ምንጪ ሓጎስና መን እዩ? [Sunday 8th Jan 2023]

Posted on 2023-01-08 · 920 · 16 · 0

122 resources uploaded

ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሐጐሱ፡ ደጊመ፡ ተሐጐሱ፡ እብል ኣሎኹ። ፊሊ.4:4

ምንጪ ሓጎስካ እንይ እዩ? "ምንጪ ሓጐሰይ ደኣ ክርስቶስ እዩ።" ዶ ትብል? ሰናይ በልካ። ብርግጽ'ውን ምንጪ ሓጎስና ጐይታ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ኣብዛ ዓለም ከሓጉሰካ ዝኽእል ኣዝዩ ብዙሕ ነገራት ስለዘሎ፡ ብርግጽ ምንጪ ሓጎስካ ጐይታ ምኻኑ ክተለሊ ቀሊል ኣይኮነን። ሃብቲ ስለ ዘሎና፡ ጽቡቕ ስራሕ ስለ ዘሎና፡ ጥዕና ዝለዘሎና፡ ጥዑይ ሓዳር ስለዘሎና፡ ምቹእ ናብራን ኣብ ምቹእ ሃገርን ብምንባርና፡ እንሕጎስ ሰባት ክንከውን ንኽእል ኢና። ስለዚ ኩሉ ነገራት ንኣምላኽ ምምስጋን ኣገዳሲ እዩ። እቲ ምንጪ ሓጐስና ግና ኣብዞም ነገራት ኣተሰረተ ክኸውን የብሉን።

ካብዚኣቶም ገለ ምስ ጎደለና ሓጐስና ዝጎድል እንተኾይኑ ጸገም ኣሎና ማለት እዩ። ንግዚኡ ክትሓዝንን ክትሻቐልን ንቡር እዩ። ሓጐስካ ምስኡ ክዓርብ ግና ናይ ጥዕና ኣይኮነን። መሰረን ምንጪ ሓጎስና ጐይታ ምኻኑ ንርእስና ከነዘኻኽር ኣሎና።

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ስለቲ ኩሉ ጽቡቕ ህያባትካ አመስግነካ ኣለኹ። ኣብ እዋን ምርካብ ይኹን ኣብ እዋን ምስኣን ንስኻ ምንጪ ሓጐሰይ ኢኻ እሞ ብኣኻ እሕጐስን ባህ እብልን ኣለኹ። ኣሜን!

0 comments