መርዓ እቲ ገንሸል

Posted on 2015-01-27 · 1554 · 0 · 0

20 resources uploaded

ድሕሪ ምንጣቅ ቤተክርስትያን ሓደ ካብቲ ኣብ ሰማይ ዝኸዉን ነገር፣ መርዓ እቲ ሓላል ገንሸል እዩ። እዚ መርዓ እዚ፣ ኣዝዩ ዘመናዊንን ንብዙሕ ዓመታት ጽፋ ዝተገብረሉን፣ ደስ ዝብል ኪዳን ቤተክርስትያን እዩ። ጎይታ የሱስን ሃዋርያን ብዛዕባ እዚ መርዓዚ ብንጹር ሚህሮምን ጽሒፎምን ኣለዉ፣ ማቴ22፣1-5። ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ዝገብሮ ዓብይ መርዓ ፣2ቆረ11፣1-3፣ ቤተክርስትያን ንጎይታ ከም ድንግል ተሓጽያ ምህላዋን፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ከም እትምርዖ፣ ኤፌ5፣22-33፣ ጎይታ የሱስ ንመርዓቱ ኣብቲ መርዓ ብዘይ መንቅብ ክትርክብ ይከናከናን ይሕልዋን ምህላዉ ... ዝምህሩና ክፍሊ ምጽሓፍ ቅዱሳና እዮም። እቲ ቤተክርስትያን ሕጂ ኣብ ምድሪ ከላ እትገብሮ ዘላ ኩሉ ምድላዋት፣ ርእስኻ ምሕላዉን ምንጻህን፣ ምቅዳስ፣ ብዘይመንቅብ ንክትርከብ ብጸጋ ምግዳል፣ ... ካልእን ነዚ መርዓ እዚ መርዓ እዚ ብቕዕቲ ኮይና ንክትርከብ እዩ።

’’… ካብቲ ዝፋን እዉን፣ ኣቱም እትፍርህዎ ናኣሽቱን ዓበይትን፣ ኩሉኹም ባሮቱ። ንኣምላክ ወድሰዎ ዝብል ድምጺ ወጸ። ከም ድምጺ ብዙሕ ሰብን ከም ዳሃይ ብዙሕ ማያትን ብርቱዕ ነጎዳታትን ዝበለ ኸኣ እቲ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ ኢዩ እሞ ሃለልውያ፣ መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ መርዓቱ እውን ተዳልያ ኢያ እሞ፣ ንተሓጎስ ባህ ድማ ይበለና፣ ንኡኡውን ክብሪ ንሃቦ፣ ክብል ኮሎ ሰማዕኩ። ብን ዝበለ ጻዕድእ ሻሽን ጽሩይ ክዳንን ክትክደን ክኣ ተዋህባ። እቲ ሻሽ እቲ ድማ ጽድቂ እቶም ቅድሳት ኢዩ። ንሱ ድማ እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል ታዓዲሞም ዝመጹ ብጻኣን እዮም ጽሓፍ በለኒ። ንሱ እውን እዚ እቲ ናይ ሓቂ ካል ኣምላኽ ኢዩ በለኒ። ራእ 19.5-9

መርዓ ማለት ሓደ ምካን ። ምውህሃድ፣ ምስምማዕ፣ ሓደ ኣካል ምካን፣ ብሓደ ምንባር ማለት ኢዩ። ኣብዚ መንፈስዊ መርዓ ናይቲ ገንሸል ድማ እቲ ገንሸልን እታ መርዓትን ማለት ቤተክርስትያንን ሓደ ዝኮንሉ። ብሓደ ዝወሃሃድሉን ዝነብርሉን መድረክ ኢዩ። ድሕሪ መርዓ ምፍልላይ ዝብሃል ነገር የለን፣ ጎይትስ ምሳና ንሕና ድማ ምስ ጎይታ ንዘልኣለም ክይተፈላለና ክንነብ ኢና። እዚ እቲ ዝዓበየን መወዳድርቲ ዘይርከቦን ተስፋ ክርስትና ኢዩ።

ጳውሎስ ነዚ ክገልጽ ኮሎ፣-
ድሕር ዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ብደበና ኽንለዓል ኢና፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። 1ተሰ 4.17 ይብል። ኣዝዮ ባህ ዘብልን ዘህንጥን ተስፋ ኢዩ። ተስፋና ምስ ጎይታ ንሓዋሩ ብኣካል እንዳርኣናዮ፣ እንዳፍቀርናዮ እናክበርናዮ ምሱኡ ሓደ ኣካል ኮይና ክንርብርን ክንምርዖን ኢና። መርዓ ድማ ብሓደ ንምንባር ወይ ሓደ ንምካን ዝግበር ስርዓት ኮይኑ፣ ሕጽኖት ድማ ጽኑዕ መስረት ናይ ብሓደ ንምንባር ወይ መርዓ ኢዩ። እዚ ናይ ሕጽኖት ግዜ እምባኣር መኣስ ክጅምር ኢዩ ብዘየገድስ እንተ ነውሑ ሸውዓተ ዓመት ክጸንሕ ኢዩ። ሕጽኖት መኣስ ይጅምር ዝብል፣ ማዓስ ንንጠቅ ዝብል ሕቶ ስለ ዝምልሶ፣ እቲ ንውሓት ግዜኡ ጸቢብ ፍልልያት ክህሉ ይክእል ኢዩ፣ እንተ ነዊሑ ግን ሸውዓተ ዓመት ክወስድ ኢዩ።እዚ ማለት ምድርን እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን ብመዓት እቲ መከራ ህይወቶም ክተሕለሉ ከላ፣ እቶም መዝገቦም ኣብ ሰማይ ብምግባሮም ኣብ ምንጣቅ ዕድል ዝረኸቡ ግና ነፍሶም ብሕጽኖት ክትጽንንዕ እያ።

እቲ ሕጽኖት ክንድምንታይ ዘህንጥን ዘሕጉስን ከምዝኮነ፣ እቲ ካብቲ ዝፋን ዝወጽእ ዝነበረ ድምጺ ምስክር ኢዩ። እወ ገጽ እቲ እትፈትዎ ጎይታ እንዳሪኤካ፣

0 comments
Other Article