ትንሳኤ! [Sunday 9th Jun 2024]

Posted on 2024-06-09 · 625 · 0 · 0

122 resources uploaded

...ንምንታይከ ነቲ ህያው ኣብ ማእከል ምዉታት ትደልያኦ አሎኽን፡ (ሉቃ.24:5)

ክርስቶስ ተንሲ እዩ። ከምቲ እቲ መልኣኽ ነተን ኣንስቲ ዝበለን ንሱ ኣብ ማእከል ምውታን ኣይርከብን እዩ። ንሱ ኣብ ማእከል ህያዋን እዩ ዝርከብ። ህያዋን ክብል ከሎ እንታይ ማለት እዩ? ቃል ኣምላኽ ንሕና ብበደልና ምውታት ዝነበርና ኣምላኽ ብክርስቶስ ህያዋን ከም ዝገበረና ይነግረና (ኤፌሶን 2:5)። ስለዚ ንሕና ካብ ሞት ናብ ህይወት እተሰጋገርና እንተዀንና ክርስቶስ ምሳና ኣሎ ማለት እዩ።

ነዚ ህይወት ዝሃበና ጐይታ እንታይ ውሬታ ኢና ክንመልሰሉ እንኽእል? ጳውሎስ ነቲ ክርስቶስ ዝገበረሉ ውሬታ ብዝኾነ መገዲ፡ ብሞት ይኹን ብህይወት፡ ንኽኸፍል ድልው እዩ ኔሩ። ናብ የሩሳሌም ከይዱ ከይእሰር ክመኽርዎ እንከለዉ እንታይ ኢሉ ከም ዝመለሰ ንርአ፡ “ሽዑ ጳውሎስ፡ ኣቱም እትበኽዩን ንልበይ እትሰብሩን፡ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም፧ ኣነ ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ኣብ የሩሳሌም ንሙማት ድማ እምበር፡ ንማእሰርቲ ጥራይ እኳ ኣይኰንኩን ተዳልየ ዘሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።” ግብ.21:13። ኣብ ካልእ ስፍራ ድማ ጳውሎስ ከምዚ ይብል፡ “ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንታኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም እምንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።” 1ቈረ.5:15። ካብዘን ክልተ ጥቕሲ ከነስተውዕሎም ከሎና ክልተ ነገራት ኣለዎ። እቲ ቀዳማይ፡ እዛ ተውሂባትና ዘላ ህይወት ስሌኡ ክትመውት ድልውቲ ክንገብራ ከምዘሎና ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ እዛ ተውሂባትና ዘላ ህይወት ስሌኡ ክትነብር ከም ዝግብኣ ምስትውዓል እዩ። እዚ እዩ ድማ እቲ ብሞት ይኹን ብህይወት ንዕኡ ምንባር ማለት። ከም ብዓል ጳውሎስን ካልኦት ሰማእትን ስሌኡ ናይ ምሟት ዕድል ንብዙሓት እተዋህበ ኣይኮነን። እቲ ምንባር ግና ንኩላትና እተዓደለ እዩ’ሞ ውሬታኡ ንምምላስ ነፍሲ-ወከፍ ካልኢት ህይወትና ንዕኡ እናኽበርናን ትንሳኤኡ እናኣወጅናንዶ ንነብር ኣሎና?

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ብሞት ወድኻ ህይወት ስለዝሃብካኒ ብትንሳኤኡ ድማ ጽድቅኻ ስለ ዘልበስካኒ ኤመስግነካ ኣለኹ። ነፍሲ ወከፍ ካሊኢት ህይወተይ ንዓኻ ክነብርን ክሳዕ ሞት እውን ንስምካ እሙን ክኸውንን ቃል እኣቱ ኣለኹ እሞ ነንመዓልቲ ዝኸውን ጸጋ ሃበኒ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments