ዝምችወካ ጊዜ ምጽባይ [Sunday 21st Jan 2024]

Posted on 2024-01-21 · 646 · 0 · 0

122 resources uploaded

ብናይ ጽድቅን ንጽህናን ብናይቲ ዚመጽእ ፍርድን ምስ ነገሮ ግና፡ ፌሊክስ ሰምቢዱ፡ ሕጅስ መገድኻ ኺድ፡ ብዝምችወኒ ጊዜ ኽትመጸኒ ኽልእከልካ እየ፡ ኢሉ መለሰሉ። ግብ.24:25

ኣብዚ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እነንብቦ ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ እንከሎ፡ ፌሊክስ እቲ ልኡል ራእሲ ምስታ ኣይሁዳዊት ድሩሲላ ሰበይቱ ንጳውሎስ ሓያሎ መዓልቲ ልኢኹ ብምጽዋዕ፡ ብዛዕባ እምነት ብክርስቶስ የሱስ ይሓቶ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ግና ብዛዕብ ጽድቅን ንጽህናን ከምኡ’ውን ዝመጽእ ፍርድን ካብ ጳውሎስ ምስ ሰምዔ በቲ ጉዳይ ተሰናቢዱ “ምስማዕ ይኣኽለኒ፡ ንዓይ ኣብ ዝምችኣኒ ጊዜ ክጽውዓካ እየ እሞ ሽዑ መሊስካ ትነግረኒ።” ከም ዝበሎ ንነብብ። ፌሊክስ ንጉዳይ ጽድቅን ዚመጽእ ፍርድን ዝምችኦ ጊዜ ከናዲ እዩ ፈቲኑ። እንተኾነ ግና ገለ ናይ ታሪኽ ጽሑፋት ከም ዝነግሩና ፌሊክስ ዝምችኦ ጊዜ ከይረኸበ እዩ ዘመን ህይወቱ ኣብቂዑ።

ቃል ኣምላኽ መዓልቲ ምድሓን፡ ዝምችኣና እዎን እንጽበየላ ጉዳይ ዘይኮነስ፡ ሕጂ ምዃና እዩ ዝነግረና። መዓልቲ ምድሓን ጥራይ ዘይኮነ ግና ንኣምላኽ እነገልግለሉ እዋን እውን እንተኾነ ዝምችኣና ጊዜ እንጽበየሉ ጉዳይ ኣይኮነን። ኣነ ንባዕለይ ኣብ ዘመን ህይወተይ፡ ከዚኣ ምስ ገበርኩ ብድሕሪኡ ኣገልግሎት ክጅምር እየ ዝበልኩሉ እዋናት ይዝከረኒ።

ኣብ ከምዚ ምስ በጻሕኩ ንኣምላኽ ከገልግል እየ፡ እዚ ምስ ዛዘምኩ ንኣምላኽ ከገልግል እየ፡ ብዝብሉን ብካልኦት ተመሳሰልቲ ነገራትን ተኣሲርካ ንኣምላኽ ካብ ምግልጋል ጎዲልካዶ ኣሎኻ? ኣስተብህል! ዓቢ ኣገልግሎት ወይ ንእሽቶ ኣገልግሎት ዝበሃል የልቦን። ስለዚ ኣብታ እተኸፈተትካ ደገ እሙን ብምዃን ከተገልግል ጀምር እሞ ኣምላኽ ድማ ምቹእ እዋንን እኹል ጸጋን ክህበካ እዩ። እንተዘይኮነ ምቹእ እዋን ትጽበ እንተሃሊኻ ኣይክመጽኣካን እዩ።

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ዘመን ህይወተይ ኩሉ ካባኻ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ካሊኢት እውን ብጸጋኻ እየ ዝሓልፎ ዘለኹ። ንዓኻ ከገልግል ንዝኸፈትካለይ ደገ ከስተብህል ርድኣኒ። ኣብታ ዝኸፈትካለይ ደገ እሙን ካይነ ከገልግለካ ድማ ቃል እኣቱ ኣለኹ እሞ ጸጋኻ ኣብዝሓለይ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments