እታ መገዲ ኣየነይቲ እያ? [Sunday 19th Feb 2023]

Posted on 2023-02-19 · 892 · 1 · 0

122 resources uploaded

ቶማስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ናበይ ከም እትከይድ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ነቲ መገዲኸ ኸመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ፡ በሎ። ዮሃ.14:5

ኣብ ዮሃንስ ወንጌል ምዕራፍ 14 ከም እንርእዮ: የሱስ ንደቀ-መዛሙሩ ከም ዝኸይድን ስፍራ ከም ዘዳልወሎምን ንሳቶም ድማ ናብቲ ንሱ ዝኸዶ ከም ዝመጹን ምስ ነገሮም: ቶማስ ሓደ ዓቢ ሕቶ ክሓቶ እንከለዉ ንርኢ። ንሱ ድማ “ናበይ ኢኻ ትኸይድ? በየን እዩኸ እቲ መገዲ?” ዝብል እዩ ኔሩ። እዚ ሕቶ እዚ ነፍሲ-ወከፍና ኣብ ጉዕዞ ህይወትና እንሓቶ ሕቶ እዩ። በየን ክኸይድ? ኣበይ ክነብር? ኣበይ ክሰርሕ? ምስ መን ሓዳር ክገብር? ወዘተ ዝኣመሰሉ ሕቶታት ኩሉ ጊዜ እዮም ኣብ ህይወትና ዝጭርሑ።

ሓደ መንእሰይ ብዕድመ ንዝደፍኡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ሕቶታት ጥቕልል ኣቢሉ “ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ህይወተይ ከመይ ኢለ ክፈልጦ እኽእል?” ኢሉ ሓተቶም። እቶም ኣገልጋሊ ኣምላኽ ድማ “ንክርስቶስ ብምሉእ ልብኻ ኣፍቕሮ: ብድሕሪኡ ንልብኻ ባህ ዝብሎ ግበር። ከመይሲ እቲ ብምሉእ ልብኻ ዘፍቀርካዮ መገዲ ዝኾነ ክርስቶስ ንልብኻ ብፍቓዱ ክመልኦ እዩ። ሓንትስ ብምሉእ ልብኻ ጥራይ ኣፍቕሮ።” ኢሎም መለሱሉ። ኣብ ጉዕዞ ህይወትና እቲ ዘድልየና ነገር ናይ መገዲ ሓበሬታ ዘይኮነስ እቲ መገዲ ዝኾነ የሱስ እዩ። “የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ።...በሎ።” ዮሃ.14:6

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ስለ እቲ ናባኻ ዘብጽሓኒ መገዲ ዝኾነ የሱስ ክርስቶስ ኤመስግነካ ኣለኹ። ንዕኡ ኣብ ህይወተይ ከንግሶ እየ እሞ ኩሉ ድሌት ልበይ ብፍቓድካ ምልኣዩ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments