1. ኰነ ድማ፡ የሱስ ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ምእዛዞም ምስ ወድኤ፡ ኣብ ከተማታቶም ኪምህርን ኪሰብኽን ካብኡ ሐለፈ።
2. ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡ ወረ ግብሪ ክርስቶስ ሰሚዑ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ፡
3. እቲ ዚመጽእስ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ በሎ።
4. የሱስ መሊሱ በሎም፡ ኬድኩም እዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘሎኹም ንዮሃንስ ንገርዎ፡
5. ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ፡ ንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ አሎ።
6. ብኣይ ዘይዕንቀፍ ከኣ ብጹእ እዩ።
7. ንሳቶም ምስ ከዱ፡ የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ ብዛዕባ ዮሃንስ ኪብሎም ጀመረ፡ እንታይ ክትርእዩ ናብ በረኻ ወጻእኩም፡ ብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆዶ፧
8. እንታይ ደኣ ኽትርእዩ ወጻእኩም፧ ብልስሉስ ክዳውንቲ ዘጌጸ ሰብዶ፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድኑስ፡ እንሆ፡ ኣብ ኣባይቲ ነገስታት አለዉ።
9. ንምንታይ ደኣ ወጻእኩም፧ ነብዪ ኽትርእዩዶ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ዚበልጽ እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።
10. እቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈሉ ንሱ እዩ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኻ፡ መገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ አሎኹ።
11. ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወለደ ኻብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዐቢ ሓደ እኳ ኣይተንስኤን። ኣብ መንግስተ ሰማያት ግና እቲ ዚንእስ ካብኡ ይዐቢ።
12. ካብ ዘመን ዮሃንስ መጥምቕ ክሳብ ሎሚ መንግስተ ሰማያት ብሓይሊ ትደፍእ አላ፡ ደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ አለዉ።
13. ኵሎም ነብያትን ኦሪትን ክሳዕ ዮሃንስ ተነበዩ።
14. ክትኣምኑ እንተ ደሌኹምሲ፡ እቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኤልያስ ንሱ እዩ።
15. እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።
16. ነዚ ወለዶ እዚ እሞ ብምንታይ ክምስሎ እየ፧ ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም ነዕሩኾም ዚጽውዑ ቘልዑ እዩ ዚመስል።
17. እሞ ዚብልዎም፡ እምብልታ ነፋሕናልኩም፡ ኣይሳዕሳዕኩምን፡ ኣልቀስናልኩም፡ ኣይበኼኹምን።
18. ዮሃንስ እማ መጸ፡ ኣይበልዕ ኣይሰቲ፡ ጋኔን አለዎ፡ ይብሉ።
19. ወዲ ሰብ መጸ፡ ይበልዕ ይሰቲ፡ እንሆ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ተገውትን ሓጥኣንን፡ ይብሉ። ጥበብ ብደቃ ጸደቐት።
20. ድሕርዚ የሱስ ነተን ብዙሕ ሓይሊ ዝገበረን ከተማታት ስለ ዘይተነሰሐ ኺነቕፈን ጀመረ፡
21. ወይለኺ ኰራዚን፡ ወይለኺ ቤተ-ሳይዳ፡ እዚ ኣባኻትክን እተገበረ ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ኣብ ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ቀደም ማቕ ተኸዲነን፡ ሓሙዅስቲ ተነጺፈን ምተነስሓ ነይረን።
22. ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካባኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ከም ዚቐልል፡ እብለክን አሎኹ።
23. ኣቲ ቅፍርናሆም፡ ክሳዕ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ፧ ክሳዕ ሲኦል ከስ ከተንከራርዊ ኢኺ። እዚ ኣባኺ እተገበረ ግብርታት ሓይሊ ኣብ ሶዶም ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ክሳዕ ሎሚ ምጸንሔት ነይራ።
24. ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካባኽስ ንምድሪ ሶዶም ከም ዚቐልል፡ እብለኩም አሎኹ።
25. በታ ወርሓት እቲኣ የሱስ መለሰ በለውን፡ ዎ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ እዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሐባእካዮ፡ ንሕጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ ኤመስግነካ አሎኹ።
26. እወ፡ ኣቦይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸምኡ ስምረትካ ዀይኑ።
27. ካብ ኣቦይ ኵሉ ተዋሂቡኒ አሎ። ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈቱን ዚፈልጦ የልቦን።
28. ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ።
29-30. ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...