ተስፋ ምድሓንና [Sunday 27th Aug 2023]

Posted on 2023-08-27 · 552 · 0 · 0

122 resources uploaded

ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ። 2ቈረ.5:21

ዕለት 5 ነሓሰ 2010 ኣብ ጥቓ ኮፒዮፓ ትብሃል ናይ ቺሊ ከተማ ዝርከብ ሳን-ሆሴ ዝበሃል ናይ ነሓስ ዕደና ጉድጓድ ዘጋጠመ ምፍራስ ኣቓልቦ ናይ ዓለምና ስሒቡ ኔሩ። ምኽንያቱ እቲ ሓደጋ ን33 ዓደንቲ ኣብ 700 ሜትሮ ዝዑምቀቱ ጉድጓድ ተደፊኖም ምውጽኢ ከም ዝስእኑ እዩ ጌርዎም ኔሩ። እዞም 33 ሰባት ባዕሎም ካብኡ ክወጽኡሉ ዝኽእሉ ዋላ ሓደ ዓቕሚ ኣይነበሮምን። ርግጸኛ እየ ንፍሲ ወከፍ ካልኢት ንዕኦም ናብ ሞት ትወስድ ስጉሚ እያ ኔራ። ኩሉ ተስፋኦም ኣብቶም ኣብ ልዕሊ መሬት ዘለዉ ከድሕንዎም ዝሕእሉ ክኢላታት ጥራይ እዩ ኔሩ። ድሕሪ ናይ 69 መዓልትን ለይትን ጻዕሪ ድማ ኣብ ዕለት 13 ነሓሰ ኩሎም እቶም ዓደንቲ ካብቲ ዝነበርዎ ናይ ሞት መጻወድያ ክድሕኑ ክኢሎም። ዘሐጉስ ናይ ዓወት ዜና ኮይኑ ድማ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ትነጊሩ።

እዚ ዘጋጠመ ታሪኽ ዓደንቲ ሓደ ነገር እዩ ዘዘኻኽርኒ። ንሱ ድማ ደቂ ሰባት ብሰንኪ እቲ ኣዳም ዝገበሮ ሓጢኣት ክንወጽኣሉ ኣብ ዘይንኽእል መጻወድያ ሓጢኣት ምእታውናን፡ ካብዚ ዓስቡ ሞት ዝኾነ ሓጢኣት ድማ ክንወጽኣሉ እንኽእል ሓይሊ ይኹን ዓቕሚ ዘይብልና ምኻኑን እዩ። እቲ ሓቀኛን እንኮን ክነምልጠሉ እንኽእል መገዲ ድማ እቲ ምእንታና ሓጢኣት ኮይኑ፡ ንዕዳና ብምኽፋል ካብቲ ዓስቢ ሓጢኣት ሓራ ኣውጺኡ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ፈራዲ ኩሉ ዓለም ዝኾነ ኣምላኽ ብጽድቂ ደው ክንብል ዘኽእለና የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። "እቲ ወዲ ዘለዎ ህይወት አላቶ፡ ወዲ ኣምላኽ ዜብሉ ህይወት የብሉን።" (1ዮሃ.5:12)

ጸሎት: ዎ ኣምላኽ ብበደለይን ብኣበሳይን ጥራይ ዘይኮነስ ብፍጥረተይ እውን ሓጥእ ክነሰይ ስለታ ዘፍቀርካኒ ዓባይ ፍቕርኻ ነቲ ሓደ ወድኻ በጃይ ብምሕላፍ ዕዳይ ከፊልካ ስለ እተዓረቕካንን ካብቲ ዝነበርክዎ ናይ ሓጢኣት ጉድጓድ ስለዘውጻእካንን ኤመስግነካ ኣለኹ። ምሉእ ዘመን ህይወተይ ድማ ካብ ሓጢኣት ርሒቐ ንዓኻ ምኽባር እዩ ምርጫይ እሞ ጸጋኻ ኣብዝሓለይ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments