እምነት [Sunday 18th Feb 2024]

Posted on 2024-02-18 · 616 · 1 · 0

107 resources uploaded

እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ። እብ.11:1

እምነት እንታይ ማለት እዩ ኢልና እንተ ተሓቲትና ንመብዛሕትና እዛ ኣብ መልእኽቲ እብራውያን ምዕራፍ 11 ዘላ ጥቕሲ እያ ናብ ኣእምሮና ትመጽእ። እታ ምዕራፍ ብትርጉም ጀሚራ ታሪኽ ናይ እምነት ኣቦታት እያ ተዘንቱ። እንተኾነ ግና ሓደ ሓደ ጊዜ ትርጉም ናይ እምነት ንኽንገልጾ የሸግረና እዩ።

መጀመርታ እምነት ዝህሉ ተስፋ ትገብሮ ነገር ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ። ተስፋ ትገብሮ ነገር እንተ ዘየሎ ንእምነት ቦታ የብላን። እቲ ካልእ ድማ ተስፋ እንገብሮ ነገር እንታይ እዩ? ዝብል ሕቶ እዩ። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብለና፡ “...ነቲ ዚርኤስ ተስፋ ምግባሩ፡ እዚ ተስፋ ኣይኰነን።” ሮሜ.8:24። ስለዚ እቲ ተስፋ እንገብሮ ነገር እንርእዮ ነገር ክኸውን የብሉን? ሰባት ኣብ ሰባትን ኣብ ዝተፈላለየ ግኡዝ ነገራትን ተስፋ ይገብሩ። እምነትና ኣብ ኣምላኽ እተመስረተት ክኸውን እንተኾይኑ እቲ ተስፋ እንገብሮ ነገር ድማ ኣብ ኣምላኽ እተመስረተ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ምድራዊ ነገር ተስፋ እንተ ጌርና እምነትና ኣብ ኣምላኽ እተመስረት ኣይክኸውንን እዩ። እታ ኣብ ኣምላኽ እተመስረተት እምነት ጥራይ እያ ንኣምላኽ ከተርእየና ብቕዓት ዘለዋ እሞ ተስፋና ኩሉ ብኣምላኽ ይኹን።

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ከምቲ ዘማራይ ዝበሎ ተስፋይ ንስኻ ኢኻ። ብዘይ ብኣኻ ካልእ ተስፋ የብለይን እሞ ኩሉ እንምቶይ ኣባኻ የውድቖ ኣለኹ። ንስኻ ንዝእመኑኻን ንእተጸግዑኻን ዘይተሕፍር ኣምላኽ ኢኻሞ ኤመስግነካ ኣለኹ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments