ላማ ሰበቕታኒ [Monday 3rd Apr 2023]

Posted on 2023-04-03 · 873 · 1 · 0

122 resources uploaded

ብታስዐይቲ ሰዓት የሱስ፡ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቅታኒ? ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ። እዚ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ? ማለት እዩ። ማቴ.27:46

መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ ቅድሚ ስቕለቱ ንደቀመዛሙርቱ ሒዙ ናብ ጌተሴማኔ ዝበሃል ቦታ ምስ ወሰዶም ኣብኡ ነፍሱ ክሳዕ ሞት ከም ተሰቀየት ይነግረና። "ፍቓድካ እንተ ኾይኑ እዛ ጽዋእ ኻባይ ትሕለፍ" እውን ኢሉ ኔሩ። ጻዕረ ሞት ሒዝዎ ርሃጹ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ክሳዕ ዝወርድ ዝጨንቆ ዝነበረስ እንታይ እዩ? እቲ መግረፍትን፣ ስዒቡ ዝመጽእ ምሽንካር ኣእዳዉን ኣእጋሩንዶ ይኸውን? እዚታት ኩሉ ስጋዊ ስቅያት እዩ። እቶም ምስኡ እተሰቕሉ ከተርቲ እውን ብሰሪ ኣበሳኦም ነዚ ስጋዊ ስቅያት ረኺቦሞ እዮም። ስለዚ የሱስ ክንዮ እቲ ስጋዊ ስቅያት ዝጠዓሞ ነገር ኔሩ እዩ። ንሱ ድማ ንሓጢኣትና ኣብ ዝባኑ ምጻሩ እዩ።

ብዙሕ ጊዜ ኸመይ ኢሉ እቲ ንሓጢኣትና ኣብ ዝባኑ ምጻር ዓቢ ስቅያት ከም ዘምጽኣሉ ክትርድኦ ዘጸግም እዩ? ካብተን የሱስ ኣብ መስቀል ኮይኑ እተዛረበን ሸውዓተ ዘረባታት ግና ሓንቲኤን ነዚ ነገር እዚ ተብርሆ እያ። ንሳ ድማ "ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቅታኒ? "ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ?" እትብል እያ። ንየሱስ እቲ ዝዓበየ ስቓይ ኣምላኽ ክሓድጎ ከሎ እዩ። ሃዋርያት ክሓድግዎ ከለዉ ጸገም ኣይነበሮን። ነቶም ብሰንኪ ሓጢኣትና ካብ ኣምላኽ ርሑቃት ዝነበርና ናብ ኣምላኽ ከቕርበና ኢሉ ዝባን ኣቦኡ ክርኢ ግና እቲ ዝዓበየ ስቓይ እዩ። ነዚ ስቓይ ክጸውር ፍቓደኛ ብምዃኑ ድማ ንዓና ናብ ኣምላኽ ከቕርበና ከኣለ።

ጸሎት: ዎ የሱስ ብሰንኪ ሓጢኣተይ ካብ ኣምላኽ ርሑቕ ዝነበርኩ ናብ ኣምላኽ ከተቕርበኒ ኢልካ ምእንታይ ክትስቀል ስለ ዝመረጽካ ኤመስግነካ ኣለኹ። ኣነ ምስ ኣምላኽ ተዓሪቐ ብህይወት ክነብር ኢላካ ስለይ ስለ ዝሞትካ ብምሉኡ ዘመን ህይወተይ ስሌኻ ክነብር እውስን ኣለኹ። ኣሜን!

0 comments