መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ንኹላትና

Posted on 2012-12-28 · 1559 · 0 · 1

32 resources uploaded

ሓደ ግዜ ኣንበሳ ንማንቲለ ክበልዓ ይሃድና ነበረ። ንሱ ከጐያ ንሳ ክትሃድም ተረባረቡ። ኣብ መወዳእታ ኣንበሳ ዘግ ኢሉ ደኸመ ማንቲለ ኸኣ ኣምለጠት። ኣንበሳ ኸኣ ንማንቲለ ከምዚ ኢሉ ሓተታ። ብሓይሊ ኣነ ካብኺ ይብርትዕ፣ ብግዝፊ ካባኺ ይገዝፍ፣ ብስልጣን ከኣ ኣሽንካዮዶ ክትመዓርረይኒ ጥቓይ እኳ ኣይትበጽሒ ግና ንምንታይ እየ ዘይሓዝኩኺ ንምንታይ ኣምለጥኪ በላ። ማንቴለ ኸኣ ኣያ ኣንብሳ ልክዕ ኣሎኻ ንስኻ ክትጐየኒ ከለኻ ንእንጌራ ወይ ክትበልዓኒ ኢኻ ደሊኻ፣ ኣነ ክሃድም ከለኹ ከኣ ንህይወተይ ንከድሕን እየ ስለዚ፣ እቲ ፍልሊ ኣብ መንጎ ብልዕን ህይወትን እዩ ዘሎ በለቶ። ዘገርም መልሲ። ኣንበሳ ኣብ መንገዲ ተሓሊሉ ዝደኸመ እንጌራ ንምብላዕ ስለ ዝጐየየ እዩ፣ ማንቴል ዘምለጠት ግና ንህይወት ዋጋ ስለ ዝሃበታ እዩ።

በዚ ታሪኽ ጌረ ናብቲ ቐንዲ መልእኽተይ ክሰግር ሎሚ ኸኣ ኣነን ንስኻን ኣጓይያና ከመይ ኣሎ ንህይወትዶ ወይ ንብልዒ? እዚ ዘለናዮ ዘመን ካብ ንህይወት ንላዕሊ ብዛዕባ እቲ ስጋዊ ነገራት ክንግድስ ዝገበር ዘመን እዩ። ሰብ ኩሉ ኣተክርኡ ኣብ ስጋዊ ነገር ኮይኑ ኣእምርኡ ኩሉ ብዓለማዊ ጉዳይ ተታሒዙ ኣሎ። ስለዚ ኸኣ እዩ እቲ ጸፋዕፋዕን ጉያን ነዚ ምድራዊ ነገር ዝገበር ዘሎ።

እቲ ኩሉ ግዜ ኣተኩሩኡ ኣብ ስጋዊ ነገር ዝገበረ ሰብ ከኣ ውሽጡ ደኺሙ ምስ ተሓለለ እዩ። እቲ ንህይወት ክብሪ ሂቡ ግና ብዛዕባ ህይወት ዝሓስብ ካብ መፈንጥራ ከምልጥ ወትሩ ምስ ተጓየየ እዩ። ኣብዛ ምድሪ ሰባት ኣብ ክልተ እዮም ዝኽፈሉ ንሳቶም ከኣ ኣተክሮኦም ኣብ ምድሪ ዝገበሩ ሰባት እሞ ኸኣ ግዲኦም ዓለማዊ ነገር ዝገበሩን እቶም ንህይወት ክብሪ ሂቦም ስለ ህይወት ሓሲቦም ክንዮ እንጌርና መስተን ኣርሒቖም ዝርእዩ ሰባት እዮም።

ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ህይወቱ ዘለዎ ክብሩ ከመይ ዓቢ ምኻኑ ዝምዘን፣ ንነፍሱ ወይ ህይውቱ ብመንጽር ዘልኣለምነት ክጥምታ ከሎ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ተሪፉ ጻዕሩ ኩሉ ክሳብ ኣብዛ ምድሪ ዘሎ ንመጻኢ ዘየሳሊ እዩ ዝኸውን። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ህይወት ካብ ብልዕን መስተን ኰታ ካብዚ ኣብ ምድሪ ንገብሮ ንጥፈታት ዝበለጸትን ዝዓበየትን ምዃኑ ኣብ ቃሉ ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ “ካብ መብልዕስ ህይወት ዶ ኣይትበልጽን፣ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይትበልጽን፣ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ” ማቴ 6፣25።

እዛ ህይወት እዚ ካብ ክቡርነታ ዝተላዕለ ጥራይ፣ ክቡር ህይወት ሓቲታ። ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እዛ ኡፉ ኢሉ ዝደኰና ህይወት ዘለዎ ክብሪ ካብ መጠን ንላሊ ዓቢ ካብ ምኻኑ ዝተላዕለ ደቂ ሰባት ወትሩ ብዛዕባ እዛ ህይወት እዚኣ ጥንቁቓትን ንመጻኢ ኸኣ ዝሓስቡ ክኾኑ ይደልዮም። ሰባት ከኣ ህይወቶም ኣብዛ ምድሪ ብከንቱነት ብምሕላፎም ንመጻኢ ዝኸስርዎ ክሳራ ስለ ዝፈልጥን ዘስተውዕልን፣ ኩሉ ሳዕ ኣብ ቃሉ ንህይወት ተጠንቀቑላ እናበለ ካብ ምዝራብ ዓዲ ኣይወዓለን። ሰብ ብስስዐ መሊኡ ናብቲ ንግዜኡ ባህታን ዕረፍትን ዝህቦ እናማዕደወ ንኣምላኽ ቦታ ከሊእዎ ይርከብ። ስለዚ ከኣ ሓሳቡ ኩሉሳዕ ምድራዊ ኰይኑ ንህይወቱ ምስ እዛ ምድሪ እምብዛ ኣጣቢቕዋ ይርከብ።

ግደ ሰብ ከኣ ኣብዛ ምድሪን ብዓለማውን ስጋውን ነገር ጥራይ እንተ ዀይኑ ናይ መወዳእታ ውጺት ኩሉ ውርደትን መርገምን እዩ። ዳዊት እኳ ናብ ኣምላኽ ክጽሊ ኸሎ ካብቶም ግዲኦም ኣብዛ ምድሪ ዝገብሩ ሰባት ሰውረኒ ኢሉ ኣሎ። እዚ ባርያ ኣምላኽ እዚ ብዛዕባ ትርጉም ህይወት ስለ ዝተረደኦ እዩ ከምዚ ክብል ዝኸኣለ። ዓሚቕ ዝዀነ ርድኢት ህይወት ስለ ዘለዎ ኸኣ ካብ ንስጋዊ ህይወት ምጉያይ ንፍቓድ ኣምላኽ ምንባር ዝወሰነ። ነዚ ኸኣ እዩ ካብ ሽሕ ዓመት ኣብ ቤት ረሲኣንሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ደገ ኣምላኸ ሓላዊ ምኻን ይበልጸኒ ዝበለ። እዚ ምርጫ እዚ ምርጫና ክኸውን ውሳኔና መዓልታዊ ይኹን። ስለዚ ሎሚ መዛግብትና ኣብ ሰማይ ሰቒልና ህይወት ትርጉም ዘለዋ ክትከውን እሞ ህይወትና ካብ ምውጻእን ምእትዋን ጥራይ ሓሊፋ ንኣምላኽ ንምባር ንወስን። ምስ እዛ ከም ደርማሲ ውሕጅ ትሓልፍ ዘላ ዓለም ከይንሓልፍ መጸጊዒና ኣብቲ ልዑል ንግበር። ንህይወት ብቐሊል ኣይንርኣያ ዋጋ ተኸፊሉላ እዩ። ትንፋስ ዘበለ ኹሉ ንኣምላኽ ክብሪ ክህብ ተጸዊዑ እዩ ኣነን ንስኻትኩምን ከኣ ነዚ ትእዛዝ ነተግብሮ ብህይወትና ንኣምላኽ ነኽብር ብድሕር እዚ ህይወት ሰማይ ኣብ ውሽጥና ተሰኺዑ ብሰማያዊ ሰላማዊ ዘልኣለማዊ ናብራ ክንመላለስ ኢና። አብዛ ትመጽእ ዘላ ዓመት ውሳኔና እዚ ክኸውን ኣምላኽ መንፍሳዊ የዒንትና ይኽፈት። ኣምላኽ ይባርኽኩም።

1 comments

ኣሜን፣ ኦ ኣምላኽ ከምዚ ዝተባህለ ኮኡነ ከመላለስ፣ ካብ ምድራዊ ሓሳብ ጥራይ ምሕሳብ ወጽየ፣ ከምቲ ናይ ወድኻ የሱስ ሰማያዊ ሓሳብ ክሓስብ፣ ብእኡ ከኣ ኣብ ህይወተይ ከስምረካ፣ ፍቓደይን ወሳነይን እዩ። ሃኒባል ሓወይ ኣምላኽ ምስትውዓልካ ይባርኽ።
Other Article