ኣዴታተይን ኣሓተይን ኣጆኽን

Posted on 2012-11-13 · 1573 · 0 · 1

32 resources uploaded

እቲ ግድል ጻዕሪ እቲ ሓዘን ጓሂ እቲ ሻቕሎት ቅልውላው እቲ መከራ ስቓይ እምብዛ ብዙሕ እዩ። እቲ ዝሕለፈ ዘሎ ገልታዕታዕን ላዕልን ታሕትን ክንደይ ኢልካ ክቖጸር፣ ጽባሕ ካብዛ ሎሚ ከም ዘይትሓይሽ ብምፍላጥ ዘሎ ኩቱር ጭንቀት ክንዲ ዕጻ ባሕሪ ዝምብዝሑ ብዙሕ እዩ። እዚ ኣዴታትና ኣሓትናን ዝሓልፍኦ ዘለዋ ናብራ እዩ። ኣዴትናን ኣሓትና ቀሲነን እፎይ ዝበላለን መዓልቲ፣ ብዛዕባ ዉሉድንን ናብርኣን ዓሪፍን ናብርኣን ዝመራሓለን ዘለዎ መዓልታት ብዙሓት ኣይኰናን። ነቶም የሐንቂቐን። ዘለዎን ቀጺረን ጣሻን ኩሩባን ወሪደን ዘዕበይኦም ዉሉድን ብዝተፈላለየ መንገዲ ክስእንኦምን ካብ ሕቑፈን ክምንጠሉ እንከለወ እዚ ሕጂ ዘሎናዮ ታሪኽ፣ ዘረጋገጾ ሓቂ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ ኣዴታትናን ኣሕዋትናን መጻኢኤን ጠፊእዎን፣ ውሽጣዊ መንፈሳውን ስጋውን ናብራ ከቢድውን፣ ዝሕዝኦን ዝጭብጥኦን ዝጥፍኣሉ ዘመን ይመስል። “እቲ ኣብ ራማ ድምጺ ተሰምዔ፡ ዋይዋይታን ብዙሕ ብኽያትን። ራሄል ስለ ደቃ በኸየት፡ ተወዲኦም እዮም እሞ፡ ምድባስ ኣበየት፡” ዝብል ዝፍጽመ ዘሎ ይመስል።

እቲ ያቆብ መገደይ ካብ እግዚኣብሄር ሕብእቲ እያ፡ ፍርደይ ከኣ ካብ ኣምላኸይ ሐሊፉ እዩ፡ ኢሉ ዝሓተቶ ሕቶ ኣብ ኣእምሮ ደቀነስትዮ ሃገርና ዘቃልሕ ዘሎ ኰይኑ ይስምዓኒ። መብዛሕቱ ልቢ ተሓሊሉ፣ ከምቲ ደቂ እስራኤል “ዓጻጽምትና ነቐጸ፣ ተስፋና ተቐብጸ፣ ንሕና ጠፊእና ኢና፣ ዝብሉ ዝነበሩ፣ እዚ ቓና እዚ ኣብ ልቢ ብዙሓት ኣሓትና ይነበብ ኣሎ። ዘመን ወጊሑ፣ ጸገም ተወዲኡ፣ እፎይ ኢለን ክዓርፋ ምስ ዉሉደን ክተሓቓቐፋ፣ ፍትሒን ርትዕን ነጊሱ ክርእያ፣ እምብዛ ይምነያን ይደልያን። ነዚ እዩን ብዙሓት ኣዴታት ኣብዚ እዋን እዚ ኣንታ ፈጣሪ ተለመነና እባ ኣናበለ ምህለለህን ዘዕርጋ ዘለዋ። ከም ኣዴና ሃና ልበን ብጓህን ምረትን ዝተመልኣ እሞ፣ እህህ ኢለን ጸሎተን ናብ ኣምላኽ ዘዕርጋ ሒደት ኣይኰናን።

ከምቲ ዳዊት ኣብ 13፣1-2 “ዎ እግዚኣብሄር፣ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ፈጺምካ እትርስዓኒ፣ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ገጽካ ትኽውለለይ፣ክሳዕ መኣዝ ብነፍሰይ ክጭነቕ፣ ዕለተ ዕለትሲ ብልበይ ክሐዝን እየ፣ ጸላእየይከ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዚዕብልለኒ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ጠምት እሞ ምለሰለይ።” እናበለ ናብ ኣምላኽ ዝገዐሮ ገዓር፣ ዝግዕራ ዘለዋ ኣዴታትን ኣሓትን ሒደት ኣይኰናን፣ ገለ ገለ ኸኣ ካብ ብዝሒ መከረኣን ስቓይን ኣደራዕ ናብርኣን ዝተላዕለ “እግዚኣብሄር ምሳና እንተልዩ ደአ እዚ ኹሉ ስለምንታይ ረኸበና፡ እቲ ኣቦታትና፡ እግዚኣብሄር ካብ ግብጺ ኣደይቡናዶ ኣይኮነን፡ ኢሎም ዝነገሩና ኹሉ ተኣምራቱኸ ኣበይ ኣሎ፡ ሕጂ ግና እግዚኣብሄር ሓዲጉናስ፡ ኣብ ኢድ ሚድያን እኳ ኣሕሊፉ ሂቡና ኣሎ” ኢለን ዘረባ ጊዴውን ዝደገማ ሒደት ኣይኰናን። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቁኑዑት ኰይና፣ ኩነታትና እንተ መርመርናዮ ከምዚ ክንብል የኽእለና እዩ። ከምቲ ዘመን ግዴዎን ኩሉ ብሕብእብእ ዝገብር ዝነበረ ሎሚ እዚ መንፈስ ኣብ ውሻጠ ቤትንን ደንበናን ኣሎ።

ሓንቲ ኣደ “እዛ ወደይ ኣብ ዕድመይ ብዙሑ ዘመን ርእየ እየ እሞ ከምዚ እዋን እዚ ግና ተስፋ ዝቐረጽኩሉ፣ ሞት ዝምነየሉ ዘለኹ ዘመን የሎን” ኢለን ብምረት ክዛረባኒ ይዝክር። ከምቲ ብዙሓት ዝመስለና ኣብዚ ከምዚ ዝኣመስለ ናይ ጭንቂን መከራን ኣምላኽ ይርስዕ ድዩ? ሓደ ግዜ ደቂ ቖራሕ ከምዚ ሕጂ ንኣዴታትና መሪርዎን ዘሎ ምስ መረሮም፣ ከምዚ ኢሎም ዘሚሮም “ጐይታየ፣ ስለምንታይ ንነፍሰይ እትድርብያ፣ንምንታይሲ ገጽካ ትኽውለለይ አሎኻ፣ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሽጉርን ውጹዕን እየ ፍርሃትካ ተሰኪመስ፣ ተስፋ እቘርጽ አሎኹ።ሓዊ ቝጥዓኻ ብልዕለይ ሐሊፉ፣ ስምባድካ ኣጥፊኡኒ።ምሉእ መዓልቲ ኸም ማይ ከቢቦምኒ፣ሐቢሮም ኣብ ዙርያይ አለዉ ንፈታውን ዓርክን ካባይ ኣርሐቕካዮም፣ መሓዛይ ጸልማት እዩ።”

ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መሪር ኣዋን፣ ሕሱም ግዜ መሓዛኻ ጸልማት ዝኸነሉ ሰዓታት ግብር መልሲ ኣምላኽ ኣንታይ እዩ? ኣዴታተይ ኣሓተይ ከምዚ ዝዓይነቱ ኩቱር ጓሂ ዘለዎ ምረት ከተቕርባ ከለኽን ኣምላኽ እቲ ኣብ ሰማያት ኰይኑ ንኩሉ ኣንቖልቂሉ ዝርኢ እንታይ ይብለክን? መልሲ ኣምላኽ ኣትን ኣዋልደይ እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረኩ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነኩ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮይ ኸም ዘይምርመርን፡ ኣይትፈልጣንዶ ኣይሰማዕኽንንዶኸ? ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ። ኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፡ ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ፡ እቶም ንዓይ ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።” ዝብል እዩ። እሞ ደኣ ኩቡርራት ኣሓተይን ኣዴታተይን ኣምላኽ ኣይረሰዓክንን፣ እቲ ኩነት ትሓልፎኦ ይርዳኦ እዩ። ብግዚኡ ኣብ ግዜኡ ንሱ ክመጽእ እዩ። ምምጽኡ ከም ወጋሕታ ርግጽ እዩ። ክስብ ሹዑ ግና ንዕኡ ተጸበያ፣ ነፍስኽን ኣብኡ፣ ኣብ ፈጣሪ ኣውድቓ ምስ ዳዊት ሓቢርክን ከምዚ በላ “ነፍሰየ፣ ንምንታይ ትጕህዪ፣ ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ አሎኺ፣ስለ ምድሓን ገጹ ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።ዎ ኣምላኸይ፣ ንፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ትጕሂ አላ፣ስለዚ ኸኣ ካብ ምድሪ ዮርዳኖስ፣ ካብ ኣኽራን ሄርሞን፣ካብ ዝባን ሚሳር እዝክረካ አሎኹ።” እተን ናብ ኣምላኽ ተስፍኣን ዝገብራ ዝነበራ ኣዴታት ከምዚ እየን ዝገብራ ዝነበራ።

ኣብ ልዕሌኽን ዝወርድ ዘሎ መግደራ ካብ ምብዝሑ ዝተላዕለ ምሕላል ከም ዝገጥመክን ርድኡ እዩ። ግናኸ ነፍስኽን ክትስዕረክን ኣይትፍቀዳ። መርከብክን ኣብታ ጹቡቕ ወደብ ክሳብ እትበጽሕ ንኣምላኸይ ይኣምኖ እየ ምባል ኣይተቃርጻ። ብዛዕባ ዝወለድክንኦም ዉሉድ ዘለክን ስቓይን ጭንቅን ብዙሕ እዩ። ሰናይ ደቅኽን ክትርእያ ሃረርታ ልብኽን እዩ። ከምዚ ከማኽን ኣደ ሙሴ ተጨኒቃ ነበረት። ብፍላይ እቲ ዓማጺ ንጉስ ፈርኦን ብጭካነ ንቖልዑ እብራውያን ክቐትል ምስ ጀመረ። ኣደ ሙሴ እምብዛ እያ ተጨኒቓ ግና ብዛዕባ መጻኢ ዉሉዳ ኣብ ኣምላኽ ተእሚና ኣምላኽ ኣይሕፈራን። ሎሚ ኣዴታተይ ዉሉድክን ካብ ሕቑፍኽን ብዘተፈላለየ መንገዲ ክውሰዱ ሪእኽን ኣሎኹን። እቲ ክትገብራሎም እትኽእላ ሓደ ነገር ጥራይ እዩ ነፍሶም ኣብ ከረጺት ኣምላኽ ምግባር ጥራይ ክንዮ ብዘይ እዚ ካልእ መፍቲሒ የሎን።

ንዝክር እንተ ዀይና ኣብ ግዜ ሞት የሱስ ክርስቶስ እተን ዝስዕብኦ ዝነበራ ኣንስቲ በቲ ንመድሓኒኤን ዝገጠሞ ሞት ልበን ተሰይሩ ብሓዘን መልኤን ነበራ። ነቲ ዘፍቅርኦ ፈቓር መድሓኒ ክሳብ መወዳእታ ዝሰዓባ እዘን ቡሩኻት ኣዴታት እየን። ብፍላይ ኣብ ማርቆስ 16፣1-6 “ሰንበት ምስ ሐለፈት፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ማርያም ኣደ ያእቆብን ሰሎሜን ከይደን ኪለኽያኦ ቕዲት ዐደጋ። ብቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ፡ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ፡ ናብ መቓብር መጻ። ንሓድሕደን ከኣ፡ እቲ እምንስ ካብቲ ኣፍ መቓብር መን ኪግልጠልና እዩ፧ ተባሃሀላ። እቲ እምኒ ኣዝዩ ገዚፍ ነበራ እሞ፡” ሎሚ እንታይ ዓይነት እምኒ ጸቒጥክን ኣሎ? ነዚ ዓቕልኽን ኣጽቢብሉክን ዘሎ መን ከም ዝግልብጠልክን ድማ ጨኒቕክን ዘሎ እምኒ ክሳብ ክንደይ እዩ፣ ኣብ መዋጥር ኣእቲክን ዘሎ? ንዑኡ ክግልብጠልና እዩ ኢልክን ተስፋ ትገብራሉ ዘለኸን እንታይ እዩ? መን ክሕግዘክን ይኽእል? ጭንቀት እኒ ማርያም እዚ እዩ ኔሩ። እቲ ዘሕጉስ ግና ዕቤት እቲ እምኒ ገዚፍ ክነሱ እሞ ኸኣ ንምግልባጡ ዘይክእላ ክንሰን ናብቲ የሱስ ተነቢርዎ ዘሎ ናይ ዓወት መቓብር መጻ። ሎሚ ብዘይገድስ ክብደት ሕቶ ልብኽን ቃንዛ ነፍስኽን ቅልውላው መንፈስክን፣ ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ኣይትትሓለላ ስጋይን ነፍሰይን እንተ ማህመነ እኳ ክፍሊ ርስተይ ጽውኣይን ንዓኻ ክገብረካ እየ ንምባል ኣይትድከማ።

ብድሕሪ እዚ እኒ ማርያም እንታይ ገበራ? እቲ ቃል ከምዚ ይብል “ንላዕሊ ገጸን እንተ ጠመታ፡ ተገልቢጡ ረኣያ። ናብ መቓብር ኣትየን፡ ጻዕዳ ኽዳን እተኸድነ በጽሒ ኣብ የማን ተቐሚጡ ረኣያ፡ ሰምበዳ ኸኣ። ንሱ ድማ፡ ኣይትሰምብዳ፡ ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቕለ የሱስ ናዝራዊ ትደልያ ኣሎኽን። ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። እታ ኣብኣ ዘንበርዎ ቦታ፡ እንሃ።” ኣዴታተይን ኣሓተይን ንርእዮ ዶ ኣሎና? መቓብር ንየሱስ ሒዙ ከጽንዖ ኣይክእልን እዩ። እዚ ናይ ሎሚ ጸቒጥክን ዘሎ ስቓይ ሽግር ቅልውላው ደኣ እሞ ከመይ ጌሩ ክሕዞ? ጥራይ ናብኡ ንምጻእ። ናብ ኣምላኽ መጺዩ ከይተዝነነ እምኑ ከይተደርበየ ዝኸደ የሎን። ሎሚ ጾርክን ከቢዱ ዝጐበጥክን ክንደይ ኢክን እሞ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ስጋዊ ዕረፍቲ ዝበልጽ መንፈሳዊ ዕረፍቲ ክህበክን ደልዩ ኣሎ። ነዚ እዩ ዓው ኢሉ ከምዚ ዝብለክን ዘሎ “ዝጸምኤ እንተሎ፡ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ። ብኣይ ዚኣምን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፡ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ።”

ኣዴታተይ ኣሕዋተይ ኣብዛ ዓለም ዝሰተኽንኦ ሽግርን መከራን ስቓይን ይኣክል ሎሚ ካብቲ ናይ የሱስ ህይወት ዝህብ ማይ ቀዲሕክን ስተያ ጽዋእ መንፈስክን የንጀርብብ። ኣምላኽ ብወዱ ብየሱስ ክርስቶስ ናብኽን መጽዩ እዚ ዓቢ ስራሕ ክሰርሕ ይደሊ ኣሎ። ኣብ ሉቃስ 13፣10-13 ዝተጠቐሰ ታሪኽ ኣሎ ከምዚ ይብል “ብሰንበት ኣብ ሓንቲ ቤት ጸሎት ኰይኑ ይምህር ነበረ። እንሆ፡ ኣብኣ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ መንፈስ ድኻም ዝሐደራ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ጕቢጣ ነበረት፡ ክትቀንዕውን ከቶ ኣይተኻእላን። ንሕሰቦ ን18 ዓመት ዝጐበጠት ክትቀንዕ ዘይከኣለት፣ ኣቤት ስቓይ ኣቤት ቃንዛ፣ ተስፋ ዘይብላ ሰበይቲ፣ ኣዴታተይ ኣሓተይ እስከ ናባና ንምጻእ ክንደይ ዓመት ዘቕንን ዘጎብጥ ነገር ሓሊፍክንን ትሓልፋ ኣሎኽንን። ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ስደትን ንዓኻትክን ኣጐቢጥክን ዘሎ ሽግር ስቓይ ኣደራዕ ክንደይ ክንብሎ ብዙሕ።ብኢኮኖሚ እንተ መጺና ባይታ ዝዘበጠ፣ ብፍርሕን ሹቕረራን ህይወት ዝተመልኣ እቲ ዘጐብጥ ክንቆጽሮ ኣይንኽእልን። ኣዴታተይ ኣሕዋተይ ጸገምና ጉዳይ ኩነታትና ካብ ማንም መፍቲሒ ኣይርከቦን እዩ። እቶም ክንፈትሖ ንኽእል ኢና ድሕሪ ክንድዚ ዓመታት ረኣዩና ዝብሉ እውን ቃላት ኣፎም ብመዓር ዝተለኽየ ምትላል እዩ። መን ደኣ እሞ ይፍትሓዮ ጉዳይክን? መን የቅንዕክን ንዝጎበጠ ሕቖኽን የደልድል? ነዛ ሲዒባ ዘላ የሱስ ነታ ሰበይቲ ዝበላ ንስምዓያ የሱስ ምስ ረኣያ፡ ጸዊዑ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ካብ ሕማምኪ ተፈቲሕኪ ኣሎኺ፡ በላ። ኢዱ ኣንበረላ፡ ብኡብኡ ቐንዔት፡ ንኣምላኽውን ኣመስገነቶ።

ኣምላኽ ሰማይ ሹሙ ይባረኽ እዚ ታሪኽ እዚ ኣባኽን ክፍጸም እዩ ሩሑቕ ድማ ኣይኰነን ጥራይ ንስኻ ትሕሸኒ ኢልክን ንዕኡ ምረጽኦ። ከምቲ ኣብ ኢሰያስ 60፣1-5 “ብርሃንኪ መጺኡ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ወጺኡልኪ እዩ እሞ፡ ተንስኢ፡ ብርሂ። እንሆ፡ ጸልማት ንምድሪ፡ ጣቓ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኺ ኺወጽእ፡ ክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኺርኤ እዩ። ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ፡ ነገስታት ከኣ ናብ ጸዳል ምብራቕኪ ኺመጹ እዮም። ኣዒንትኺ ናብ ዙርያ ቛሕ ኣብሊ እሞ ጠምቲ፡ ኲሎም ተኣኪቦም ናባኺ ይመጹ ኣለው፡ ኣወዳትኪ ኻብ ርሑቕ፡ ኣዋልድኪውን ተሐቚፈን ይመጹ ኣለው። ምልኣት ባሕሪ ናባኺ ኺምለስ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ከኣ ናባኺ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ኽትርእዪ፡ ብታሕጓስ ድማ ከተንጸባርቒ ኢኺ፡ ልብኺውን ትርግርግ ኪብልን ኪርሕብን እዩ።” ተጻሒፉ ዘሎ ኣባኽን ክፍጸምን ክዉንን ክኸውን ንኣምላኽ እንታይ ይሰኣኖ?

1 comments

ብሓቂ ን አምላኽ ዝሳኣኖ የልቦን፣ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ንዘልአለም ክቕይሮ እዩ. ጎይታ አዕዚዙ ይባርኽካ.
Other Article