ቅድድም መብረ [Sunday 7th Apr 2024]

Posted on 2024-04-07 · 575 · 6 · 0

122 resources uploaded

እዚ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክር ካባይ ዝሰማዕካዮ ድማ ንኻልኦት ኪምህሩ ንዚከአሎም እሙናት ሰብ ሕድሪ ሀቦም። 2ጢሞ.2:2

ኣብ በብእዋኑ ዝካየድ ናይ ኣሎምፒክ ውድድር ናይ ብዙሓት ሰባት ኣቓልቦ እዩ ዚስሕብ። ካብቶም ዝካየዱ ውድድራት ገለ ክሓስብ ዝገበረኒ ቅድድም መብረ (Relay race)እዩ። ቅድድም መብረ ካብ ካልኦት ዓይነት ቅድድም ጉያ ዝፈልዮ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ በብውልቑ ዘይኮነ ዝወዳደር ኣርባዕተ ተወዳደርቲ ሓደ ጉጅለ ኮይኖም በትሪ እናተቐባበሉ ዝወዳደርዎ ብምኻኑ እዩ። ሓደ ጥራይ ንፉዕ ጎያዪ ዘለዋ ጉጅለ ተዓዋቲት ክትኸውን ኣይትኽእልን እያ። ነፍሲ-ወከፍ ተወዳዳራይ ኣብታ ናቱ እጃም ብጽቡቕ ክጎዪ ኣለዎ። ብተወሳኺ ድማ ነታ በትሪ ብጥንቃቐ ክቕበልን ከቐብልን ኣለዎ።

ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝብሎ ዘሎ እንተ ኣስተብሂልና ድማ እቲ ካባይ እተማሃርካዮ ንኻልኦት ክምህሩ ዝኽእሉ እሙናት ኣመሓላልፍ እዩ ዝብሎ ዘሎ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ብጉቡእ ኣዕቢዩ እዩ ሕድሪ ሂብዎ። ጢሞቴዎስ ድማ ሕድሪ ተቐቢሉ ካልኦት ተቐበልቲ ሕድሪ ከፍሪ እተጸውዔ እዩ። ንሕናኸ ከመይ ኢና ንገብር ዘሎና? ሕድርና ብግቡእ ተቐቢልናዶ ኣሎና? እጃምናኸ ብግቡእ ነበርክትዶ ኣሎና? ሕድርናኸ ንኻልኦት ብግቡእ ነምሓላልፍዶ ኣሎና? ክርስትና ህይወት ንበይንኻ ዝጉየ ዘይኮነስ ናይ ሕድሪ በትሪ እናተቐበልካን እናኣቐበልካን ዝጉየ ህይወት ምኻኑ ኩሉ ጊዜ ንዘክር።

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ናብቲ ዓስቢ ዓወተይ እናጠመትኩ፡ እተውሃበኒ ሕድሪ ብግቡእ ተቐቢለ ኣብቲ ተሓንጺጹለይ ዘሎ ናይ ቅድድም መስመር ብምሉእ ሓይለይ ክጎዪ ጸጋኻ ኣብዝሓለይ። ንቲ እተዋህበኒ ሕድሪ ድማ ንኻልኦት ከመሓላልፎ ደግፈኒ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments