ብጻየይከ መን እዩ? [Sunday 9th Jul 2023]

Posted on 2023-07-09 · 666 · 0 · 0

122 resources uploaded

...ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ሉቃ.10:27

ኩሉ ትእዛዝ ኣምላኽ ኣብ ክልተ ትእዛዝ ክጥቕለለ ይከኣል፡ ንኣምላኽ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ብዅሉ ሓሳብካን ምፍቃርን ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ምፍቃርን። እቲ ፈላጢ ሕጊ ናብ የሱስ ቀሪቡ "ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር?" ኢሉ ምስ ሓተቶ ተመሊሱ ባዕሉ ክምልስ ከሎ ነዘን ክልተ ትእዛዛት እዩ ጠቒስወን። የሱስ ክርስቶስ እውን ቅኑዕ ከም ዝመለሰ ነጊርዎ። እንተኾነ ግና እቲ ፈላጢ ሕጊ "ብጻየይከ መን እዩ?" ብምባል ካልኣይ ሕቶ ሓተተ። ቅኑዕ ሕቶ እዩ። ኣምላኽ መን ምዃኑ ወይ ድማ ብጻይካ መን ምዃኑ ዘይትፈልጥ እንተዀንካ ነዛ ትእዛዝ ከተኽብራ ኣይከእለካን እዩ።

መን እዩ ብጻይና? እቲ ብጐይታ ሓውና ድዩ ወይስ ብስጋ ሓውና ወይስ ዘመድና ወይስ ጎረቤትና ወይስ መሓዛናን ፈታዊናን ወይስ መሳርሕትና ወይስ ዝኾነ ሓላፊ መገዲ? መን እዩ ብጻይና? የሱስ ክርስቶስ ንኻልኣይ ሕቶ ናይዚ ፈላጢ ሕጊ ክምልስ ከሎ ምስላ ናይቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ እዩ ነጊሩ (ሉቃ.10:25-37 ንበብ)። ነዚ ክፋል እዚ ብምስትውዓል እንተ ነቢብናዮ በዳሂ መልእኽቲ ኣለዎ። ጥቕልል ብዝበለ ግና ብጻይና እቲ ካባና ረድኤት ዝድሊ ሰብ እዩ። እቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ብምውዳቑ ረድኤት ዘድልዮ ዝነበረ ሰብኣይ፡ መንነቱ ብዘየገድስ፡ ብጻይ ናይቲ ምሕረት ዝገበረሉ ሳምራዊ እዩ። ስለዚ ይዕበ ይንኣስ ካባና ረድኤት ዝደሊ ሰብ ብጻይና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ትእዛዝ ኣምላኽ ንምፍጻም ድማ ናይ ረድኤት ኣእዳውና ንዘርግሓሉ።

ጸሎት: ዎ ኣምላኽ ዕለት ዕለት ንዓኻ ብምሉእ ልበይ ብኹሉ ነፍሰይ ብኹሉ ሓይለይን ብኹሉ ሓሳበይን ከፍቅረካ እየ። ካባይ ረዲኤት ደልዩ ዝመጽእ ኩሉ ብጻየይ ምኻኑ ድማ ብቓልካ ነጊርካኒ ስለ ዘሎኻ፡ ንብጻየይ ከም ነፍሰይ ብምፍቃር ናይ ረድኤት ኣእዳወይ ክዝርግሓሉ እየ። ብኹሉ ነገር ድማ ንስኻ ጸጋኻ ከተብዝሓለይ እጽሊ ኣለኹ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments