ንኸንቱ ንጐዪ ከይንህሉ [Sunday 19th Mar 2023]

Posted on 2023-03-19 · 846 · 4 · 0

122 resources uploaded

...ምናልባሽ ንኸንቱ ኸይጐዪ ወይስ ጐይየ ኸይህሉ ኢለ፡ እቲ ኣብ ኣህዛብ ዝሰብኮ ወንጌል ነቶም ምርኡያት ኣብ በይኖም ገይረ ተዛረብክዎም። ገላ.2:2

ኣብ ሓደ ዓዲ ሓደ ሰታይ ሰብኣይ ኔሩ። ሓደ ምሸት ክሰቲ ድሕሪ ምምሳዩ ንገዛኡ ክኸይድ ናብቲ ጋምገም ገፊሕ ሩባ ገጹ ገስገሰ። ቤቱ ስግር ሩባ ስለ ዝነበር በታ ኣብቲ ገምገም ኣሲርዋ ዝነበረ ጃልባ ክሰግር ኔርዎ። ሰንከልከል እናበለ ናብታ ጀልባ ድሕሪ ምድያቡ ኣንፈቱ ናብ ገዝኡ ኣቕኒዑ ክጅልፍ ጀመረ። ከባቢኡ ግብ ዝበለ ጸላት ብምንባሩ ኣበይ ከም ዝበጽሔ ይፈልጥ እኳ እንተዘይነበረ የዒንቱ ናብቶም ስግር እቲ ሩባ ዝርእዮም ዝነበሩ ናይ ከባቢኡ መብራህቲ እናማዕደወ ምጅላፉ ቀጸለ። ሙሉእ ለይቲ ድሕሪ ምጅላፉ ድማ ኣብ ቤቱ ከይበጽሔ ጽሓይ ክትበርቕ ጀመረት። ብለይቲ ክወቕዖ ዝሓደረ ንፋስ ንስኻሩ ኣህፈፎ እሞ ቁሊሕ ቑሊሕ እንተበለ ወዮ ጃልባኡ ካብ ቦታኣ ነቕ ኣይበለትን ኔራ። ንድሕሪት ገጹ ቁሊሕ እንተበለ እታ ጀልባ ተኣሲራትሉ ዝነበረት ገመድ ካብቲ ሽኻል ስለ ዘይተፈትሔ ሙሉእ ለይቲ ጀጀሊፉ ዝኸዶ ርሕቐት በቲ ገመድ ተሳሒቡ ክምለሶ እዩ ሓዲሩ።

ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ ከም ዝሕብሮ እቲ ዝዓዮ ዝነበረ ዕዮ ከምቲ ምሉእ ለይቲ ክቐዝፍ ዝሓደረ ሰብኣይ ንኸንቱ ክይከውን ምስቶም መዓይይቱ ይላዘብን ይማኸርን ኔሩ። ንሕናኸ ንኩሉ ዕዮናን ጉያናን ከንቱ ክገብሮ ዝኽእል ወይውን ንድሕሪት ዝውጥጠና እስራት ገመድ ብድሕሬና ከይህሉ ንርእስና ንፍትሽዶ?

ጸሎት: ዎ ኣምላኽ ንዓኻ ከገልግልን ንዓኻ ክጐይይን እዩ ሃረርታይ። ነቶም ካብዚ ከታርፉኒ ይኽእሉ እዮም ዝብሎም ነገራት ኩሎም ካባይ ይቖርጾም ኣለኹ። ነቶም ዘየለለኽዎም መታርፍትን ዘድክሙኒ ነገራትን ድማ ንስኻ ከተርሃለይ እጽሊ ኣለኹ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments