ናይ ኣምላኽ ሰብ [Sunday 3rd Mar 2024]

Posted on 2024-03-03 · 607 · 0 · 0

122 resources uploaded

ሙሴ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ... ዘዳ.33:1

ሙሴ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዩ ኔሩ። ጢሞቴዎስ ድማ ኣብ 1ይ ጢሞቴዎስ 6:11 “ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ...”ተባሂሉ ኣሎ። እቶም ብክርስቶስ እንኣምን’ውን ኣምላኽ ሓድሽ ፍጥረት ጌሩ ዳግም ስለ ዝወለደና ናይ ኣምላኽ ሰባት ኢና። ናይ ኣምላኽ ሰብ ክብሃል ከሎ ግና እንታይ ማለት እዩ?

ኣንድሬ ሙሬ እተባህለ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከምዚ ኢሉ ይምልሶ፡ “ናይ ኣምላኽ ሰብ ማለት ካብ ኣምላኽ ዝኾነ፡ ብኣምላኽ እተሓርየ፡ ምስ ኣምላኽ ዝጓዓዝ፡ ናብራኡ ብኣምላኽ ዝገበረ፡ ሕላገት ኣምላኽ ዝጾረ፡ ህላውነት ኣምላኽ ዘንጸባርቕ፡ ንኣምላኽን ንፍቓድ ኣምላኽን ዝነብር፡ ልቡ ብምልኣት ብኣምላኽ እተገዝኤ፡ ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ነገራት ነጊሱ ምርኣይ ድሌቱ ዝኾነ፡ እቲ ኣብ ህይወቱ ዘንጸባርቖ ባህርያት ኣምላኽ ድማ ካልኦት ብዘይጸገም ‘እዚ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዩ’ ከም ዝብሉ ዝገብርን ብዘይ ጻዕሪ ኻልኦት ብዛዕባ ኣምላኽ ክሓስቡ ዝገብር ሰብ እዩ።” ስለዚ ድማ ከም ናይ ኣምላኽ ሰባት ኰንና ክንመላለስ ህይወትና ንኣምላኽ ንወፊ።

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽብጸጋኻ ናባኻ ኣቕሪብካ ሓድሽ ፍጥረትን ንዓኻ ዝበቕዕ ሰብን ስለዝገበርካኒ ኤመስግነካ ኣለኹ። ኣብ ኩሉ ናብራይ ከም ናይ ኣምላኽ ሰብ ኮይነ ክመላለስ ድማ ጸጋኻ ኣብዝሓለይ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments