ኲሉ ኸም እትኽእል፡ ነቲ ዝመደብካዮ ኸኣ ዚኽልክለካ ኸም ዜልቦን፡ እፈልጥ ኣሎኹ። (እዮ.42:1)
"ንኣምላኽ ዘደንቖ ወይ ሃንደበት ዝኾኖ ነገር የልቦን። ንመደቡ ክዕንቅፎ፣ ንዕላማኡ ድማ ከፍርሶ ዝኽእል የልቦን። ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ዝብሃል ነገር እውን የልቦን። ልኡላውነቱ ፍጹም እዩ። ኩሉ ነገር ዝፍጸም ብናቱ ብይን ጥራይ እዩ። ልኡላውነት ኣምላኽ መርሚርና ክንርድኦ ዝግብኣና እንተሃልዩ ሓደ ነገር እዩ፣ ንሱ ድማ ፍጹም ዕጋበት ዝርከብ ሃቐና ኣምላኽ ብምፍላጥ ዘይኮነስ፣ ባህሪኡ ብምርዳእ፣ ንተስፋታቱ ብምእማን፣ ብኩለንተናኻ ኣብኡ ብምውካልን ብእኡ ብምዕራፍን ጥራይ ምኻኑ እዩ። ከመይሲ ንሱ ዝገብሮ ዝፈልጥን ንኹሉ ድማ ጽቡቕ ዝገብረ ልዑል ኣምላኽ ስለዝኾነ።"
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዋ ብ1967 ዓ.ም. ብሰንኪ ዘጋጠሞ ሓደጋ ካብ ክሳዱ ንታሕቲ ዝለመሰ ጆኒ ኤሪክሰን ታዳ እተዛረቦ እዩ። ብድሕሪ እዚ ጆኒ ኣገልግሎቱ ንስንኩላን ምብጻሕ ኮነ።
ጆኒ ልክዕ ከም እዮብ ልኡላውንተ ኣምላኽ ብደንቢ እተረድኦ ሰብ እዩ። ንሕና'ውን ከምኡ ኩሉ ጊዜ ትውክልትናን ዕረፍትናን ኣብ ልኡላውነት ኣምላኽ ኣተመስረተ ክኸውን ኣለዎ።
ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ብርግጽ ኣብ ልዕለይ ዘሎካ ዕላማን መደብን ከፍርሶ ዝኽእል የልቦን። ኵሉ ስለ እትኽእልን ነቲ ዝመደብካዮ ኸኣ ዝኽልክለካ ስለ ዘየልቦ ብኣኻ እዓርፍ ኣለኹ። ብስም የሱስ ኣሜን!