1. የሱስ መለሰከም ብሓድሽ ድማ ብምስላ ከምዚ ኢሉ ነገሮም

2. መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል

3. ነቶም ናብ መርዓ እተዐደሙ ኺጽውዑ ባሮቱ ለኣከ፡ ግናኸ ምምጻእ ኣበዩ

4. ከም ብሓድሽ ድማ ነቶም ዕዱማትእንሆመኣደይ ኣዳሎኹሰባሕተይን ኣስዋረይን ሐሪደኵሉ ተዳልዩ አሎ እሞ፡ ናብ መርዓ ንዑበልዎም፡ ኢሉ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ

5. ንሳቶም ግና ሸለል ኢሎም፡ ገሊኦም ናብ ግራቶምገሊኦም ከኣ ናብ ነግዶም ከዱ

6. እቶም ዝተረፉ ኸኣ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ኣዋረድዎም ቀተልዎምን

7. እቲ ንጉስ ተቘጥዔጭፍራኡ ልኢኹነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኤከተማኦም ድማ ተኰሰ

8. ሽዑ ንባሮቱ፡ እቶም ዕዱማት ደኣ ዘይብቑዓት ኰይኖም እምበር፡ መርዓስ እተዳለወ እዩ፡

9. ደጊም ናብ ቀራና መገዲ ኺዱ እሞ ንዝረኸብኩምዎ ዘበለ ናብ መርዓ ጸውዑ፡ በሎም።

10. እቶም ባሮት እቲኦም ናብ መገዲ ወጺኦምንዝረኸብዎ ዘበለንሕሱማትን ንሕያዎትንኣከብዎም። እቲ ዳስ መርዓ ብተቐማጦ መልኤ

11. እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ኺርኢ ምስ ኣተወክዳን መርዓ ዘይተኸደነ ሰብኣይ ረአየ እሞ፡

12. ኣታ ዓርከይ፡ ከመይከ ኽዳን መርዓ ዜብልካ ናብዚ ኣቶኻበሎ። ንሱ ግና ኣጽቀጠ

13. ሽዑ እቲ ንጉስ ንገላዉኡ በሎምኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣሲርኩም፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን

14. ጽዉዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም።

15. ድሕርዚ ፈሪሳውያን ከይዶም ከመይ ገይሮም ብዘረባ ኸም ዚጠልፍዎተማኸሩ

16. ደቀ መዛሙርቶም ምስ ሄሮድሳውያን ገይሮም ከምዚ ኢሎም ለአኹመምህርሓቀኛ ምዃንካ፡ መገዲ እግዚኣብሄርውን ብሓቂ ኸም እትምህርንፈልጥ አሎና፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ኣይተዳሉን ኢኻ እሞ፡ ነዝን ነትን እኳ ኣይትብልን ኢኻ።

17. እንታይ ይመስለካንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ እስኪ ንገረና

18. የሱስ ክፍኣቶም ፈሊጡ፡ ኣቱም ግቡዛትስለ ምንታይ ትፍትኑኒ አሎኹም፧ እቲ ወርቂ ግብሪ ኣርእዩኒ፡ በሎም

19. ንሳቶም ከኣ ዲናር ኣምጽኡሉ

20. ንሱ ድማ፡ እዚ መልክዑን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በሎም

21. ንሳቶም፡ ናይ ቄሳርበልዎ። ሽዑ ንሱ፡ እምበኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡበሎም

22. እዚ ምስ ሰምዑተገረሙሐዲጎምዎ ድማ ሐለፉ

23. በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ትንሳኤ የልቦንዚብሉ ሰዱቃውያን ናብኡ መጹ

24. ከምዚ ኢሎም ድማ ሐተትዎ፡ መምህርሙሴሰብኣይ ውሉድ ከይሐደገ እንተ ሞተ፡ ነታ ሰበይቱ እቲ ሓዉ ይውረሳ፡ ነቲ ሓዉ ኸኣ ዘርኢ የቑመሉበለ

25. ኣባናኸስ ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ዓብዪ ሰበይቲ ምስ ኣእተወሞተውሉድ ኣይነበሮን እሞ፡ ነታ ሰበይቱ ንሓዉ ሐደጋ

26. ከምኡ ኸኣ ኻልኣይ፡ እቲ ሳልሳይውን፡ ክሳዕ እቲ ሳብዓይ

27. ድሕሪ ዅሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት

28. ኵሎም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፡ ብትንሳኤ ኻብዞም ሾብዓተ እዚኣቶ፡ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧

29. የሱስ መለሰ በሎምውንመጻሕፍቲ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ትጋገዩ አሎኹም።

30. ኣብ ትንሳኤስ ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዮም እምበር፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን

31-32. ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ግና፡ እቲ ካብ ኣምላኽ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ፡ እተባህለልኩምዶ ኣየንበብኩምን፧ እግዚእብሄርከስ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምዉታት ኣይኰነን

33. እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ሰሚዖም ብትምህርቱ ተደነቑ

34. ፈሪሳውያን ድማ ኣፍ ሰዱቃውያን ከም ዝዐጸወ ሰሚዖምብሓደ ተኣከቡ

35-36. ካባታቶም ሓደ ምሁር ሕጊ ኪዕዘቦ ደልዩ፡ መምህር፡ እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ እያ፧ ኢሉ ሐተቶ

37. የሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳባትካን ኣፍቅሮ

38. እዚእ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ።

39. እታ እትመስላ ኻልኣይታ ድማ፡ ንብጻይካ ኸም ንፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ።

40. ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ አሎ፡ በሎ።

41. ፈሪሳውያን ተኣኮቦም ከለዉ፡ የሱስ

42. ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩምወዲ መንከ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ወዲ ዳዊትበልዎ

43-44. ንሱ ኸኣ፡ ዳዊት ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኽሳዕ ዘድርሶም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥበሎ፡ እናበለ፡ ብመንፈስ ከመይ ኢሉ ጐይታይ ይብሎ

45. እምበኣርሲ ዳዊት ጐይታይ ካብ ዚብሎ፡ ከመይ ኢሉ ደኣ ወዱ ይኸውን፧ በሎም።

46. ሓደ እኳ ቓል ኪመልሰሉ ኣይከኣለን። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ከኣ ሓደ እኳ ኺሐቶ ደፊሩ ብሕም ዝበለ የልቦን።