1. በታ ጊዜ እቲኣ የሱስ ብሰንበት ብማእከል ዝሩእ ግርሁ ሐለፈደቀ መዛሙርቱ ድማ ጠመዩ፡ ሰዊት ኪምሕዉን ኪበልዑን ከኣ ጀመሩ

2. ፈሪሳውያን ድማ እዚ ርእዮምእንሆደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ምግባሩ ዘይግባእ ይገብሩ አለዉ፡ በልዎ

3. ንሱ ኸኣ በሎም፡ ዳዊት ዝገበሮ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ

4. ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝአተወ እሞ፡ ብጀካ ንኻህናት ጥራይ፡ ንእኡ ዀነ፡ ወይስ ነቶም ምስኡ ዝነበሩምብላዑ ዘይግብኦም እንጌራ ምርኣይ ከም ዝበልዔስ፡ ኣየንበብኩምንዶ፧

5. ካህናት ኣብ ቤተ መቕደስ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ንሰንበት ከም ዚስዕርዋ፡ በደል ከኣ ከም ዘይኰኖምከ፡ ኣብ ኦሪትዶ ኣየንበብኩምን፧

6. ኣነ ግና፡ ካብ ቤተ መቕደስ ዚዐቢ ኣብዚ ኸም ዘሎ፡ እብለኩም አሎኹ።

7. ግናኸ፡ ምሕረት እፈቱመስዋእቲ ኣይኰነንእንታይ ምዃኑ እንተ ትፈልጡስ፡ ኣብዞም በደል ዜብሎም ኣይምፈረድኩምን ኔርኩም።

8. እምብኣርስኸ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ።

9. ንሱ ኻብኡ ሐሊፉ፡ ናብ ቤት ጸሎቶም ኣተወ

10. እንሆ ኸኣ፡ ኢዱ ዝነቀጸት ሰብኣይ ኣብኡ ነበረምእንቲ ኪኽስዎ ኸኣ፡ ብሰንበት ምፍዋስዶ ግቡእ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ

11. በሎም ከኣ፡ ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ ብሰንበት ኣብ ጕድጓድ እንተ ወደቐት፡ ዘይሕዛን ዘየውጽኣን እንታዋይ ሰብ አሎ፧

12. ካብ በጊዕሲ ሰብዶ ግዳ ኣዝዩ ኣይበልጽን፡ እምብኣርሲ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ግቡእ እዩ።

13. ሽዑ ነቲ ሰብኣይ ኸኣ ኢድካ ዘርግሕበሎ። ኢዱ ዘርግሔ፡ ብኡብኡ ኸኣ ሐወየትከምታ ኻልኣይቲውን ኰነት።

14. ፈሪሳውያን ግና ምስ ወጹ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ተማኸሩ

15. የሱስ ድማ እዚ ፈሊጡ ኻብኡ ኣግለሰብዙሓት ሰብ ድማ ሰዐብዎንዅሎምውን ኣሕወዮም

16. ከየግህድዎ ድማ ኣሕሚሙ ኣዘዞም

17. እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተባህለ ኺፍጸም፡ ከምዚ ዚብል

18. እንሆዝሐሬኽዎ ጊልያይነፍሰይ ዝሰመረቶ ፈታውየይ፡ ኣብኡ መንፈሰይ ክሕድር እየ፡ ንሱ ድማ ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽአሎም እዩ።

19. ኣይከራኸርን፡ ኣይጭድርን፡ ኣብ ኣደባባይውን ሓደ እኳ ድምጹ ኣይኪሰምዕን እዩ።

20. ፍርዲ ናብ ዓወት ክሳዕ ዜብጽሕ፡ ጭፍላቕ ሻምብቆ ኣይሰብርን፡ ዚተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣየጥፍእን እዩ።

21. ኣህዛብ ከኣ ብስሙ ተስፋ ኺገብሩ እዮም።

22. ድሕርዚ ኸኣ ጋኔን ዝሐደሮ ዕዉር ዓባስ ናብኡ ኣምጽኡ። ንሱ ድማ ነቲ ዕዉር ዓባስ ዚርእን ዚዛረብን ገይሩ ኣሕወዮ

23. እቶም ህዝቢ ዅሎም ከኣ፡ እዝስ እቲ ወዲ ዳዊት ደዀን እዩ፧ ኢሎም ኣስተንከሩ

24. ፈሪሳውያን ምስ ሰምዑ ግና፡ እዚ ብዘይ ብብኤል-ዜቡል፡ እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲነጋንንቲ ኣየውጽኦምን፡ በሉ

25. የሱስ ሓሳባቶም ፈሊጡ በሎምንሓድሕዳ እተፈላለየት ኵላ መንግስቲ ትዖኑ፡ ንሓድሕዳ እተፋላለየት ኵላ ኸተማ ወይስ ቤት ድማ ኣይትነብርን እያ።

26. ሰይጣን ንሰይጣን ካብ ዜውጽኦ፡ ንሓድሕዱ ተፋላለየ፡ እታ መንግስቱ ደኣኸከመይ ኢላ ትቐውም

27. ኣነ ነጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ፡ ደቅኹም ደኣ ብመን የውጽእዎም አለዉ፧ ስለዚ ንሳቶም ፈራዶኩም ኪዀኑ እዮም።

28. ኣነ ነጋንንቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና፡ እንሃ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም መጸት

29. ወይስ ቅድም ነቲ ሓያል ከይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል አትዩ ኣቓሑኡ ኺብዝብዝ ዚኽእል መን አሎ፧ ድሕርዚ እዩ ቤቱ ዚብዝብዝ

30. ምሳይ ዘይኰነ መቓናቕንተይ እዩ፡ እቲ ምሳይ ኰይኑ ዘይእክብ ከኣ ይዘሩ

31. ስለዚ ንሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ጸርፍን ዘበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ንመንፈስ ዝጸረፈ ግና ኣይሕደገሉን።

32. ነቲ ኣብ ወዲ ሰብ ገለ ዘረባ ዝበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ገለ ዘረባ ዝበለ ግና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዀነ፡ ኣብታ እትመጽእ ኰነ፡ ኣይሕደገሉን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

33. ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ፡ ወይስ ነቲ ኦም ክፉእ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ክፉእ።

34. ኣቱም ውሉድ ኣትማንኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፡ ክፉኣት ክነስኹምከ፡ ከመይ ጌርኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ

35. እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእክፉእ ሰብ ከኣ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ

36-37. ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ።

38. ሽዑ ሓያሎ ኻብ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንንመምህር፡ ካባኻ ትእምርቲ ኽንርኢ ንደሊ አሎና ኢሎም መለሱ

39. ንሱ ግና መሊሱ በሎም፡ ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ። ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይወሀቦን።

40. ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝገበረ፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብር እዩ።

41. ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኺትንስኡን ኪዅንንዎን እዮም። እንሆ፡ ካብ ዮናስ ዚዐቢ ኣብዚ አሎ

42. ንግስቲ ኣዜብ፡ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ፡ ካብ ወሰን ምድሪ መጺኣ ነበረት እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኽትትንስእን ክትኵንኖን እያ። እንሆ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዐቢ ኣብዚ አሎ

43. ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸዕረፍቲ ደልዩ፡ ኣብ ኣጻምእ ቦታ ይዀልል ኣይረክብን ድማ።

44. ሽዑ፡ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስይብልምስ መጸጥራያተዀስቲራተሰሊማ ይረኽባ

45. ድሕርቲ ይኸይድ፡ ካብኡ ዚገዱ ሾብዓተ ኻልኦት መናፍስቲ ሒዙ ይመጽእ፡ ኣትዮም ከኣ ኣብኣ ይነብሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ መጀመርታኡ እቲ መወዳእታኡ ዝገደደ ይዀኖ። ነዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ ድማ ከምኡ ኪዀኖ እዩ።

46. ገና ነቶም ህዝቢ ኺነግሮም ከሎ፡ እንሆ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ኪዛረብዎ ደልዮም ኣብ ወጻኢ ደው በሉ።

47. ሓደ ኸኣ፡ እንሆኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪዛረቡኻ ደልዮምኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም አለዉ፡ በሎ

48. ንሱ ግና ነቲ ዝነገሮ፡ ኣደይ መን እያ፧ ኣሕዋተይሲ እንመን እዮም፧ ኢሉ መለሰሉ

49-50. ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዘበለ ዅሉ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ፡ ኢሉ ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉበለ