማዕዶ ዮርዳኖስገሊላ ኣህዛብ

16. ኣብ ጸልማት ዚነብር ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረአየኣብ ዓዲ ሞትን ድኔኣን ንዚነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም

17. የሱስ ካብኡ ነጀውመንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ፡ ተንስሑእናበለ ኺሰብክ ጀመረ

18. ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፡ ክልተ ኣሕዋትጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦንን እንድርያስ ሓዉን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኺድርብዩ ረአየ

19. የሱስውን፡ ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዐቡኒበሎም

20. ብኡብኡ መርበቦም ሐዲጎም ሰዐብዎ

21. ካብኡ ሐሊፉ ኽልተ ኻልኦት ኣሕዋትያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓውን ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኦምመርበቦም ኣብ ጃልባ ኼዕርዩ ረአየ እሞ ጸውዖም

22. ንሳቶም ከኣ ነታ ጃልባን ኣቦኦምን ሐዲጎምብኡብኡ ሰዐብዎ

23. የሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ።

24. ወሪኡውን ኣብ ኵላ ሶርያ ወጸንዅሎም ሕሙማት ከኣበብዓይነቱ ሕማም ዘለዎምን ቃንዛን ኣጋንንቲ ዘለዎምን ሕማም ባርያ በብወርሒ ዚለዐሎምን መጻጉዓትን ናብኡ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም

25. ካብ ገሊላን ካብ ዓሰርተ ዓድን ካብ የሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከኣ ብዙሓት ሰብ ሰዐብዎ