ሓላፍነት ሓድሕድና [Sunday 29th Oct 2023]

Posted on 2023-10-29 · 543 · 0 · 0

107 resources uploaded

ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀልኹም። 1ጴጥ 4.8

ፍቕሪ ካብቶም ንሕብረት ዜቑሙ ቀንዲ ኣዕኑድ ሓደ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ቃል ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድና ሃልሃል ዝብል ፍቕሪ ክህልወና ዝነግረና። ማሕበር ክርስቶስ ሓደ ኣካል እያ። ኣብ ንሓድሕድና ፍቕሪ ምስዝህሉ ድማ ሕብረትና ናብ ፍጽምና እናዓበይ እዩ ዝኸይድ። ብተወሳኺ ቃል ኣምላኽ ብዙሕ ኣብ ንሓድሕድና ክንገብሮ ዘሎና ነገራት ይነግረና እዩ። ገለ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጥቃስ፡-

ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ። ንሓድሕድኩም ኣይተጕረምርሙ፡ ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ፡ ንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ፡ ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ፡ ንሓድሕድኩም ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሃሉ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተጸዋወሩ፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም ይቕረ ተባሃሃሉ፡ ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን መንፈስ ይምላእኩም፡ ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ፡ ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ ይቕረ ተባሃሃሉ፡ ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ ንሓድሕድኩም ተጻናንዑ፡ ንሓድሕድኩም ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ፡ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ኣይትግበሩ፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓማመዩ፡ ንሓድሕድኩም ኤህ ኣይትበሉ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ፡ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ፡ ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ፡ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ፡ ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ፡ ትሕትና ተዐጠቑ። በዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ነገራት ንህይወትና ብኸመይ ንመዝና?

ጸሎት: ዎ ኣምላኽ ምስ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዘሎኒ ዝምድና ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ከምዚ ቃልካ ዝብለኒ ዘሎ ነሕዋተይን ኣሓተይን እቲ ክገብሮ ዝግብኣኒ ኩሉ ክገብር ጸጋኻ ኣብዝሓለይ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments