ማዕበል ህይወት [Sunday 31st Mar 2024]

Posted on 2024-03-31 · 646 · 0 · 0

122 resources uploaded

እታ ጃልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ምስ በጽሔት ግና፡ ንፋስ ብቕድሚኣ ነበረ እሞ፡ ብማዕበል ትጭነቕ ነበረት። የሱስ ባሕረ ባሕሪ እናኸደ፡ ብራብዓይ ምቃል ለይቲ መጾም። ማቴ.14:24-25

ሓደ እዋን የሱስ ንልዕሊ 5,000 ሰባት መጊቡ ምስ ወድኤ ክሳብ ዘሰናብቶም ንደቀመዛሙርቱ ናብ ማዕዶ ባሕሪ ሓሊፎም ክጸንሕውዎ ሓበሮም። እዋኑ ለይቲ እዩ ኔሩ። ኣብ ማእከል ባሕሪ እንከለዉ ድማ ማዕበል ከናውጾም ጀመረ። እዚ ጉዕዞ ናይ ሃዋርያት ኣብ ገለ እዋን ናይ ህይወትና ጉዕዞ ኮይኑ ኢና እንረኽቦ። ጐይታ ናብዚ ኪድ፡ ወይ ድማ እዚ ግበር ኢሉ ኣንፈት ይህበካ እሞ ክትከዶ ወይ ክትገብሮ ጀሚርካ ኣብ ሞንጎ ምስ በጻሕካን ይመስየካ። ነገራት ይጽልምቱኻ። መዓስ እዚ ጥራይ ማዕበላት እውን ከናውጹኻ ይጅምሩ፡ ቁሊሕ ቁሊሕ እንተበልካ ድማ እቲ ዝለኣኸካ ምሳኻ የለን። ኣብዚ ከምዚ ህሞት “እንበርዶኸ ኣብቲ ቅኑዕ መገዲ እየ ዘለኹ? እንበርዶኸ ዝገብሮ ዘለኹ ትርጉም ኣለዎ እዩ?”...ዝብሉ ሕቶታት ብዘይ ምኩራጽ እዮም ናብ ኣእምሮኻ ዝውሕዝዙ።

እቲ ዝለኣኸና እሙንን ንረድኤት ፍጡንን ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ኩሉ ማዕበላትና እናረገጸ ነቲ ጸልማትና እውን እናብርሄ ስለ ዝመጽእ ብእምነት ኣብ ቦታና ጸኒዕና ንጸበዮ። ሓንትስ ናብቲ ኪዱ ዝበለና ኣንፈት ጥራይ ነቕንዕ።

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ንስኻ እሙን ኢኻ። ናብቲ ዝበልካኒ ክኸይድ፡ ነቲ ዝኣዘዝካኒ ድማ ክገብሮ እየ። ስለዚ ድማ ኩነታት ብዘየገድስ ንስኻ ንኹሉ ማዕበላት እተህድእን ንጸልማት እተብርህን ኣምላኸይ ስለ ዝኾንካ ብኣኻ ንልበይ የዕርፎ ኣለኹ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments