ዳሕሮት መዓልቲ [Sunday 7th Jan 2024]

Posted on 2024-01-07 · 806 · 1 · 0

122 resources uploaded

ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። 2ጢሞ.3:1

ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓንቲ ካርቱን ሪኤ። ከምዚ ትብል፡ ሓደ ቆልዓ ነብኡ “ኣቦ ሰብ ካብ ህበይ እዩ መጺኡ ዝበሃል ሓቂ ድዩ?” ኢሉ ሓተቶ። ኣቦ ድማ “ኣታ ካብ ዝመጽኦ ይምጻእ...ናበይ ገጹ ይኸይድ ከመዘሎ እዩ ጠፊኡና ዘሎ።” ኢሉ መለሰሉ። ኣብዚ እዎን እዚ ህድእ ኢልና እንተ ተዓዚብና ብርግጽ’ውን ወዲ ሰብ ናበይ ኣንፈቱ ይኸይድ ምህላዎ ክትርድኦ ኣጸጋሚ እዩ ኾይኑ ዘሎ። ምዕባለ ኣብ ጠርዙ ዝበጽሔ ኮይኑ እዩ ዝስመዓካ። ማሕበራዊ ህይወት ድማ ብላዕሊ ላዕልን ኣምስሎን ጥራይ ኮይኑ፡ ሰብ ንርእሱ ብዝጥዕሞ እንበር ብዛዕባ ካልኦት ግዲ ከይገበረ ዚነብረሉ ዘመን ኢና በጺሕና። ናትና ኣካይዳኸ ከመይ እዩ?

ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብለና፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀተልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡ እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘልዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጕ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኵሉ ሳዕ ዚምሃራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ።” 2ጢሞ.3:1-7

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ኣብዚ ዳሕሮት መዓልትን ክፉእ ዘመንን ንዓኻ እናኽበርኩ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ዘይኮነስ ንኻልኦት እናሓለኹን ምስ ኩሉ ብፍቕሪ ክመላለስን እዩ ምርጫይ እሞ ጸጋኻ ኣብዝሓለይ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments