ምሕረት [Sunday 18th Jun 2023]

Posted on 2023-06-18 · 854 · 1 · 0

122 resources uploaded

መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ማቴ.5:7

ሰባት ንበዳሊኦም ምሕረት ክልግሱ ክርኢ ከለኹ፡ ገለ ነጸብራቕ ባህርያት ኣምላኽ እዩ ዘርእየኒ። እዚ ድማ ነቲ ኣምላኽ ንኸምዚ ከማይ ሓጥእ ዝገበሮ ምሕረት የዘኻኽረኒ። እንተኾነ ግና ንዝበደለካ ምሕረት ምግባር ቀሊል እዩ ማለት ኣይኮነን። ገሌና በዲሉና ምሕረት ንዝሓተተ ምሕረት ገይረሉ እየ፡ ድሕሪ ደጊም ግና ምስኡ ዝኾነ ርክብ ኣይደልይን እዩ፡ ብምባል ናይ ምሕረት ተግባርና ከነርኢ ንፍትን። እዚ እቲ ኣምላኽ ከነርእዮ ዝደልየና ዓይነት ምሕረት ኮይኑ ኣይስምዓንን።

ካብ ዘንበብክዎ፡ እቲ ንሊቼ ዝመሃዘ፡ ቶማስ ኤድሰን፡ ዝገበሮ ናይ ምሕረት ተግባር ከዕልለኩም። ቶማስ ክርስትያን እየ ኢሉ ዝኣወጀ ሰብ ኣንይነበረን። ኣብ ሓደ እዋን ንምሕረት ብተግባር ኪገልጾ ከሎ ግና ካብ መብዛሕቴና ኣመንቲ ክርስትያናት ኣዕዚዙ ዝተረድኦ ኮይኑ ይስምዓኒ። እሱን መሳርሕቱን መጀመርታ ሓንቲ ሊቼ ንኽሰርሑ 24 ሰዓት ይወስደሎም ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ሊቼ ምስ ሰርሑ ንሓደ ካብቶም ምስኡ ዝሰርሑ ዝነበሩ ተለኣኣኺ ነታ ሊቼ ንፈተና ናብቲ ላዕላይ ደርቢ ከብጽሓ ኣቐበሎ። እቲ ተለኣኣኺ እናኸደ ከሎ ተዓንቀፈ እሞ እታ ሊቼ ካብ ኢዱ ወዲቓ ተሓምሸሸት። ቶማስ ነቲ ተለኣኣኺ ከይተቖጥዐ ኣተሃዳዲኡ ካልእ ናብ ምስራሕ ተዋፈረ። ንጽባሒቱ ነታ ሊቼ ሰሪሖም ምስ ወድእዋ ከም እንደገና ነቲ ዘውደቓ ተለኣኣኺ ናብ ላዕላይ ደርቢ ከብጽሓ ነገሮ። እቲ ተለኣኣኺ ዳግማይ ጊዜ ከብጽሓ ምስተሓተተ ከመይ ተሰሚዕዎ ይኸውን? ካልእይ ዕድል ክውሃቦ ዝጽበ ዝነበረ ኣይመስለንን። ነዚ ዕድል ብምርካቡ ግና ካብቲ ዝነበሮ ናይ ርእሰ-ኩነኔ ስምዒትን ጓህን ቀልጢፉ ከም ዘተፈወሰን፡ ዳግም ስርሑ ብኣዝዩ ዓቢ ጥንቃቐ ንኽዓዪ ምስ ርእሱ ቃል ከም ዝኣተወን ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ኣምላኽ ምሕረት ክገብረልና ከሎ፡ ምሕረት ጌሩ ብዘይ ምቁራጽ ካልእ ዕድል ከይሃበ ኣይሓድገናን እዩ እሞ፡ ንሕና ድማ ምሕረት ክንገብር ከሎና ንኻልኦት ከምኡ ዕድል ካብ ምሃብ ኣይንቆጠብ።

ጸሎት: ዎ ኣምላኽ ስለቲ ዝገበርካለይ ምሕረት ኤመስግነካ ኣለኹ። ከምቲ እተቐበልክዎ ምሕረት ድማ ንዝበደሉኒ ፍጹም ምሕረት ክህብ እውስን ኣለኹ እሞ ጸጋኻ ኣብዝሓለይ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments