ናይ ልደት ህያብ [Sunday 24th Dec 2023]

Posted on 2023-12-24 · 659 · 1 · 0

122 resources uploaded

ናብ ቤት ኣትዮም፡ ነቲ ሕጻን ምስ ማርያም ኣዲኡ ረኣይዎ፡ ፍግም ኢሎም ድማ ሰገድሉ። ሳጽኖም ከፊቶም ከኣ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጸበረኸት ሀብዎ። ማቴ.2:11

ኣብ እዋን ልደት ህያባት ምልውዋጥ ሕደ ካብቲ ልሙድ ተግባር እዩ ኮይኑ። መበገሲ ናይዚ ልምዲ እዚ ብርግጽ ከምዚ እዩ እኳ ክበሃል እንተ ዘይተኻእለ ገለ ገለ ሰባት ምስቲ ሰብ ጥበብ ነቲ ህጻን ዘምጽኡሉ ህያብ የተሓሕዝዎ እዮም። እቶም ሰብ ጥበብ ካብ ምብራቕ ሓያሎ መገዲ ተጓዒዞም ነቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ህያብ ክህብዎ እዮም ናብ የሩሳሌም መጺኦም። ንንግስነቱ ዝገልጽ ህያብ ወርቂ፡ ንክህንነቱ ዝገልጽ ህያብ ዕጣን፡ ንስቅያቱ ዝገልጽ ህያብ ድማ ከርበ ኣምጽኡሉ።

ናይ ልደት ህያብ ተቐቢልና ክንከውን ንኽእል ኢና፡ ወይ ውን ዘይተቐበልና ክንከውን ንኽእል ኢና። በዚ ኾነ በቲ ግና ሓደ ክንዝንግዕ ዘይግብኣና ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ፡ እቲ ዝዓበየ ህያብ ልደት እቲ ኣምላኽ ምእንቲ ሓጢኣትና በጃ ክሓልፍ ኢሉ ዝለኣኾ የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ እዩ። ስለዚ ህያብ ክንህብ ይኹን ክቅበል ከሎና ነቲ ዝዓበየ ካብ ኣምላኽ እተቐበልናዮ ህያብ ክንዝንግዕ የብልናን። ናቱ ምላሽ ድማ ህይወትና ንዕኡ ክንውፊ ኣሎና።

ጸሎት: ዎ ኣምላኽ ዝዓበየ ህያብ ልደት እቲ ካባኻ እተቐበልክዎ ወድኻ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ብእኡ ድማ ህይወት ምስ ተረፉ ስለ ዝረኸብኩ ኤመስግንካ ኣለኹ። ነዛ ዝሃብካኒ ህይወት ድማ ንስኻ ክትከብረላ ንዓኻ እውፍያ ኣለኹ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments