ኣዒንቲ ልቢ [Sunday 17th Sep 2023]

Posted on 2023-09-17 · 629 · 0 · 0

107 resources uploaded

የሱስ ድማ፥ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ አሎኻ? ኢሉ መለሰሉ። እቲ ዕዉር ከኣ፥ ረቡኒ፡ ክርኢ፡ በሎ። ማር.10:51

ዓይኒ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ናይ ስምዒት ህዋሳትና እዩ። ናይ ዓይኒ ሓኪም ፍሬድ ሃሎውስ (1929-1993 ዓ.ም.) ኣብ ሓያሎ ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ኤርትራ ትርከበን፡ ኣዒንቲ ብምሕካም ብዙሕ ኣበርክቶ ጌሩ እዩ። ንሓያሎ ዑረት ዘንጸላለዎምን ምርኣይ እተሳእኖምን፡ ካልኣይ ጊዜ ንኽርእዩ ዕድል ከፊቱሎም እዩ። እዚ ብለጋስነቱ ፍለጥ ፍሬድ ሃሎውስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ፍቖዶ ገጠራት ከይዱ ዝገብሮ መጥባሕቲ ክዛረብ ከሎ "ናይ ዝኾነ ሰብ ዓይኒ ዓይኒ እያ። ኣብኡ መጥባሕቲ ክትገብር ከሎኻ ኣገዳስነቱ ልክዕ ከምቲ ንሓደ መራሒ ሃገር ወይ ንጉስ እትገብሮ መጥባሕቲ እዩ።" ይብል። ምኽንያቱ ድማ ኩሉ ሰብ ናይ ምርኣይ ዕድል ክንፈጎ የብሉን ኢሉ ስለ ዝኣምን እዩ። ምርኣይ ተሳኢኑካ ጸኒሑ ኣዒንትኻ ተኸፊተን ክትርኢ ምኽኣል ክንደይ ባህ ዘብል ምዃኑ ምግማት ኣጸጋሚ ኣይኮነን።

ሰባት ግና እዚ ስጋዊ ዓይኒ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝያዳ ኩሉ መንፈሳዊ ኣዒንትና ክበርህ የድልየና። የሱስ ንገለ ፈሪሳውያን ኣዒንቲ ከለዎም "ዕውራት" ይብሎም ኔሩ። ምኽንያቱ ድማ ነቲ ናይ ኣምላኽ ዝኾነ ነገራት ክርእይዎ ብዘይ ምኽኣሎም እዩ። ነቲ ናይ ኣምላኽ ዝኾነ ነገራት ክንርኢ ኣዒንቲ ልብና ክበርህ የድሊ። ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን ከምዚ ኢሉ ጸለየሎም፡ "ኣምላኽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቦ ኽብሪ ብፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላጽን ምእንቲ ኺህበኩም፡ እሞ ኣዒንቲ ልብኹም በሪሁ፡ ተስፋ ጽውዓኡ እንታይ ምዃኑ፡ ሃብቲ ርስቲ ኽብሩ ኣብ ቅዱሳንውን እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጡ፡ እጽሊ ኣሎኹ።"(ኤፌ.1:17-18)። ስለዚ ኣዒንቲ ልብና በሪሁ ኣሎዶ? ወይ ኣዚዩ ክበርህዶ የድልዮ እዩ?

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ብሓጢኣተይ ዕውር ዝነበርኩ ኣዒንቲ ልበይ ኣብሪህካ ብምድሓንካ ስለዝበጻሕካኒ ኤመስግነካ ኣለኹ። ኣብ ኩሉ ጉዕዞ ህይወተይ ድማ ተስፋ ጽውዐይን እቲ ኣባይ ዘሎካ መደብን ዕላማን እንታይ ምዃኑ ብደንቢ ክፈልጥ ኣዒንቲ ልቦናይ ኣብርሃለይ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments