ስድራቤት ኣምላኽ [Sunday 19th Nov 2023]

Posted on 2023-11-19 · 767 · 0 · 0

122 resources uploaded

ርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሃል፡ እቲ ኣቦ ከመይ ዝበለ ፍቕሪ ሃበና? ከምኡ ውን ኢና። 1ዮሃ.3:1

መስራቲ ስድራቤት ሰብ ኣይኮነን። ሓዳር ጌርና ስድራቤት ንመስርት ዝበለውን ሰብ ኣይኮነን። ኣምላኽ እዩ ንስድራቤት ዝመስረተ። ስድራቤት ድማ መሰረት ናይ ሕብረተሰብ እዩ። ጥዑይ ስድራቤት ጥዑይ ሕብረተሰብ ይምስርት። ስለዚ እዩ ቃል ኣምላኽ ጽቡቕጌሩ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ስድራቤት ሓላፍነት እንታይ ምዃኑ ክምህረና ዘድለዮ።

እቲ ዘገርም ግና ኣምላኽ ንደቂሰብ ናይ ስድራቤት ስርዓት ምምስራቱ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ኣምላኽ ንደቂሰብ ብሞት ወዱ ጌሩ ናብ ኣባልነት ስድራቤቱ ምዕዳም እዩ። ነዚ ሓቂ እዚ ሪክ ዎረን ኣብ “ብዕላማ ትምራሕ ህይወት” እትብል መጽሓፉ ከምዚ ብምባል ጽቡቕ ጌሩ ገሊጽዎ ኣሎ፡ “ብክርስቶስ ምእማን ምስ ጀመርና፡ ኣምላኽ ኣቦና ይኸዉን። ንሕናውን ኣወዳቱን ኣዋልዱን። ካልኦት ኣመንቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ይዀኑ፡ ቤተክርስትያን ድማ መንፈሳዊት ቤትና ትኸውን። ስድራ ቤት ኣምላኽ ንኹሎም እቶም ዝሓለፉን ዘለዉን ዚመጹ ኣመንቲ ተጠቓልል።”

ስለዚ ክሳብ ክንደይ ኢና ብክርስቶስ ንዝኣምን ዘበል፡ ኩነታቱ ብዘየገድስ ሓውና ምዃኑ እንርዳእን ከም ሓውና ክንገብረሉ ዝግብኣና ነገራት እንገብርን?

ጸሎት: ዎ ኣምላኽ ብሞት ወድኻ ናብ ስድራቤትካ ስለ ዝጸንበርካኒ አመስግነካ ኣለኹ። ኣብ ቤትካ ዘሎኒ ሓላፍነት ብግቡእ ተረዲኤ ምስ ኩሎም ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብፍቕሪ ክነብር ንዓኻ እናኽበርኩ ክመላለስን እዩ ምርጫይ እሞ ጸጋኻ ኣብዝሓለይ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments