ኩሉ ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ እዩ [Sunday 21st Apr 2024]

Posted on 2024-04-21 · 640 · 2 · 0

122 resources uploaded

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና። ሮሜ.8:28

ሓደ ሰብኣይ እታ ዝጓዓዘላ ዝነበርት መርከብ ብምጥሓላ ገለ ካብታ መርከብ ብዝተረፈ ስባር ተጠቂሙ እናተንሳፈፈ ናብ ሓንቲ ደሴት ተገፊዑ ወጸ። ህይወቱ ብምድሓኑ እኳ እንተ ተሓጎሰ፡ ካብታ ደሴት ናብ ሃገሩ ክበጽሓሉ ዝኽእል መገዲ ግና ኣይነበሮን። በዚ ድማ ብቐጻሊ ናብ ኣምላኽ ይጽሊ ነበረ። ኣብቲ ግምገም ባሕሪ ኣጉዶ ተኺሉ ድማ ምግቡ እናማእረረ ክነብር ጀመረ። ብቐጻሊ ገለ ዝሓልፋ መረክብ እንተርኣየ ኢሉ ድማ ናብቲ ባሕሪ የማዕዱ ነበረ።

ሓደ መዓልቲ ከም ልማዱ ካብ ሃደን ምስ ተመልሰ እታ ዝተኸላ ኣጉዶ ብሓዊ ክትነድድ ጸንሓቶ። በቲ ኩነታት ተሰናቢዱ ነታ ኣጉዶን ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘቐመጦ ነገራትን ንምድሓን ተቓለሰ። እንተኾነ ግን ኣብ ቅድሚ የዒንቱ ኩምራ ሓሙኹሽቲ ክሳብ ትኸወን ነደደት። ልቡ ብሓዘን ተመሊኡ ድማ “ኣምላኸይ እንታይ እዩ እቲ ጉደይ? እዛ ዘጽልለላ ኣጉዶ እውን ተቓጺላ።” ክብል ጀመረ። ኣብታ ጥቓ እታ ትተክኽ ዝነበረት ኣጉዶ ድማ ተኾርሚዩ ሓደረ። ጸሓይ ምስ በረቐት ሓንቲ ናይ ረዲኤት ጃልባ ናብቲ ኮፍ ኢልዎ ዝነበረ ገማግም ገጻ መጽኤት እሞ እቲ መራሒ እታ ጃልባ “እቲ ዝገበርካዮ ናይ ትኪ ምልክት ርኢና ንረድኤትካ ኢና መጺእና።” በሎ። ርግጸኛ እየ ኣብ ህይወትና ዘይሓሰብናዮምን ዘይተጸበናዮምን ነገራት ኣጋጢሞምና ይፈልጡ እዮም። እንተኾነ ግና ከምቲ ቃል እግዚኣብሄር ዝብለና ንኣምላኽ እነፍቆ እንተዀንና ኣብ ዝኾነ እዋን ኩሉ ነገር ንሰናይና ከም ዝድግፎ ፈሊጥና ኣብ ኣምላኽ ክንዓርፍን ንዕኡ ክንጽበይን እዩ ዘሎና።

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ገለ ገለ እዋን ኣብ ህይወተይ ዘጋጥመኒ ነገራት ስለምንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን እየ። ሓደ መኻልፍ ኣጋጢሙ እናበልኩ ካልኣይ ይውሰኽ። በዚ ምኽንያት ድማ ካባይ ዝረሓቕካ ኮይኑ ይስመዓኒ። ንስኻ ግና ኩሉ ጊዜ ምሳይ ስለ ዘሎኻን ንነገረይ ድማ ንሰናይ ምልዋጥ ባህሪኻ ስለዝኾነን ኤመስግነካ ኣለኹ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments