ዎ ተጓዓዛይ !

Posted on 2011-12-30 · 2693 · 90 · 1 · 4

121 resources uploaded

እዛ ንእሽቶ መጽሓፍ ብዛዕባ ጉዕዞ ህይወትካ እትድህስስን ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘሎኻ እተፍልጥን መጽሓፍ እያ።

ትፈልጥ ኢኻ፡ ሰብ ኣብ ህይወት ዘመኑ ብዙሕ ጉዕዞታት እዩ ዘካይድ። ኩሉ ጉዕዙኡ ድማ ነቲ ዝደልዮ ንኽረክብ፡ ኣብቲ ዝደልዮ ንኽበጽሕ፡ ኣብ መወዳእትኡ ንኽዕወት እዩ እንበር ንኸንቱ ብዘይ ዕላማ ዝጓዓዝ ዳርጋ የለን ክብሃል ይከኣል። ኩሉ ጉዕዞ መበገሲ ኣለዎ። መዕለቢ ኸኣ ኣለዎ። ንኽልቲኡ ዘራኽብ ድማ መገዲ። እቲ ተጓዓዛይ ካብቲ መበገሲ ተበጊሱ መገዱ ሒዙ እዩ ናብቲ መዕለቢ ወይ ክበጽሖ ዝደሊ ቦታ ዘቕንዕ።

ገሊኡ ንጉዕዙኡ ብዓወት ኣብ መፈጸምታ ከብጽሖ ከሎ ገሊኡ ድማ ኣብቲ ዝደለዮ መዕለቢ ከይበጽሔ ይተርፍ። ነቲ ዘይምዕዋት ምኽንያቱ ብዙሕ ኣኳ እንተኾነ እቲ ጸገም ካብቲ ተጓዓዛይ ኣይሓልፍን እዩ ብዝብል ሓሳብ ከምትሰማማዕ ተስፋ እገብር። ምኽንያቱ ካብ መበገሲኡ ዝተበገሰ ተጓዓዛይ በታ መገዱ እንተተጓዒዙ ኣብታ ክበጽሓ ዝደሊ ቦታ ክበጽሕ ናይ ግዲ እዩ። ተጓዓዛይ ግን መጀመርታ ብዘይ ምብጋሱ ኣብቲ ዝደልዮ ቦታ ኸይበጽሐ ክተርፍ ይኽእል። ወይ ውን ተበጊሱ ከብቅዕ ብምሕላሉ ኣብ መገዲ ይተርፍ። ካልእ ድማ ተበጊሱን ከይተሓለለ ተጓዒዙን ከብቅዕ በታ ቅንዕቲ መገዱ ብዘይ ምኻዱውን ኣብ ዝደለዮ ቦታ ዘይኮነስ ኣብ ዘይደለዮ ቦታ ዝበጽሕውን ኣሎ። ሰኣን እታ ቕንዕቲ መገዲ ምፍላጥ።

ኣብ ተጓዓዝቲ ግና መገዶም ዝይፈልጡ ጥራይ ዘይኮኑስ መበገሲኦም ዘይፈልጡ ተጓዓዝቲውን ኣለዉ። “ናበይ ምዃነይ ኣይፈልጥን እየ ግን ይጓዓዝ ኣለኹ።” ዝብሉ፡ ዝኸፍአ። መዕለቢኻ ከይፈልጥካ ምጉዓዝ። እቲ መዕለቢኡ ፈሊጡ ካብ መበገሲኡ ዝብገስን በታ ቕንዕቲ መገዲ ከይተሓለለ ዝጓዓዝን ተጓዓዛይ ግን ይቐልጥፍ ይደንጉይ ተዓዊቱ ኣብ መፈጸምታኡ ከም ዝበጽሕ ትኣምነሉ ኢኻ። ሓቀይዶ?

4 comments

· 2013-10-14
God bless you ermiyas !!!

ሓቂ እዩ ኤርምያስ ሓወይ። እት ውሳኔ ናይ ምርጫን ናይ ተወፋይነትን እዩ። ስለዚ እ/ሄር ኩሉ ግዜ ነታ ቅንዕቲ መንገዲ ክንመርጽን መሪጽና ድማ ኣብኣ ክንጸንዕን ብመንፈሱ ይደግፈና። ተባረኽ፡ ንበረኸት ኩን።

እግዛብሂር አብዚሑ ይባርኻ ኹቡር ሓወይ.......!

እግዝብህር እና ባረከ ይባርካ እርሚያስ ሃወይ!
Other Book