ተመንየ

Posted on 2014-03-19 · 1522 · 0 · 0

7 resources uploaded

ቃል ኣምላኽ ኣብ ገላትያ 5:17 ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር እዩ ዚምነ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚኣቶም መጻርርቲ እዮም። ከምዝበለ ኣነ መንፈስ ኣብ ስጋ ኣዝየ ቀናእኩ ተመነኹ። እንታይ አሞ ዋጋ ኣለዎ፡ ንስኻትኩም ምስ ስጋ ኣሻሪኹም ድሌተይን ተቓውሞይን ኩሉ እንዶ እሞ ከንቱ ገበርኩሞ።

እንታይ ስለዝገበርና ኢኺ ምስ ስጋ ኣሻሪኹም ትብልና፡ እንታይ ዘጉደልናልኪ ኣሎ ድማ ትብሉ። እስከ ንዑ ንማጎት ኣውያተይ ፡ ጻውዒተይ፡ ቅንኣተይ፡ ባህገይ ሰሚዕኩም ከም ዘይሰማዕኩም’ዶ ኣይኮንኩምን ትኸዱ ዘለኹም?

ኣንጊህኩም ተንስኢኩም ዋላኳ ግደይ ከይገበርኩም ትሕጸቡ፡ ትኩሓሓሉ፡ ዝመረጽኩሞ ትኽደኑ፡ ዝጠዓመ ትበልዑ፡ ንኣይ ግን ወላ እንተጠመኹ ስቕ ኢልኩም ናብ ጉዳይኩም ትጎዩ፡ እሞ እዚ ኩሉ ክንክን ንስጋ ክትገብሩሉ ኣነኸ ኣይቀንእንዶ? ኣይምነይንዶ?

ኣብ ቦታ ስራሕኩም ኣብ ሰዓትኩም ክትርከቡ፡ ከይሰልከኹም ክትሰርሑ፡ ንጎይተትኩም ብኣኽብሮት ክትእዘዙ ኣብ ሰዓታት ዕረፍቲ ንስጋኹም ከተሐንቅቑ፡ ከተብልዑን ከተስትዩን ምስ ዓርከ መሓዛኹም ከተዕልሉ ክትደዋወሉ፡ ክትስሕቁን ክትጻወቱን፡ እቲ ንኣይ ከተውዕልዎ እትኽእሉ ግዜ እግዚኣብሄር ሂብኩም ክንሱ ግዜ ስኢንና ቢዚ ኮንና ክትብሉ፡ ከመይ ኢለሞ ዘይቀንእ ይቐንእ እምበር ሃረር ይብል።

ኣብ ቤት ትምህርትኹም ኣቲኹም፡ ብዘይ ምድካምን ምስልካይን ንሰዓታት ከተንብቡ ነቒሕኩም ንፈተና ክትዳለዉ፡ ንመግለጺ መምህርኩም ብትግሃት ክትከታተሉ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን መጺእኩም ከኣ ክንዲ ንቃል ኣምላኽ ከምቲ ዝግባእ ትከታተሉ ክትስልክዩ፡ ንደቓይቕ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብኩም ኣዒንትኹም ብድቃስ ክተሓዝ፡ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸይትርከቡ ምኽያታት ከተብዝሑን ከተብኩሩን ኣነ መንፈስ ኣብ ስጋ ብዙሕ ቀኒአ።

ድሕሪ ስራሕ ገዛ ኣቲኹም ቲቪ፡ ሙቪ፡ ጌይም፡ ክትርእዩን ክትጻወቱን ጸኒሕኩም ተደሪርኩም ግደይ ከይገበርኩም ንስጋኹም ከተዕርፉ ናብ መደቀሲ ከተምርሑን፡ ማሙቕኩም ክትድቅሱን ኣነ ግን ክቖርር ከመይ ኢለሞ ስቕ ክብል ይቐንእ እባ።

ገሌኹም ድማ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ንሳውን ሰዓታት ኣሕሊፍኩም፡ 2 ሰዓት ንዘይትመልእ ግዜ ቤተክርስትያን መጺእኩም እቲ ዝተረፈ ኩሉ መዓልታት ንስጋ ብዝኸውን ነገራት ክትጽመዱ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እትሽፍንዎ ክንደይ ሃጓፋት እንከሎ፡ ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ዕዮ ተደራሪብዎም እና ረኣኹም ከምዘይረኣኹም ክትከዱን፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝሃበኩም ጸጋ ዓቢጥኩም ከተጥፍእዎ እንክርእይ፡ ሃረር ይብል ይቐንእ።

ብኸምኡ’ዶ ከይተበደልኩ ዝቐንእ ዘለኹ ይመስለኩም ኣሎ? ኣብ ያቆ4:5 እቲ ወይስ እቲ ጽሑፍዶ ብኸንቱ ዚብል ዘሎ ይመስለኩም፧ እቲ ኣባና ዘሕደሮ መንፈስከ ኽሳዕ ቅንኢዶ ሃረር ይብል እዩ “ ዝተባህለስ ብኸንቱ’ዶ ይመስለኩም? እስከ ስምዑ ምስራሕኩም፡ ምምሃርኩም፡ ምብላዕ ምስታይኩም ዘድልየኩም ንምግባር ምትጋህኩም ኩሉ ጽቡቕ እንከሎ፡ ነቲ ምሳይ ዘለኩም ሕብረት ካብ ኣጥፍኣልኩም ግን፡ ስጋኹም ኣባኹም ምንጋሱ’ዶ ኣይኮነን?

እቲ ኣብ ሮሜ 8:6 "እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ፡ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ክግዝኦ ኣይኮነሉን ድማ እዩ’ሞ ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ።እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ።" ዝብል ቃል ንዘልኣለም እንተዝበርሃሎም ኢለ ተመንየ።

ትዝክሩ ዶ እቲ መጀመርያ ንጎይታ ከም መድሓኒኹም ዝተቐበልኩምሉ ግዝያት፡ ኣየ ሽዑ ዝነበረ ፍቕሪ፡ ኣቤት ዝነበረና ሕብረት፡ ካብ ኣቦኹም ካብ ኣዴኩም ካብ ኩሎም ዓርከ መሓዛኹም ኣብሊጽኩም ንድምጸይ ክትሰምዑ፡ ትዝክሩዶ ሽዑ ንስጋኹም ወላኳ ግዱ ኣይነበረኩምን. ግዜኹም፡ ፍልጠትኩም፡ ፍቓድኩም፡ ስምዒትኩም፡ ውጥንኩም፡ ስራሕኩም ኩሉ ድሕረይ ኢኹም ትሰርዕዎ ኔርኩም፡ ኣየወ! ብቃል ኣምላኽ ፡ ብምስጋና፡ ብጸሎት፡ ብዝማሬ፡ ብግልኹምን ብሕብረትን ኩሉ እዋን ናተይ ምርሒት ትደልዩን ትገብሩን ኔርኩም። ትገብርዎ ዘበለ ድማ ብሓቅን ብመንፈስን ትገብሩ ኔርኩም። ኣየ’ወ ሽዑ ስጋ ብኣይ ክቐንእ፡ ሃረህ ክብል ከሎ፡ መመሊስኩም ብጾምን ብጸሎትን ንስጋኹም ትመልኩዎ ነበርኩም።

ሎሚ ደኣ እንታይ ተረኽበ ኩሉ ተገላቢጦሽ ዝኾነ? እቲ ኣባይ ዝነበረኩም ፍቕሪን ሕብረትንከ ኣበይ ኣበለ? (በዓል ግዜ ሓምሓምሲ ከውሒ ይሰብር ድዩ ዝተባህለ); እዚ ሓመድ ዝኾነ ስጋኹም ነቲ ምሳይ ዝነበረኩም ፍቕሪ ጸርግ ኣቢሉ ወሲድዎ። ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ብምእታው ኣብ ትምኒትን ቅንኣትን ሸሚሙኒ እኔኹ። እቲ መጽሓፍ ኣብ ራኢ 2:4 ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ እሞ እዚ ረኺበልካ ኣሎኹ ከም ዝብሎ፡ እቲ ግዜ ሕጂ እዩ’ሞ ከይደንጎኹም ነቲ ቀዳማይ ዘልመድኩምኒ ፍቕርኹም ሃቡኒ። ናብ ናይ ቀደም ቦታይ ምለሱኒ። ነቲ ኣብ ዘይስፍራኡ ኣቐሚጥኩም ዘሐንቀቕኩሞ ስጋ ኣብቲ መስቀል ስቐልዎ። ቃል ኣምላኽ ‘መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ቅጽዓትን እምበር መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን። ይብልዩ’ሞ በቲ ዝተዋህበኩም ናይ ፍቕሪ መንፈስ፡ ንኣይ ንመንፈስ ፍተዉኒ ኣፍቅሩኒ፡ ንስጋ ድማ ጽልኡ፡ በቲ ዝተዋህበኩም ናይ መንፈስ ሓይሊ ንትምኒት ስጋ ሰዓሩ፡ በቲ ዝተዋህበኩም ናይ ቅጽዓት መንፈስ ስጋኹም ገዚእኩም ነቲ ናይ መንፈስ ነገር ግበሩ። ሐራይ እንተበልኩም፡ እንተተኣዘዝኩምን ብምሉእ ልብኹም ክትገብርዎ እንተተጋህኩምን፡ ትኽእሉዎ ኢኹም። ኣብ ገላትያ 3፡3 ብመንፈስ ጀሚርኩም ዶ ብስጋ ትውድኡ ዝብል ቃል ኣባኹም ከይፍጸም መሊሰ ተመነኹ።

ካብ መጽሄት አውነት ዝተተርጎመ

0 comments
Other Article