ከም ጽውዓና ንንበር [Sunday 5th Nov 2023]

Posted on 2023-11-05 · 856 · 0 · 0

122 resources uploaded

ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸዋዓሉ ጽውዓ ይንበር። 1ቈረ 7.20

ሎሚ ቕነ ኣብ ገዛና ሓንቲ 500 ቁርጽራጽ ዘለዋ ጂግሶ ግድል (Jigsaw Puzzle) ክንሰርሕ ጀሚርና። እታ ጅግሶ ግድል ናይ ሓደ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ኡሉሩ ዝብሃል ዓቢ ጎቦ (ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝርከቡ ዓበይቲ ኣእማን) ስእሊ እያ። እዘን 500 ቁርጽራጽ ነናተን ፍሉይ ቅርጽን ስእልን እዩ ዘለወን። ነቲ ግድል ንምፍታሕ ከተገጣጥሞ ከሎኻ ነፍሲ ወከፍ ቁራጽ ኣብ ግቡእ ቦትኣ ክትቕመጥ ኣለዋ። ሓንቲ ቁራጽ ኣልዒልካ ምስ እትርእያ፡ ትርጉም ዘለዎ ስእሊ ኣይትረክብን ኢኻ። እንተኾነ ግና እቲ ምልኩዕ ስእሊ ብግቡእ ትርእዮ ኩለን ቁርጽራጻት ኣብ በቦትኤን ምስ ዝቕመጣ እዩ። ኣብ ገለ እዋን ተመሳሳሊ ሕብርን ቅርጽን ዘለዎም ቁርጽራጻት ስለ እትረክብ ነቲ ግድል ንምፍታሕ ትጽገር ኢኻ። ነፍሲ ወከፍ ቁራጽ ግና ናታ ቦታ ኣለዋ።

ነዚ ግድል ክንፈትሖ ከሎና ሓደ ነገር ኣብ ኣእምሮይ ይመላለስ ነይሩ። ንሱ ድማ ብዛዕባ ማሕበር ኣምላኽ እዩ። ማሕበር ኣምላኽ ብብዙሓት ውሉድ ኣምላኽ ዝቖመት እያ። ነፍሲ ወከፍ ውሉን ድማ ነናቱ ውህበትን ጽውዓን ኣለዎ። ኩላትና ሰሚርናን በቲ እተጸዋዕናሉ ጽውዓ ምስ እንነብር መልክዕ እታ ማሕበር ወቂቡን ደሚቑን እዩ ዝርኤ። ከምቲ ገለ ቁራጽ ናይ ጂግሶ እንተ ጎዲሉ እቲ ስእሊ ምሉእ ዘይከውን፡ ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ኣገደስትን ቦታ ዘሎናን ስለ ዝኾንና በቲ እተጸዋዕናሉ ጽውዓ ኣብ ቦታና ንረኸብ።

ጸሎት: ዎ ኣምላኽ ኣካል እታ ማሕበርካ ስለ ዝገበርካኒ ኤመስግነካ ኣለኹ። ኣብዛ ማሕበርካ ዘሎኒ ቦታን እተጸዋዕኩሉ ጽውዓን ብግቡእን ክፈልጥ ምስትውዓል ሃበኒ፡ ከምቲ እተጸዋዕክዎ ጽውዓ ክነብር ድማ ጸጋኻ ኣብዝሓለይ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments