ዝነውሔ ውግእ [Sunday 13th Aug 2023]

Posted on 2023-08-13 · 808 · 0 · 0

122 resources uploaded

እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። ኤፌ.6:11-12

ኣብ ዓለም ሓያሎ ነዋሕትን ሓጸርትን ውግኣት ተኻዪዶም እዩም። ኣብ ሃገርና እኳ ናይ 30 ዓመት ውግእ ተኻዪዱ ኣሎ። 30 ዓመት ሓጺር እኳ እንተ ዘይኮነ ኣብ ዓለም ካብ እተኻየዱ ውግኣት እቲ ዝነውሔ ውግእ ኣብ ሞንጎ ኔዘርላንድስን እተን ኣብ ገማግም ደቡባዊ ምዕራብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከባ ናእሽቱ ደሴታት ሲሊይን እተኻየደ ውግእ እዩ። እቲ ውግእ ብወገን ኔዘርላንድስ ኣብ 17 ሚያዝያ 1651 ዓ.ም. እተኣወጀ ክኸውን ከሎ ድሕሪ 335 ዓመት ኣብ 17 ሚያዝያ 1986 ዓ.ም. ድማ ናይ ኔዘርላንድስ ኣምባሳደር ናብ ደሴታት ሲሊይ ብምኻድ ወግዓዊ ናይ ሰላም ስምምዕ ተፈራረመ። ዋላ እዃ ኣብ ሞንጎ እዘን ሃገራት ውግእ ተኣዊጁ እንተነበረ ካብ ክልቲኦም ወገን ሓንቲ ቀስቲ ይኹን ጥይት ኣይተተኮሰን። ስለዚ ድማ ዝሞተ ይኾን ዝቖሰለ ኣይነበረን።

ኣስፊሕና እንተ ርኢናዮ ግና እቲ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ዝነውሔ ውግእ እዚ ናይ 335 ዓመት ውግእ ዘይኮነስ እቲ ሓጢኣት ናብ ኤደን ገነት ምስ እተወን ወዲ ሰብ ድማ ብሰንኪ እዚ ሓጢኣት ካብ ኣምልኽ ምስተፈለየ እተኣወጀ መንፈሳዊ ውግእ እዩ። እዚ መንፈሳዊ ውግእ እዚ ሕጂውን እንተኾነ ይቕጽል ኣሎ ንሕና ድማ በዚ ይኹን በቲ ኣብኡ ንዋሳእ ኣሎና። እቲ ቦታ ውግእ ኣብ ውሽጥናን ኣብ ዕለታዊ መነባብሮናን እዩ እንበር ውሱን ባታ የብሉን። ፍቓድ ኣምላኽ ምግባርዶ ወይስ ንዕኡ ሓዲግካ ብድሌት ልብኻ ጥራይ ክትምራሕ ብዝብሉ ክልተ ነገራት እተወጠረ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ውግእ ዕውታት ምእንቲ ክንከውን ንኹሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ማለት ድርዒ ጽድቅና፡ ናይ ወንጌል ሰላም ኣሳእንና፡ ዋልታ እምነትና፡ ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲናን፡ ናይ መንፈስ ሰይፊና ማለት ቃል ኣምላኽን ዓጢቅና ኩሉ ጊዜ ብጸሎትን ልማኖን ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ከምዘሎና ዘተሓሳስበና ዘሎ። (ኤፌ.6:13-18)

ጸሎት: ዎ ኣምላኽ ኣነ ናትካ ዓቀይታእ እየ። ከም ንፉዕ ዓቀይታት ድማ ብመነባብሮ እዛ ዓለም ከይተጠላለፍኩ ንኹሉ ኣጽዋረይ ብግቡእ ዕጢቐ ክቃለስ ጸጋኻ ሃበኒ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments