ስለምንታይ ሰባት ይጎድኡኒ? [Sunday 17th Mar 2024]

Posted on 2024-03-17 · 652 · 0 · 0

122 resources uploaded

ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም ውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ቈሎ.3:13

ሓደ ጊዜ ከምዚ ትብል ጥቕሲ ኣንቢበ፡ “ምስ ሰብን ብዘይ ሰብን ምንባር ከቢድ እዩ።” ሓቅነት ዘለዋ ብሂል እያ። ክንዝንግዖ ዘይብልና ነገር ግና ሓድ ካብቶም ሰባት ገዛእ ርእስና ምዃኑ እዩ። ንዓና ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ሰባት ምንባር ዝኸብደና፡ ሰባት’ውን ምሳና ክነብሩ ክኸብዶም ከም ዝኽእል ክንዝክር ኣሎና። እቲ እንኮ ምኽንያት ድማ ሰብ ብባህሪኡ ሓጥእ ስለ ዝኾነ እዩ። ሰባት ብኣና ንኽሓዝኑ ጻዕሪ ኣየድልየናን እዩ። ኣምላኽ ረዲኡና ንኻልኦት ካብ ምጉሃይ እናተቖጠብና ክነስና ግና ካልኦት ሰባት ክጎድኡና ከለዉ ኣዚዩ እዩ ዘሕምም። እሞ ደኣ እንታይ ንግበር?

ቀዳምነት፡ ምሕረት እተዓደልና ሰባት ምዃንና ንዘክር። ኣዝዩ ብዙሕ ምሕረት እኳደኣ። እዚ ድማ በረኸት እዩ። ካብ ኣምላኽ እተቐበልናዮ በረኸት ድማ ንኻልኦት ከነካፍል ግድን እዩ። ብዘካፈልናዮ መጠን ድማ ካዕበት በረኸት ንቕበል። እዚ ነንዕለቱ ካብ ኣምላኽ እንቕበሎ ዘሎና ናይ ምሕረት በረኸት ደኣ ከመይ ኢልና ኢና ንኻልኦት ንዕድሎ? ዝብድለና ሰብ ምስ ረኸብናዶ ኣይኮነን? ስለዚ ሰባት በዲሎምና ኢልና ካብ ኣዚና ብጓሂ እንምላእ “ዝምሕሮ ሰብ ረኺበ” ኢልና ምሕረትና ምዕዳል ንምረጽ። “መሓርቲ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም።” ማቴ.6:10

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ብባህሪየይ ሓጥእ ዝነበርኩ ምሕረትካ ዓዲልካ ሓድሽ ሰብ ጌርካኒ ኢኻ እሞ ኤመስግነካ ኣለኹ። ኣሕዋተይን ኣሓተይን ምስ ዝብድሉኒ ነቲ ዝሃብካኒ ምሕረት ዝዕድለሉ ባይታ ምርካበይ እንበር ዘጉሂ ነገር ከም ዝረከብኩ ጌረ ንኸይርድኦ ጸጋኻ ኣብዝሓለይ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments