ንዓለም ኣይንምሰላ [Sunday 25th Feb 2024]

Posted on 2024-02-25 · 504 · 0 · 0

122 resources uploaded

“...ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።” ሮሜ.12:2

ከም ናይ ኣምላኽ ሰባት ኣብዛ ምድሪ እንነብረሉ ዘሎና ምኽንያት ኩሉ ጊዜ ክንዝክር ኣሎና። እንተኾነ ግና ሓደ ሓደ እዋን ዋላኳ ካብ ዓለም ንኽንርሕቕ ኢልና ኣብ ገዳማት እንተ ዘይሰፈርና፡ ንዕኡ ዝመስል ህይወት ግና ንነብር ኢና። ኩሉ ነገርና ንሕናን ብንሕናን ጥራይ ንኸውን እሞ ኣብቲ ዘለናዮ ከተማ ናትና ገዳም ንሰርሕ። ንኸምኡ ተጸዊዕና እንተንኸውን ኔርና የሱስ “...ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኮንኩን ዝልምን ዘለኹ።” ኢሉ ኣይምጸለየን ኔሩ (ዮሃ.14:15)። ካብ ዓለም ኣይኮንናን፡ እንተኾነ ግና ንተልእኾ ኢና ኣብ ዓለም ንነብር ዘሎና።

በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ ኣብ ገለ እዋናት ንርእስና ናይ ዓለም ኮይና ንረኽባ። ወይ ድማ ካብ ዓለም ከም ዘይኮንና ክገልጹ ዝግብኦም ነገራት ኣባና ኣይርኣዩን። ኩሉ ውነናን ቀልብናን ጻዕርናን ብናይ ዓለም ነገራት ጥራይ ይኸውን። ንዘክር፡ ጃልባሲ ቦትኣ ኣብ ልዕሊ ማያት እዩ። ካብ ኣብ ምድሪ ትኸውን ኣብ ልዕሊ ማያት ክትኸውን ከላ እዩ ግርማ ዘለዋን ብዙሕ ተስልጥን። እንተኾነ ግና እቲ ማይ ኣብ ውሽጣ ክኣቱ እንተ ጀሚሩ ኣብ ሓደጋ ከምዘላ እዩ ዘርእየና። ሓያሎ ማይ እንተ ኣትይዋ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ዘይኮነት ትኸውንሲ ናብ ውሽጢ ማያት እያ ተንቆልቁል። ስለዚ ድማ ንሕና ምስ ዓለም ዘሎና ርክብ ከመይ ምዃኑ ነስተውዕልን ነተዓራርይን።

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጋሻን መጻእተኛን ምዃነይ እዝክር ኣለኹ። ካብ ዓለም ተፈልየን ርሒቐን ክነብር ዘይኮነስ ብርሃን ዓለምን ጨው ምድርን ክኸውን ኢኻ ፈጢርካንን ኣብዛ ምድሪ ተንብረንን ዘሎኻ እሞ፡ ብናይ ዓለም ነገራት ከይተዋሓጥኩ ንዓኻ እናኽበርኩ ክነብር ጸጋኻ ኣብዝሓለይ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments