ፍርሓት ኣምላኽ (ቐዳማይ ክፋል)

Posted on 2012-05-07 · 1824 · 0 · 3

32 resources uploaded

ሓደ ግዜ ሓንቲ ሓውሲ መስሓቕ ትመስል ግናኸ መሃሪት ዝኾነት ዛንታ ሰሚዔ ኣለኹ። ሓደ ግዜ እዩ ሓደ ቖልዓ ንኣዲኡ እንዳ ሰረቐ ሞኽ ኣበላ። ብዙሕ ግዜ እኳ እንተ ሃረመቶን ኣጠንቀቐቶን ንሱ ግና ክእረም ኣይከኣለን። ኣብ መወዳእታ ግና ሓደ ናይ የሱሱ ክርስቶስ ዝተሳእሎ ስእሊ ኣምጺኣ ኣብ ቤታ ጠቓዓቶ። ንወዳ ኸኣ በለቶ፣ እዚ ትርእዮ ዘሎኻ ስእሊ ናይ ኣምላኽ እዩ። ክትሰርቕ ከሎኻ ከኣ ክርእየካ እዩ። ብድሕር እዚ ኸኣ ንዓይ ክነግረኒ እዩ ኢላ ኣፈራርሓቶ።

እቲ ቖልዓ ኸኣ ኣዚዩ ፈረሐ፣ ክሰርቕ ኣብ ዝፍትነሉ ግዜ ኸኣ ነቲ ስእሊ ስለ ዝፈርሖ ክሰርቕ ኣይከኣለን። ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ቖልዓ ሓደ ብልሓት መሃዘ። ደሓን እዚ ስእሊ ኣብ ዘይርእየኒ ቦታ ኸይደ ነዛ ዝሰረቕክዋ ክበልዓ እየ ኢሉ ኣብ ኣርማድዮ ኣትዩ ነቲ ዝሰረቖ ነገር በልዖ። ቁሩብ መስሓቕ ይመስል ግና ቀንዲ ነዚ ዛንታ ዘምጻኽዎ ብዛዕባ ፍርሓት ኣምላኽ ዝብል ክንርእይ ስለ ዝደለኹ እየ።

ብዙሕ ግዜ ካብ ሰብ ተኸዊልና እንገብሮ ነገራት ካብ ኣምላኽ እውን እንስወር እዩ ዝመስለና። ኣምላኽ ኩሉ ጊዜ ናብ ደቂ ሰባት ኣንቆልቂሉ ዝርእን ዝዕዘብን ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኸኣ ኩሉ ጋህ ዝበለ እምበር ዝሕባእ ነገርሲ ኮቶ የብሉን። ካብ ሰብ ተሓቢእና ዝገበርናዮ ነገር ካብ ኣምላኽ ክስወር ኣይክእልን እዩ። ንሰብ ፈሪሒና ዘይፈጸምናዮ ኩሉ፣ ንኣምላኽ ብዘይምፍራሕና ዝገበርናዮ ኩሉ ግና ምቕልዑ ከም ዘይተርፎ ንረዳእ። ኣብዛ ምድሪ ካብ ማንም ንላዕሊ ክፍራሕ ዘለዎ ኣምላኽ ጥራይ እዩ መጽሓፍ ቁዱስ ንኣምላኽ ኣዚና ከነኽብሮን ክንፈርሖን ከም ዘሎና ኣነጺሩ ይነግረና እዩ።
ኣብ እብራውያን 12።28-29 “ኣምላኽና ዝባላዕ ሓዊ እዩ ዝለዚ ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቱ እንቕበል ካብ ኰናስ ንኣምላኽ ብዜሕግሶን ቁዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናገልገልና ነመስግኖ” ይብለና። ምንም እኳ ኣምላኽ መሓርን ሩሕሩሕን እንተ ኾነ፣ እዚ ግና ንኣምላኽ ከይንፈርሖ ምኽንያት ክዀነና ኣይክእልን እዩ። ካብቲ ሓደ ኣዚና ንኣምላኽ ክንፈርሖን ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ክንርዕድ ዝገብረና ነገር እንተ ሃልዩ ኸኣ ብዝሒ ምሕረቱን ሳህሉን እዩ። ህላውነት ኣምላኽ ኣዚዩ ዘፍርሕ እዩ።

ሓደ ግዜ ኣቦና ዳዊት ኣምላኽ ዘይርእዮ መሲልዎ ብስውር ዝገበሮ ኣበሳ፣ ኣምላኽ ግና ኣብ ኣደባባይ ኣውጺኡ ኣቃሊዕዎ። ዳዊት ብሰንኪ ንኣምላኽ ዘይምፍርሁ ኸኣ ተቐጺዑ። ዮሴፍ እቲ መንእሰይ ከኣ ብሕብኡ ነውሪ ምስ ተቐረበሉ እኳ ሰብ እንተ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ግና ይዕዘብ ከም ዘሎ ሰለ ዝኣመነን ዝፈረሐን ኣምላኽ ኣብ ኣደባባይ ኪሒስዎ። ስለዚ ኩሉ ግዜ ኣምላኽ ራዕድናን ፍርሓትናን ኸውን ይግባእ። ከመይ ጌርና ኢናኸ ብፍርሓት ኣምላኽ ንዓቢ።

1 ኣብ መንጎ ተፈጥራውን ኣምላኻውን ፍርሒ ዘሎ ፈላሊና ንፍለጥ
ኣብዛ ምድሪ ንኣምላኽ እንተ ብብዙሑ ብዉሑድ ዘይፈርሕ ሰብ ዳርጋ የለን ተበልኩ ምግናን ኣይመስለንን። እቲ ሕቶ ግና ፍርሓትና ከመይ ዝበለ እዩ። ንኣምላኽ ዘሎና ፍርሒ ተራ እቲ ኹሉ ዘለዎ ሰብ ዘይኮነስ ፍልይ ዝበለ ፍርሓትን ኣብ ፍቕርን ኣኽብሮትን ዝተሞርኮሰ ክኸውን ይግባእ። ሰብ ንኣምላኽ እናፈርሐ ከሎ ልቡ ከይልወጥ ይኽእል እዩ። ምክንያቱ እቲ ዘለዎ ፍርሒ ንግዚኡ ኣምላኽ ከይቀጽሓኒ ኣብ ዝብል ዝተሞርከሰ እምበር ኣብ ምኽባር ኣምላኽ ዝተመሰረተ ኣይኮነን።

ንኣብነት ኣብቲ መጀመርያ ፍጥረት ሰብ እንተ ሪኢና ኣዳም ካብቲ ኣምላኽ ኣይትብላዕ ኢሉ ዝኣዘዞ ነገር ምስ በልዐ ኣዚዩ ፈሪሑ ካብ ኣምላኽ ተሓቢኡ። ኣዳም ከምዚ ዓይነት ፍርሒ ዝፈረሐ እቲ ዝመጾ ሳዕቤን እንታይ ምኻኑ ስለ ዝተረደኣን ዝፈለጠን እዩ። ሰበ ከኣ ዝመጾ ሳዕቤን ፈሊጡ ጥራይ ዝፈርሕ እንተ ኸይኑ ጸገም ኣለዎ። ስለዚ ብፍርሓት ኣምላኽ ክንዓቢ እንተ ተደልዩ ኩሉ ግዜ ኣብ ውሽጥና ተፈጥራዊ ዘይኮነ ኣምላኻዊ ፍርሓት ክህልወና ኣለዎ። ክንዲ ንዘመጸና ሳዕቤን ፈሪሕና ንኣምላኽ ንፈርሕ፣ ፍቕርን ኣምላኽነት ኣምላኽን ተረዲእና ንፍራሕ።

እቶም ኣምላኻዊ ፍርሓት ዘለዎም ሰባት ኩሉ ግዜ ብትሑትን ስቡርን ልቢ እንታይ ክንገበር ይግብኣና እናበሉ ዝሓቱ እዮም። እቶም ኣብ ውሽጦም ፍርሓት ኣምላኽ ዝመልኦም ሰባት ወትሩ ናብ ለውጥን ዕቤትን እዮም ዝኸዱ። ሎሚ እስከ ንገዛእ ርእስና ንመርምር ውሽጥና እንታይ ዓይነት ፍርሓት መሊኡ ኣሎ? ሰብ ኣብ ውሽጡ ብዘለዎ ፍርሓት እዩ መወዳእትኡ ዝፍለጥ። ንስኻ ንስኺ ኣነኸ ንኣምላኽ ስለምንታይ ከም እንፈርሖ ንፈልጥ ዶ? ገሊና ኣብዛ ምድሪ መታን ከይከፍኣና ዶ ኾን ንኸውን? ስለዚ ኩሉ ክርስትያን እየ ንኣምላኽ ከኣ እፈርሕ እየ ዝብል ሰብ ኣብ ውሽጡ ካብ ምሕረትን ፍቕሪ ኣምላኽን ዝተላዕለ ፍርሓት ኣምላኽ ክህልዎ ኣለዎ።


2 ብፍርሓት ኣምላኽ ክንዓቢ ወትሩ ብዛዕባ ዕቤት ኣምላኽን ግርምኡን ከነስተንትንን ክንፈልጥን ኣሎና
መጸሓፍ ቁድስና ንኣምላኽ ከመይ ዓቢ መፍርሂ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዝነብር ኣምላኽ ምኻኑ እናፈለጥናን እናሓሰብናን ክንፈርሖ ከም ዘሎና እዩ ዝነግረና።ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ክብልን ክቐውምን ዝኽእል ኣካል የሎን። መልኣኽቱ እኳ እንተ ኾኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብራዕድን ብፍርሕን እዮም ዝቐርቡን ዘምልኽዎን። ማንም ደፊሩ ኣብ ቅድሚኡ ዝቐውም የሎን። ስለዚ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ፍርሓት እምብዛ ክዓብን ክዓዝዝን ኩሉሳዕ መዓልታዊ ብዛዕባ ዕቤትን ግርማን ስልጣንን ኣምላኽ ከንስተንትን ክንሓስብ ክንማሃርን ክንፈልጥን ኣሎና። እቲ ንኣምላኽ ዓቢ፣ ፈጣሪ ኹሉ፣ ምኻኑ ዘይፈልጥ ሰብ በደል ክብድል ካብ ኣምላኽ ክሽፍት ቀሊል እዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ሰብ ብስም ኣምላኽን በቶም ፈሪሓ ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ምስ ተላገጸ እዩ። ኣምላኽ ምስ ዝግለጽ ግና እቲ መግደራ ዓቢ ከምዝኸውን ክፈልጥ ኣለዎ። ዳዊት ብዛዕባ ዕቤት ኣምላኽ ክገልጽ ከሎ “ዎ እግዚኣብሄር ኣዚኻ ዓቢ ኢኻ ግርማን ክብርን ለበስካ ንብርሃን ከም ልብሲ ለበስካዮ ንሰማያት ከም መጋራጃ ዘርጋሕካዮ ንርሻንካ ኣብ ማያት ሃነጽካዮ ንደበናስ ሰረገላኻ ገበርካ ኣብ ኣክናፍ ንፋስ ኰንካ ኸድካ ንፋሳት ልኡኻትካ ንሃልሃልታ ሓዊ ኣገልገልትኻ ገበርካዮም” ይብለና መዝሙር 104፣1-4 እሞ ነዚ ከምዚ ዓይነት ኣምላኽሲ ክንፈርሖ ኣይግብኣናን ዶ?
ይቕጽል

3 comments

ኣሜን. ተባረኽ

· 2012-06-01
ኣሜን!ጎይታ የሱስ የባርክካ ሃኒባል.

kemey zeygbaana ..........kibri nishmu
Other Article