ካብ ህያብካ ህላውነትካ ይሕሸኒ [Sunday 14th Apr 2024]

Posted on 2024-04-14 · 620 · 1 · 0

122 resources uploaded

ገጽካ ምሳና ዘይኸይድ እንተ ዀይኑስ፡ ካብዚ ኣይተደይበና። ዘጽ.33:15

ሙሴ ንእስራኤላውያን መሪሑ ካብ ግብጺ ኪወጽእ እንከሎ ብሰንኪ እቶም ዝመርሖም ዝነበረ ህዝቢ ብዙሕ በዳህቲ ዝኾኑ ነገራት ኣጋጢሞምዎ እዮም። እቶም ህዝቢ ተረርቲ ክሳድ ኮይኖም ንኣምላኽ ተፈታቲኖሞ፡ ሓምዮሞን ንዕኡ ሓዲጎም ጣኦት ኣምሊኾምን እዮም። ሙሴ ግና ምስዚ ኩሉ ሓደ ነገር እዩ ዝብህግ ኔሩ፡ ንሱ ድማ ገጽ እግዚኣብሄር ኣብ ኩሉ ጉዕዝኦም ምስኦም ክኸውን እዩ። ብኣንጻሩ ባህጊ ህዝቢ እስራኤል ወግሔ-ጸብሔ ንኣምላኽ እዚ ግበረልና፡ እዚ ድማ ወስኸና፡ ከምዚኸ ክትገብርዶ ትኽእል ዝብል እዩ ኔሩ።

ጽቡቕን ምሉእን ውህበትን ካብ ላዕሊ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት ዝኾነ ኣምላኽ እዩ ዚወርድ። ውህበቱ ድማ ሰናይ እዩ። እንተኾነ ግና ከምቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኪወጹ እንከለዉ ነቲ ኣምላኽ ምርኮ ጌሩ ዝሃቦም ኣዋርቕ ናብ ምስሊ ጣኦት ለዊጦም ብምምላኽ ንኣምላኽ ዘጉሃይዎ፡ እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ህያብ፡ ሃብቲ ይኹን ፍልጠት፡ ጥበብ ይኹን ዝና፡ መልክዕ ይኹን ውላድ ብዘየገድስ ኣምላኽ ከምዝሃበና ዘንጊዕና ጣኦትና ጌርናዮዶ ንህልው? ወይስ ከም ናይ ሙሴ ባህጊ “ልዕሊ ኹሉ ህላውነትካ ኣይተግድፈኒ” ኢና እንብል?

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ስለቲ ኹሉ ሰናይ ውህበትካ ኤመስግነካ ኣለኹ። ንስኻ ተፍቅረኒ ኣቦይ ስለ ዝኾንካ ድሌት ልበይ ክትመልኣለይ ኩሉ ጊዜ ኣብ ቅድሜኻ ክቐርብ እየ። ልዕሊ ኩሉ ግና ዎ’ኣምላኸይ ህላውነትካ እዩ ብሂወት ዘንብረኒ እሞ ንህላውነትካ ካብ ህይወተይ ኣይተርሕቆ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments