ንኣምላኽ እተኽብር ስድራቤት [Sunday 26th Nov 2023]

Posted on 2023-11-26 · 845 · 0 · 0

122 resources uploaded

ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ክፉእ ኰይኑ እንተ ተራእየኩምሲ ንመን ከም እተገልግሉ፡ ...፡ ሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል። እያ.24:15

ነዊሕ ጊዜ ይገብር ኣብ ኣስመራ ኣብ ሓደ ገዛ ብተልመዴን ጽሑፍ ተጻሒፋ ብላስቲክ ተሸፊናኣብ መንደቕ እተሰቕለት ጥቕሲ ኣይትርስዓንን እያ። ከምዚ ድማ ትብል “Home: when one live for the other and all for God!” ዓባይ ጥቒሲ እያ፡ “ቤትሲ፡ ቤት እትብሃል ነፍሲ-ወከፍ ኣባል እታ ቤት ስለ ካልኦት ምስ ዝነብርን፡ ኩላቶም ድማ ብሓባር ስለ ኣምላኽ ምስ ዝነግሩ እዩ።”


ህዝቢ እስራኤል ከነኣን ምስ ወረሱ እያሱ ንኹሎም ኣኪቡ ናይ ቤቱ መትከል እንታይ ምኻኑ ኣጽኒዑ ነገሮም። ነፍሲ-ወከፍ ስድራቤት ንኣምላኽ እተኽብር ንኽትኸውን ድማ ክትምርሓሉ ዘለዋ ኣገባብ ኣብርሃሎም።(እያ.24) ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ካብ ዘረባ እያሱ ሓንቲ ስድራቤት ክትምርሓሎም ዘለዎ ሰለስተ ነገር ክጠቅስ። ቀዳማይ፡ ንቤትካ ኩሉ ነገር ካብ ኣምላኽ ዝኾነላ ቤት ምዃና ኣፍልጥ፡ “ዘይጸዐርካላ ምድርን ዘይነደቕኩምወን ከተማታትን ሀብኩኹም...” (እያ.24፡13) ካልኣይ፡ ንቤትካ ፍርሃት እግዚኣብሄር ምሃር፡ “ሕጂ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ...” (እያ.24፡14) ሳልሳይ ድማ ቤትካ ንእግዚኣብሄር ጥራይ ተገልግል፡ “...ንእግዚኣብሄር ድማ ኣገልግልዎ።” (እያ.24፡14) ንዘክር ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ድማ ንሓድሕድካ ብምግልጋል እዩ ዝጅምር። ስለዚ እንታይ እዩ ምርጫና?

ጸሎት: ዎ ኣምላኽ ቤትና ብእኻ እተሃንጸት ቤት እያ። ኩሉ ሰናይ ነገራትና ድማ ብኣኻ እዩ ኮይኑልና ዘሎ። ብፍርሃትን ብጽድቅን ንዓኻ ጥራይ ከነገልግል መሪጽና ኣሎና እሞ ብጸጋኻ ርድኣና። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments