ሓድሽ መደብ ኣብ ሓድሽ ዓመት [Sunday 31st Dec 2023]

Posted on 2023-12-31 · 818 · 1 · 2

122 resources uploaded

ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ሃቐና ኣሎ፡ ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና እዩ ጸኒዑ ዚነብር። ምሳ.19:21

ጊዜ ሓደ ካብቲ ንደቅሰባት እተውሃበ ህያብ እዩ። ንነገራትና ድማ ብጊዜ ኢና ንዕቅኖ። በብግዚኡ መደባት ንሕንጽጽ፡ ገምጋም ድማ ንገብር። ዋላ እኳ መደባት ኣብ ዝኾነ እዋን ክሕንጸጽ ዝኽእል ነገር እንተኾነ ኣብ ሓድሽ ዓመት ሓድሽ መደብ ምሕንጻጽ ኣዝዩ ዝውቱር ነገር እዩ። ኣብዛ ዓመት እዝን እዝን ክገብር እየ ኢልና ድማ ንውጥን። ነቲ ዝወጠንናዮ ንኽንበጽሕ ድማ ላዕልን ታሕትን ንብል።

ኣብ ሓድሽ ዓመት ሓድሽ መደብ ምሕንጻ ሰናይ እዩ። እንተኾነ ግና መደብ ክንሕንጽጽ ከሎና ክንዝንግዖ ዘይብልና ነገር ኣሎ። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብለና፡ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ። ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ፍራህ፡ ካብ ክፉእ ከኣ ርሐቕ። እዚ ንሕምብርትኻ ፈውሲ ነዕጽምትኻውን ኣንጕዕ ኪዀነካ እዩ።” ምሳ.3:5-8 ከመይሲ ዋላ እኳ ብዙሕ ንሃቅን እንበር እቲ ጸኒዑ ዝነብር ምኽሪ እግዚኣብሄር እዩ።

ጸሎት: ዎ ኣምላኽ ብሳህልኻ ደጊፍካ ነዛ ሓዳስ ዓመት ስለዘብጻሕካኒ ኤመስግነካ ኣለኹ። ኣብዛ ሓዳስ ዓመት ዝመደብክዎ መደባት ኩሉ እተጽንዖ ንስኻ ኢኻ እሞ ኣብ ሓይለይን ክእለተይን ዘይኮነስ ኣባኻ እእመንን እውከልን ኣለኹ። ብስም የሱስኣሜን!

2 comments

Thanks Mike. Bless you too

Great Job Ermias hawey. My God Bless You Abandently. Hawka Michael Habteyonas, Canada.