1. ድሕሪ ሰንበትወጋሕታ እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙንማርያም ብዓልቲ መግደላን እታ ኻልኣይቲ ማርያምን መቓብር ኪርእያ መጻ

2. እንሆዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነመልኣኽ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ወሪዱቅርብ ኢሉ ነቲ እምኒ ገልበጦ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ተቐመጠ

3. ትርኢቱ ኸም በርቂክዳኑ ድማ ጻዕዳ ኸም በረድ እዩ።

4. እቶም ሓለውቲ ንእኡ ፈሪሆም ራዕራዕ በሉ፡ ከም ዝሞቱውን ኰኑ

5. እቲ መልኣኽ መሊሱ ነተን ኣንስቲ በለን፡ ንስኻትኽሲ ነቲ እተሰቐለ የሱስ ትደልያ ኸም ዘሎኽን፡ እፈልጥ አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሃ

6. ከምቲ ዝበሎተንሲኡ እዩ እሞ፡ ኣብዚ የሎን። ነታ ጐይታ ተነቢርዋ ዝነበረ ስፍራንዕነ ርኣያ

7. ቀልጢፍክን ደኣ ኺዳ እሞ፡ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦምእንሆ፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፡ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም። እንሆነገርኩኽን

8. ካብቲ መቓብር ብፍርሃትን ብብዙሕ ሓጐስን ቀልጢፈን ከዳ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራኦም ጐየያ

9. ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራ ኪኸዳ ኸለዋ፡ እንሆየሱስ ተጓነፈን፡ ከመይ ኢኽን፡ ከኣ በለን። ንሳተን ቅርብ ኢለን፡ እግሩ ሒዘን ሰገዳሉ

10. ሽዑ የሱስ፡ ኣይትፍርሃ ኪዳ እሞ ነሕዋተይ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ንገራኦምኣብኡውን ኪርእዩኒ እዮም፡ በለን

11. ንሳተን ምስ ከዳእንሆ፡ ሓያሎ ኻብ ሓለውቲ ናብ ከተማ መጺኦም፡ እቲ ዝዀነ ዅሉ ንሊቃውንቲ ኻህናት ነገርዎም

12. ንሳቶም ምስ ዓበይቲ ተኣኪቦም ተማኸሩ፡ ነቶም ዓቀይቲ ኸኣ ብዙሕ ወርቂ ሀብዎም እሞ፡

13. ብለይቲ ደቂስና ኸሎና፡ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ሰሪቖምዎኢልኩም ንገሩ

14. እዚ ኣብቲ ሹም እንተ ተሰምዔንሕና ኸነረድኦ፡ ንኣኻትኩም ድማ ከም ዘይትጕህዩ ኽንገብረኩም ኢና፡ በልዎም።

15. እቲ ወርቂ ተቐቢሎም፡ ከምታ ዝመሀርዎም ገበሩ። እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ኣይሁድ ክሳዕ ሎሚ ይውረ አሎ።

16. እቶም ዓሰርተው ሓደ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ናብቲ የሱስ ዝኣዘዞም ከረን ገሊላ ኸዱ

17. ምስ ረአይዎሰገድሉ። ገሊኦም ግና ተወላወሉ

18. የሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ።

19-20. ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩምዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

Chap 27