ክሳብ ክንደይ ተፈሊና ኣሎና? [Sunday 2nd Jul 2023]

Posted on 2023-07-02 · 604 · 0 · 0

122 resources uploaded

ፈርኦን ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ በረኻ ኽትስውኡሉ ኽሐድገኩም እየ።...ኣርሒቕኩም ደኣ ኣይትኺዱ፡ በለ። ዘጸ.8:28

ኣምላኽ ንህዝቡ ከገልግሎ እዩ ሓርይዎ። ስለዚ እዩ ድማ ንፈርኦን "ህዝበይ ከገልግለኒ ሕደጎ" ኢሉ ብሙሴ እተዛረቦ። ቃል ኣምላኽ ከምዝነግረና ድማ ፈርኦን ብኸምኡ ክሓድጎም ፍቓደኛ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ዝወረዶም ዓሰርተ መዓት ግና ሓደ ቕድመ-ኹነት ብምሃብ ክሓድጎም ፍቓደኛ ኮነ፣ "ምስዋእሲ ሰውኡ እንተኾነ ግና ኣብዛ ምድሪ ኮንኩም ሰውኡ እንበር ኣርሒቕኩም ኣይትኺዱ"። ሙሴ በዚ ኣይተሰማምዐን። ንኣምላኽ ክስውኡ ካብቲ ናይ ግብጺ ናብራ ኣርሒቖም ክኸዱ ከም ዘለዎም ኣርጊጹ ነገሮ። ከምኡ ድማ ገበሩ።

መብዛሕቲኡ እዋን ጸላኢ ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ ከይነምልኽ ኣይክልክለናን እዩ። እንተኾነ ግና ፍጹማት ኰይና ካብቲ ናይ ዓለም ነገራት ተፈሊና ከነምልኽ ኣይደልየናን እዩ። ስለዚ ድማ "ምምላኽሲ ኣምልኽ ነገር ግና ኣዚዩ ሃይማኖታዊ ምዃን ኣየድሊን እዩ። ካብ ሰብካ ኣዚኻ ኣይትፈለ፣ ምስ ከባቢኻ ተመሳሲልካ ንበር" እዩ ዝብለና። ስለዚ እዩ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ሓያሎ ሰባት ንእምነቶም ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ኣእትዮም ተመሳሲሎም ክነብሩ ዝፍትኑ። ኣምላኽ ግና ተፈለዩ እዩ ዝብለና እሞ ክሳብ ክንደይ ተፈሊና ኣሎና?

ጸሎት: ዎ ኣምላኽ ንዓኻ ከገልግልን ንዓኻ ከምልኽን ኢኻ ሓሪኻኒ እሞ ኤመስግነካ ኣለኹ። ነቲ እተፈጠርኩሉ ዓላማ ከይነብር ጸላኢ ንዝገብሮም ውዲታት ኣይክስሕቶምን እየ። ብኹሉ ነገረይ ንዓኻ ተፈልየ ክነብር ሃረርታ ልበይ እዩሞ ጸጋኻ ኣብዝሓለይ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments