ለውጢ ተምጽእዶ? [Sunday 17th Dec 2023]

Posted on 2023-12-17 · 858 · 1 · 0

107 resources uploaded

ፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እሞ፥ እቲ፡ ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፉ፡ የሱስ፡ ወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት፡ ረኺብናዮ፡...ንዓ ርኤ፡ በሎ። ዮሃ.1:44-45

ሎረን ኢስለይ(1907–1977) ከምዚ ትብል ዛንታ ጺሒፉ። ሓደ ሰብኣይ ብገማግም ባሕሪ እናኸደ ከሎ ሓደ መንእሰይ ባሕሪ ገፊዑ ንዘውጽኦም ኮኾብ ባሕሪ (Starfish) ኣለልዒሉ ናብቲ ባሕሪ ክድርብዮም ከለዉ ምስ ረኣየ "እንታይ ትገብር ኣሎኻ?" ክብላ ሓተቶ። እቲ መንእሰይ ድማ "እዞም ኮኾብ ባሕሪ ኣብዚ ገማግም እዮም ዘለዉ፣ እቲ ባህሪ ድማ ይገይሽ እዩ ዘሎ፣ ናብቲ ባሕሪ እንተ ዘይኣትዮም ክሞቱ እዮም፣ ስለዚ ናብቲ ባሕሪ የእትዎም ኣለኹ።" በሎ። እቲ ሰብኣይ እናሰሓቐን ነቶም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኮኾብ ባሕሪ ብምምልካት "ብዝሖም እስኪ ርኣዮ? ብዘይካ እዚኦም ድማ ኣብ ፍቖዶ ገማግም ባሕሪ ማእለያ ዘይብሎም ካብ ባሕሪ ተገፊዖም ዝወጽኡን ዝሞቱን ኣለዉ። ስለዚ ተምጽኦ ለውጢ የብልካን እሞ እንተሓደግካዮ ይሕሸካ።" በሎ። እቲ መንእሰይ ፍሽኽ ኢሉ ሓደ ካብቶም ኮኾብ ባሕሪ ኣልዒሉ ናብቲ ባሕሪ ድሕሪ ምድርባዩ "ኣብዛ ዝደርበኽዋ ግና ለውጢ ኣምጺኤ ኣለኹ።" በሎ።

ኣብዚ እዋን እዚ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ብኽሕደት ተመሊኦብ ብሰንኪ ገንዘብ፣ ስልጣን፣ ምዕባለን ፍትወት-ርእስን ካብቲ ምንጪ ህይወት ዝኾነ ኣምላኽ ተፈልዮም ናብ ናይ ዘልኣለም ሞት ክጓዓዙ ክትርኢ ከሎኻ ለውጢ ንምምጻእ ተስፋ ከቑርጸካ ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግና እቲ ኣባኻ ዘሎ ጸጋ ንሓደ ሰብ ናብ ክርስቶስ ንምምላስ ኣኺሉ ዝተርፍ እዩ እሞ ህይወት ሓደ ሰብ ክትልውጥ ተለዓል።

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ንብምልኣ ዓለም ክልውጥ ከም ዘይክእል እፈልጥ እየ። ነቲ ምሳይን ኣብ ጥቓይን ዘሎ ክሕደት፡ ፍትወት-ርእስን ምዕባለን ገፊዑ ካባኻ ዘርሓቖን ናብ ጥፍኣልት ዝጓዓዝን ዘሎ ብጻየይ ናባኻ ክመልሶ ግና ይከኣል እዩ እሞ ኣብ በብእዋኑ ንሓደ ሰብ ክልውጥ ጸጋኻ ኣብዝሓለይ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments