1. በታ ጊዜ እቲኣ የሱስ ብሰንበት ብማእከል ዝሩእ ግርሁ ሐለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ጠመዩ፡ ሰዊት ኪምሕዉን ኪበልዑን ከኣ ጀመሩ።
2. ፈሪሳውያን ድማ እዚ ርእዮም፡ እንሆ፡ ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ምግባሩ ዘይግባእ ይገብሩ አለዉ፡ በልዎ።
3. ንሱ ኸኣ በሎም፡ ዳዊት ዝገበሮ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፡
4. ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝአተወ እሞ፡ ብጀካ ንኻህናት ጥራይ፡ ንእኡ ዀነ፡ ወይስ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፡ ምብላዑ ዘይግብኦም እንጌራ ምርኣይ ከም ዝበልዔስ፡ ኣየንበብኩምንዶ፧
5. ካህናት ኣብ ቤተ መቕደስ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ንሰንበት ከም ዚስዕርዋ፡ በደል ከኣ ከም ዘይኰኖምከ፡ ኣብ ኦሪትዶ ኣየንበብኩምን፧
6. ኣነ ግና፡ ካብ ቤተ መቕደስ ዚዐቢ ኣብዚ ኸም ዘሎ፡ እብለኩም አሎኹ።
7. ግናኸ፡ ምሕረት እፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ እንታይ ምዃኑ እንተ ትፈልጡስ፡ ኣብዞም በደል ዜብሎም ኣይምፈረድኩምን ኔርኩም።
8. እምብኣርስኸ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ።
9. ንሱ ኻብኡ ሐሊፉ፡ ናብ ቤት ጸሎቶም ኣተወ።
10. እንሆ ኸኣ፡ ኢዱ ዝነቀጸት ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ። ምእንቲ ኪኽስዎ ኸኣ፡ ብሰንበት ምፍዋስዶ ግቡእ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ።
11. በሎም ከኣ፡ ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ ብሰንበት ኣብ ጕድጓድ እንተ ወደቐት፡ ዘይሕዛን ዘየውጽኣን እንታዋይ ሰብ አሎ፧
12. ካብ በጊዕሲ ሰብዶ ግዳ ኣዝዩ ኣይበልጽን፡ እምብኣርሲ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ግቡእ እዩ።
13. ሽዑ ነቲ ሰብኣይ ኸኣ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ኢዱ ዘርግሔ፡ ብኡብኡ ኸኣ ሐወየት፡ ከምታ ኻልኣይቲውን ኰነት።
14. ፈሪሳውያን ግና ምስ ወጹ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ተማኸሩ።
15. የሱስ ድማ እዚ ፈሊጡ ኻብኡ ኣግለሰ። ብዙሓት ሰብ ድማ ሰዐብዎ፡ ንዅሎምውን ኣሕወዮም።
16. ከየግህድዎ ድማ ኣሕሚሙ ኣዘዞም።
17. እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተባህለ ኺፍጸም፡ ከምዚ ዚብል፡
18. እንሆ፡ ዝሐሬኽዎ ጊልያይ፡ ነፍሰይ ዝሰመረቶ ፈታውየይ፡ ኣብኡ መንፈሰይ ክሕድር እየ፡ ንሱ ድማ ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽአሎም እዩ።
19. ኣይከራኸርን፡ ኣይጭድርን፡ ኣብ ኣደባባይውን ሓደ እኳ ድምጹ ኣይኪሰምዕን እዩ።
20. ፍርዲ ናብ ዓወት ክሳዕ ዜብጽሕ፡ ጭፍላቕ ሻምብቆ ኣይሰብርን፡ ዚተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣየጥፍእን እዩ።
21. ኣህዛብ ከኣ ብስሙ ተስፋ ኺገብሩ እዮም።
22. ድሕርዚ ኸኣ ጋኔን ዝሐደሮ ዕዉር ዓባስ ናብኡ ኣምጽኡ። ንሱ ድማ ነቲ ዕዉር ዓባስ ዚርእን ዚዛረብን ገይሩ ኣሕወዮ።
23. እቶም ህዝቢ ዅሎም ከኣ፡ እዝስ እቲ ወዲ ዳዊት ደዀን እዩ፧ ኢሎም ኣስተንከሩ።
24. ፈሪሳውያን ምስ ሰምዑ ግና፡ እዚ ብዘይ ብብኤል-ዜቡል፡ እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ ነጋንንቲ ኣየውጽኦምን፡ በሉ።
25. የሱስ ሓሳባቶም ፈሊጡ በሎም፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየት ኵላ መንግስቲ ትዖኑ፡ ንሓድሕዳ እተፋላለየት ኵላ ኸተማ ወይስ ቤት ድማ ኣይትነብርን እያ።
26. ሰይጣን ንሰይጣን ካብ ዜውጽኦ፡ ንሓድሕዱ ተፋላለየ፡ እታ መንግስቱ ደኣኸከመይ ኢላ ትቐውም፧
27. ኣነ ነጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ፡ ደቅኹም ደኣ ብመን የውጽእዎም አለዉ፧ ስለዚ ንሳቶም ፈራዶኩም ኪዀኑ እዮም።
28. ኣነ ነጋንንቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና፡ እንሃ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም መጸት።
29. ወይስ ቅድም ነቲ ሓያል ከይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል አትዩ ኣቓሑኡ ኺብዝብዝ ዚኽእል መን አሎ፧ ድሕርዚ እዩ ቤቱ ዚብዝብዝ።
30. ምሳይ ዘይኰነ መቓናቕንተይ እዩ፡ እቲ ምሳይ ኰይኑ ዘይእክብ ከኣ ይዘሩ።
31. ስለዚ ንሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ጸርፍን ዘበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ንመንፈስ ዝጸረፈ ግና ኣይሕደገሉን።
32. ነቲ ኣብ ወዲ ሰብ ገለ ዘረባ ዝበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ገለ ዘረባ ዝበለ ግና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዀነ፡ ኣብታ እትመጽእ ኰነ፡ ኣይሕደገሉን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።
33. ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ፡ ወይስ ነቲ ኦም ክፉእ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ክፉእ።
34. ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፡ ክፉኣት ክነስኹምከ፡ ከመይ ጌርኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፧
35. እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። ክፉእ ሰብ ከኣ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ።
36-37. ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ።
38. ሽዑ ሓያሎ ኻብ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መምህር፡ ካባኻ ትእምርቲ ኽንርኢ ንደሊ አሎና ኢሎም መለሱ።
39. ንሱ ግና መሊሱ በሎም፡ ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ። ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይወሀቦን።
40. ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝገበረ፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብር እዩ።
41. ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኺትንስኡን ኪዅንንዎን እዮም። እንሆ፡ ካብ ዮናስ ዚዐቢ ኣብዚ አሎ።
42. ንግስቲ ኣዜብ፡ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ፡ ካብ ወሰን ምድሪ መጺኣ ነበረት እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኽትትንስእን ክትኵንኖን እያ። እንሆ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዐቢ ኣብዚ አሎ።
43. ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ ዕረፍቲ ደልዩ፡ ኣብ ኣጻምእ ቦታ ይዀልል ኣይረክብን ድማ።
44. ሽዑ፡ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ፡ ይብል። ምስ መጸ፡ ጥራያ፡ ተዀስቲራ፡ ተሰሊማ ይረኽባ።
45. ድሕርቲ ይኸይድ፡ ካብኡ ዚገዱ ሾብዓተ ኻልኦት መናፍስቲ ሒዙ ይመጽእ፡ ኣትዮም ከኣ ኣብኣ ይነብሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ መጀመርታኡ እቲ መወዳእታኡ ዝገደደ ይዀኖ። ነዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ ድማ ከምኡ ኪዀኖ እዩ።
46. ገና ነቶም ህዝቢ ኺነግሮም ከሎ፡ እንሆ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ኪዛረብዎ ደልዮም ኣብ ወጻኢ ደው በሉ።
47. ሓደ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪዛረቡኻ ደልዮም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም አለዉ፡ በሎ።
48. ንሱ ግና ነቲ ዝነገሮ፡ ኣደይ መን እያ፧ ኣሕዋተይሲ እንመን እዮም፧ ኢሉ መለሰሉ።
49-50. ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዘበለ ዅሉ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ፡ ኢሉ ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ፡ በለ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...